ቤተ ጸሎት ሰይጣን፡ ብዛዕባ ኣምልኾ ሰይጣን እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣሜሪካ ቦስተን ኣብ ዝርከብ ሆቴል ማሪዮት ኣምለኽቲ ሰይጣን ተኣኪቦም ኣለው።
ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ‘ሳታኒስትስ’ ተባሂሎም’ዮም ዝፍለጡ።
ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም ሰዓብቲ ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ እንከለው እዚ ናይ መጀመርታ ከይኰነ ኣይተርፍን።
እቲ ዝጽበዩዎ ዘለው መሰናድኦ ንኽጅመር ሒደት ደቓይቕ ክተርፎ እንከሎ፡ እቲ ክፍሊ ብሽምዓ ደሚቑ ኣሎ።
እቶም ስነ-ስርዓት ኣምልኾ ሰይጣን ዝውገነሎም ኵሎም ይርኣዩ እዮም። ‘ንእሽቶ ጸሊም መድረኽ’ ዝብል ጽሑፍ’ውን ተሰቒሉ ኣሎ።
ኣብ ሓደ ጸግዒ ልዕል ዝበለ መንበረ-ጸሎት ኣሎ።
ሓደ ንውሕ ዝበለ ሽምዓ ዝበርሃሉ ኣቕሓ ብሓደ ሸነኽ ተቐሚጡ ይርአ። ኣብ ፊቱ ድማ ሓሙሽተ ጐድኒ ዘለዎ ቅርጺ ኰኾብ ኣብ መሬት ይርከብ።
ኣብቲ ንሰይጣናዊ ስነ-ስርዓት ዝተመደበ ሽምዓ ዝበርሃሉ ክፍሊ፡ ናብ ‘ዘ ሊትል ብላክ ቻፐል’ (ጸሊም ቤተ-ጸሎት) እንቋዕ ደሓን መጻኹም ዝብል ምልክት መብራህቲ ይርአ።
እቲ ዝፍጸም ዘሎ ስርዓት "ኣንጻር ጥምቀት" እዩ፤ እዚ ተሳተፍቲ ኣብ ቍልዕነቶም ዝፍጸምዎ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብተምሳል ይነጽግ።
ቢቢሲ ኣብዚ መሰናድኦ ንክርከብ ዘፍቀደ ኣምላኺ ሰይጣን “ሽም ኣይንደልን” ክብል ይስማዕ።
መንነቶም ዘይግለጽ እንተዀይኑ ኣብቲ ምድላው ክንሳተፍ ኣፍቂዱልና።
ተሳተፍቲ መሬት ዝትንክፍ ቆብዕ ዘለዎ ካባን ጸሊም ናይ ገጽ መሸፈኒን ተኸዲኖም፡ ድሕሪ እቲ ስርዓት ንሓርነት ንምውካል ኣእዳዎም ተኣሲሮም ይቐርቡ።
ክርስትያናዊ ጥምቀቶም ከም ዝነጸጉ ንምግላጽ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ይቕደዱ።
እቲ ተመኵሮ ነቶም ተሳተፍቲ ሓያል ከም ዝዀነ ንጹር እዩ።
"ከም ሕደጾታዊ ቈልዓ፡ ፍንፉን ኢኻ ክትጠፍእ ኣለካ ተባሂሉ ክንገረኒ እንከሎ፡ ንብዙሕ ኣተሓሳስባይ ለዊጥዎ’ዩ። ቤተ ጸሎት ሰይጣን ምርካበይ፡ ስነ-መጐትን ርህራሄን ንኽሓቁፍ ብሓቂ ሓጊዙኒ'ዩ።"
ቤተ ጸሎት ሰይጣን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ሃይማኖት ኣፍልጦ ረኺባ’ያ፤ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ኣገልገልትን ሰዓብትን ኣለዋ።
ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ዝተኻየደ ሳታንኮን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ኣኼባ ልዕሊ 830 ሰባት ቲኬት ገዚኦም እዮም።
ኣባላት እቲ ኣምልኾ ብሓቂ ቃል ብቓሉ ብሉሲፈር ወይ ሲኦል ከም ዘይኣምኑ ይዛረቡ።
የግዳስ ሰይጣን፡ ንስልጣን ኣብ ሕቶ ዘእቱ ምልክትን እምነት ድማ ኣብ ሳይንስ ክምስረት ዝድርኽን እዩ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ እዞም ናይ ሓባር ጸጋታት ዘሎ ማሕበረሰባዊ ስምዒት ሃይማኖት ከም ዝገብሮ ይገልጽ።
ብርግጽ ስርዓታት ኣብ ዘካይድሉ እዋም ምልክታት ሰይጣን ይጥቀሙ እዮም - ንኣብነት መርዓ ኣብ ዘብዕሉሉ ወይ ስሞም ኣብ ዝልውጥሉ እዋን ኣብቲ መንበረ-ጸሎት ዝተገልበጠ መስቀል ብምግባር "ሰይጣን ይኽበር!" ኢሎም ምጭዳር ከጠቓልል ይኽእል።
ንብዙሓት ክርስትያናት እዚ ከቢድ ጸለመ እዩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ቤተ ጸሎት ዴክስ ዴስጃርዲንስ፡ "እዚ ጌጋ ኣይኰነን። ብዙሕ ምልክታትና ብባህሪያዊ ጸለመ እዩ" ይብል
ወሲኹ፡ "ዝተገልበጠ መስቀል ዝኽደኑ ሰባት ኣለዉና። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓትና ድማ ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምልክት ጭቆና ይቕደድ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኤልጂቢቲኪውን ካልኦት ምስ ሃይማኖታዊ በሰላ ዝዓበዩን ሰባት ዘሎ ጭቆና’ዩ፡ እዚኦም ድማ ኣዝዩ ዓቢ ቁጽሪ ዘለዎም ኣባላትና እዮም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰዓብቲ ኣምልኾ ሰይጣን፡ ኵሉ ሰብ እምነቱ ዘለዎ መሰል ከም ዘኽብሩን ንሰባት ከቖጥዑ ከም ዘይፍትኑን ይዛረቡ።
ካብ ብዙሓት ክርስትያናዊ ኣምልኾታት ዝመጽኡ ሰልፈኛታት ግን ውግዘት ዘጠንቅቕ ምልክታት ሒዞም ኣብ ደገ እቲ ሆቴል ተኣኪቦም እዮም።
"ተናስሑ፡ ወንጌል’ውን እመኑን" ይብል ሓደ መጠንቀቕታ።
"ሰይጣን ንኵሎም ደቂ ትዕቢት ይገዝእ" ይብል ካልእ - እታ ትዕቢት ትብል ቃል ብቀስተ ደመና ሕብሪ ባንዴራ ኤልጂቢቲኪዩ ዝተጸሓፈት እያ።
"ነዚ ጸለመ ከም ዘይንቅበሎ፡ ንሕና ካቶሊካውያን ድማ ነቲ ህዝባዊ ኣደባባይ ንሰይጣናውያን ከም ዘይንገድፎ ንኣምላኽ ከነርእዮ ተስፋ ንገብር ኣለና" ይብል ሰልፈኛ ማይክል ሺቭለር ዝተባህለ ካብ ዓቃባዊ ካቶሊካዊ ጕጅለ።
ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ተቓውሞ ይዕዘቡ።
"ንሳቶም 'ሓሽሽ ዘትክኹ፡ ፈጸምቲ ግብረ-ሕቡእ' ኢሎም ይጽውዑና" ይብል ሓደ ሰብኣይ።

ምንጪ ስእሊ, THE BOSTON GLOBE VIA GETTY IMAGES
‘ሄልቢሊስ’፡ ቀርኒታትን ከምኡ’ውን ሰይጣናዊ ርእሰ-ባህታ
እቲ ፍጻመ ኣብ መላእ ራብዓይ ደርቢ ናይቲ ሆቴል ዝካየድ እዩ።
ኣመንቲ ሰይጣን ብዝተፈላለዩ ምልክታት ሰይጣን መሊኦምዎ።
መብዛሕትኦም ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ወለዲ ክዀኑ ኣብ ዝኽእልሉ ዕድመ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ሓያሎ ድማ ወለዲ እዮም።
"ሄልቢሊስ፡ ኣብ ገጠር ኣሜሪካ ዝርአ ኣምልኾ ሰይጣን" ዝብል ሰሚናርን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሰይጣናውነትን ርእሰ-ባህታን ዝምልከቱ ሓዊሱ መግለጺታት ቀሪቦም።

ፖለቲካዊ ንጥፈታት ቀንዲ ኣካል መንነት ቤተ ጸሎት ሰይጣን እዩ።
ሃይማኖትን መንግስትን ክፈላለዩ ከም ዘለዎም ይኣምን።
ንኣብነት ኣብ ኦክላሆማ ኣብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ስቴት ካፒቶል 2.4 ሜተር ዝቑመቱ ሓወልቲ ሰይጣን ክተክል ሓቲቶም።
ቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ ኵሉን ሃይማኖታት ማዕረ ክረኣያ ከም ዝጠልብ ድማ የመልክቱ። (ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ክትዕ ስዒቡ እቶም ዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ተኣልዮም እዮም።)
እታ ቤተ ጸሎት፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣካላት ክውስን መሰል ኣለዎ ብምባል፡ ምንጻል ጥንሲ ክፍቀድ’ውን ትጣበቕ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ኒው ሜክሲኮ ዝመደበሩ ብፖስታ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ዝህብ ናይ ኦንላይን ክሊኒክ ከፊታ እያ።
ካልእ ትዅረት ዝሰሓበ መደብ፡ “ድሕሪ ትምህርቲ ክለባት ሰይጣን” ዝብል እዩ፤ "ትምህርቲ ምስ ሰይጣን" ይብል ጭርሖ እቲ መደብ።
ዕላማኡ ሃይማኖት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ወጻኢ ምግባር እዩ።
ተቓወምቲ ንህጻናት ዘፍርሕ እዩ ይብሉ።
እታ ቤተ ጸሎት ግን ካብ ኣጋንንቲ ነጻ ከም ዝዀነን ናይ ቈልዑ ደርፊ ከም ዘለዎን ትገልጽ።
‘ሰይጣን ይፈትወኩም’ዩ!’
ብዙሓት ስነ-ጥበባውያንን ምስ ሰይጣን ዝተኣሳሰሩ ስራሕቲ ንምሻጥ ድኳናት ኣዳልዮም እዮም።
ቤተ ጸሎት ሰይጣን እውን ናይ ባዕላ ማልያ ትሸይጥ እያ።
ናይ ኣባልነት ክፍሊት ኣይትቕበልን፤ እቶታ ድማ ብዓቢኡ ካብ ወፈያን መሸጣ ሸቐጣትን ዝርከብ እዩ።

ቤተ ጸሎት ሰይጣን መሪሕ መትከላታ፡ ሸውዓተ መርገጺታት እዮም፤ ርህራሄ፡ ኣካላትካ ምቁጽጻር፡ ነጻነት ካልኦት ሰባት ምኽባር - እንተላይ ነጻነት ምብዳል ንዝብሉ መርገጺታት ቀዳምነት ትህብ።
እዚ ኣብ ናይ ቈልዑ መጽሓፍ ክቐርብ እንከሎ፡ "ኵሉ ሰብ ከም መንነቱ ክኸውን ዘለዎ መሰል ኣኽብሩ፡ ብፍላይ እንተዘይተሰማሚዖም።
ቃላቶም እንተ ኣዕቢድኩም፡ ሓራ ኣውጽእዎም - ኣይትሓኑ!" ዝብል ቅኒታት የጠቓልል።
ካብ ካሊፎርንያ ብኣየር ዝመጸት ኣራሴሊ ሮሃስ፡ እቶም መርገጺታት ተዛመድቲን ንምትግባሮም ቀለልትን ኰይኖም ከም ዝረኸበቶም ትገልጽ።
"ኵሉ ግዜ ‘ሰይጣናዊ ኰይኑ ይስምዓኒ፡ በቃ ኣይፈልጦን እየ ነይረ" ትብል።
ብዛዕባ እቲ ቤተ ጸሎት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2020 ብቲክቶክ ኣቢላ’ያ ፈሊጣ።
"ኣብቲ እዋን . . . ቅሩብ ፈሪሐ ነይረ ይመስለኒ። ዕሸላት ከም ዘይስውኡ ከረጋግጽ ብሓቂ ደልየ! ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ባህሊ ክፈልጥ ጀሚረ ... ኣብ መወዳእታ ድማ ከምኡ ከም ዘይኰኑ፡ ከም ምልክት ጥራይ ዝጥቀምሉ’ምበር ብሓቂ ጥዑያት ሰባት ምዃኖምን ተረዲኡኒ።"
እታ ቤተ ጸሎት፡ ኣባላታ ካብ ኣብ 2019 ዝነበረ 10 ሽሕ፡ ሎሚ ናብ ልዕሊ 700 ሽሕ ከም ዘዕበየት ትገልጽ።
እዚ ምንቅስቓስ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብሉሲያን ግሪቭስን ዓርኩ ማልኮም ጃሪን (ክልቲኦም ቅኑዕ ስሙ ኣይኰነን) እዩ ተጀሚሩ።

ገለ ኣባላት እታ ቤተ ጸሎት፡ ንድሕነቶም ሓደጋታት ብምጥቃስ ኣብዚ ጉዳይ ከም ዝተሳተፉ ብግልጺ ክእመኑ ከም ዘይክእሉ ይስምዖም።
ገለ ዝተኣመኑ ኣባላት ስርሖምን ደቆም ስኢኖምን ኣብ ትሕቲ መካይኖም ድማ ናይ ሓሶት ቦምባ ረኺቦምን እዮም።
ወሃቢት ቃል ወፍሪ ሃይማኖታዊ መሰላት ስነ-ተዋልዶ እታ ቤተ ጸሎት ዝዀነት ቻሊስ ብላይት፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናቐደደት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምስ ተዘርገሐ ብዙሕ ምፍርራሕ ከም ዝበጽሓ ትገልጽ።
ሓደ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰብ ናብ ገዛኣ መጺኡ ድሕሪ ምፍካሩ ድማ ስማ ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዝቐየረት'ውን ትዛረብ።
"ጸላእተይ መሰለይ ክግህሱ ዝደልዩ ዕሉል ወንጌላዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንተዀይኖም - እዚኦም ዝሕበነሎም ዓይነት ጸላእቲ እዮም" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY
ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ታይፎን ኒክስ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣባላት እታ ቤተ ጸሎት ኰይኑ፡ ኣማራጺ ስም’ዩ ዝጥቀም።
ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣማራጺ ስም፡ ‘ሳታኒም’ (ስም ሰይጣን) ይበሃል።
ንሱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ብኣምላኽ ዘይምእማን ናብ ኣማኒ ሰይጣን ከም ዝተቐየረ ይገልጽ።
"ሰይጣንነት ንዅሉ ዝኣምነሉ ነገር ዝምልከት’ዩ" ይብል። "ኣካላዊ ርእሰ-ምሕደራ፡ ርህራሄ፡ ምክብባር፡ ሳይንስ። ሰይጣን ድማ ነቶም ዝተደርበዩ፡ ነቶም ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ይውክል።"
"ኣዕሩኽተይ ኣብ ክርስትናታት ተቐባልነት ክረኽቡ ርእየ ኣይፈልጥን። ናብ ሰይጣን ዝስሕብ ነገር ንሱ ተቐባሊ፡ ንዅሉ ዝሓቁፍን ዝያዳ ንዓይ ዝመስልን ምዃኑ እዩ - እንተዀነ፡ ብሓቂ ሰይጣን ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







