ካህን ንምዃን እትቃለስ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ኣገልጋሊት

ኣን ትሮፒያኖ ንዝመጽእ ጽንኩር እዋን ንምድላው ክዳውንታ ተዳልው ኣላ።
ብውቁብ መልክዕ ዝተጠልፈ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ካህናት ዝኽደንዎ ጻዕዳ ክዳውንታ ተውጽእ ኣላ።
ኣብ መንደቓ ኣብ ዝርከብ ካላንደር፡ ጽባሕ "መዓልቲ ሽመት" ምዃኑ ብድሙቕ ቀይሕ ብርዒ ተጻሒፉ ኣሎ።
ንሳ ግን ኣብ እትነብረሉ ከተማ ኣልቡከርኪ ኒው ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ንዝካየድ ኣገልግሎት ሓላዊ ጸጥታ ክትቈጽር እውን ብተሌፎን ትዘራረብ ኣላ - ጐንጺ ክህሉ ከምዝኽእል ስለእትግምት።
"ወጥሪ ዝመልኦ ጉዳይ'ዩ፡ ኵሉ ሰብ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ክጽወዓ ከምዝኽእላ ኣብ ግምት ንምእታው’ውን ክፉት ኣይኰነን" ትብል።
ትሮፒያኖ፡ ኣካላዊ ተጻብኦ ጥራይ ኣይኰነን ዘገድሳ። ካቶሊካዊት ካህን ክትከውን ዘለዋ ተስፋ ካብ እትዛረብ ጀሚራ፡ ኣብ ኢንተርነት ጸርፍታት ከምዘጋጠማ ትዛረብ።
ትሮፒያኖ ሓንቲ ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ልዕሊ 250 ደቂ ኣንስትዮ ኰይና፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕግታት ብምጽራር፡ ካህናት ንምዃን ኣብ ዘይተፈቕደ ኣገልግሎት ዝሳተፋ ዘለዋ ጕጅለ ሮማዊት ካቶሊካዊት ደቂ ኣንስትዮ ካህናት እያ።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ካህናት ክዀና ኣይትፈቅድን እያ።
ብሓቂ ድማ፡ ቫቲካን ኣብ ቀኖና ሕጊ ከም ከቢድ ገበን ዝቕጻዕ ገበን ገይራ እያ ትርእዮ።
እዚ ማለት እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 'ስብከት' ምስ ተሳተፋ፡ ቁርባን ሓዊሱ ምስጢራት ክቕበላ ወይ ስነስርዓት ቀብሪ - ቤተክርስትያን ከፈጽማ ኣይክእላን እየን።
"ካህን ኰይነን ነዊሕ እዋን ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት፡ ምስጓገይ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ ቅዳሴ የካይድ ነይረ። ኣብ ሓደ ሰበኻ እየ ዝሰርሕ ነይረ፡ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቤተክርስትያን እዩ ነይሩ። ስለዚ ነዚ ክገድፎ፡ ብሓቂ ክሓስቦ'ኳ ኣይከኣልኩን።"

ምንጪ ስእሊ, ANNE TROPEANO
ትሮፔያኖ ውፍይቲ ካቶሊክ ኰይና፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ምምራሕ ናይ ሮክ ባንድን ካልኦ ስርሓንት እያ ናብዚ ኣትያ።
"እዚ ክበሃል ክሰምዕ ጥራይ እየ ዝደሊ። ‘ንስኺ ካህነይ ኢኺ፡ ካህን ኢኺ’። በቃ ካህን ክኸውን እየ ዝደሊ" ዝብል ጻውዒት ክህነት ተሰሚዕዋ።
ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝተኸፍተላ እንኮ ኣማራጺ ንቤተክርስትያን ኣብ ካልእ ተራ - ከም መነኮስ ወይ ከም ዓለማዊት ኣበርካቲት ሃገረ ስብከት ከተገልግል እያ ነይራ።
ወይ ድማ ካብ ካቶሊክነት ምሉእ ብምሉእ ርሒቓ፡ ናብ ካልእ ከም ካህን ዝቕበላኣ ክርስትያናዊ እምነት ክትከይድ ትግደድ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ውልቃዊ ምስትውዓል፡ ድሩትነት ሕግታት ቫቲካን ነዚ ጻውዒት ክትነብሮ ከምዘይፈቕደላ ተረዲኣ፡ "እዚ ዝቕጽል ስጕምቲ ምዃኑ ምስ ተረዳእኩ፡ እቲ ምስጓግ ኣካል ናይቲ ጕዕዞ ጥራይ እዩ ነይሩ።"
ትሮፒያኖን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮን እውን፡ ነቲ እታ ቤተክርስትያን እትኽተሎ ጾታዊነት፡ ከትርፋ ጐስጓስ ከካይዳ ከም ምርጫ ሒዘናኦ ኣለዋ።
ካብ ተሃድሶ ኣይሁድነት ክሳብ ብዙሓት ፕሮቴስታንት ዲኖሚንየናትን ካልኦት እምነታት ንደቂ ኣንስትዮ ንምቕባእ ክፉታት እየን።
ገና ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ደቂ ኣንስትዮ ክህነት ንኸይረኽባ ዝግበር እገዳ፡ ንገለ ካብቲ ክርስቶስ ን12 ሃዋርያቱ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ከም ዝመረጾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መዛግብቲ ዝተመርኮሰ እዩ፤ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ክትመስል ቀጺላ ኣላ።
ንትሮፔያኖ፡ ጽልዋ ናይዚ ሕጊ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ።
ስነ-ስርዓት ኣብ ክሩዝ
ምንቅስቓስ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 2002 እዩ ተሰማዕነት ረኺቡ።
ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቘፈት ጕጅለ ኣብ መርከብ ኣብ ሩባ ዳኑብ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ምስ ዝዀነ ቤተክርስቲያናዊ ዞባ ግርጭት ከይፍጠር ኣብ ዘይሕጋዊ ናይ ምቕባል ኣገልግሎት ተሳቲፈን።
ቅድሚ ሕጂ ግን ምስጢራዊ ‘ስብከት’ ከምዝተገብረ ጸብጻባት ነይሩ።
ንኣብነት ሉድሚላ ጃቫሮቫ፡ ኣብ እዋን ኮሚኒስታዊ ምሕደራ ቸኮዝሎቫክያ፡ ኣብ ሰብዓታት ብሓደ ሮማዊ ካቶሊካዊ ጳጳስ ኣብ ዝምራሕ ኣገልግሎት ክህነት ተሳቲፋ።
ምንቅስቓስ ምቕባል ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኡ ጕጅለ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ግን ውክልናኡ የስፍሕ ኣሎ።
ኮሎምብያዊት ኦልጋ ሉቺያ ኣልቫረዝ ቤንጁሜያ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ‘ካህን’ ኰይና፡ ልዕሊ 40% ካብ 1.3 ቢልዮን ዓለማዊ ካቶሊካዊ ህዝቢ ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዕርዲ እያ።
ኣብ 2010 ዘካየደቶ ስነ-ስርዓት ምስጢር እኳ እንተነበረ፡ ካብ ከባብያዊ ስርዓተ-መሰረት፡ ቤተ-ክርስቲያን ደገፍ ከም ዝረኸበት ትዛረብ፡ "ሓደ ጳጳስ ነይሩ... ሓደ ሮማዊ ካቶሊክ ምስ ቫቲካን ኣብ ጸገም ከየእትዎ ስሙ ዘይንረቝሖ።"
"ሰባት ሃንደበት ክጸርፉኒ ወይ ኣብ መሰውኢ ገለ ነገራት ከይድርብዩለይ ኣዝየ ፈሪሐ ነይረ፤ ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ዘለኹ ኣዝዩ ዓቃባዊ ሕብረተሰብ እዩ።"
"እንተዀነ፡ ብግልባጡ ካብ ሰባት ዝረኸብክዎ ደገፍ ዓቢ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ተልእዀይ ክቕጽለሉ ኣደልዲሉኒ" ትብል ኣልቫረዝ።

ሕጂ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ብቫቲካን ኣፍልጦ ዘይረኸበ ማሕበር ካህናት ደቂ ኣንስትዮ ሮማዊት ካቶሊክ (ARCWP) ጳጳስ ኰይና ደይባ ኣላ።
ኣልቫረ፡ ካብ ኣዝያ ውፍይቲ ካቶሊካዊት ስድራቤት እያ፣ ግን ደጋፊት ናይታ መነኮስ ዝነበረት ኣደኣ እያ ነይራ። እቲ ከም ሓደ ህያብ እትርእዮ ካህን ሓዋ ኸኣ ስቕታ መሪጹ።
ኣልቫረዝ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ክህነት ዘግልል ነገር ከምዘየለ ትምጕት።
"ሕጊ ናይ ሰብ እዩ፡ ሕጊ ቤተክርስትያን እዩ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ድማ ምኽባር ኣየድልዮን እዩ።"
እዚ ድማ ብጻውዒት ዘተን ሰልፍታትን ኣቢሉ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ንኽኣትዋ ኣብ ቫቲካን ዝጕስጉስ ጕጅለ ጉባኤ ቅብኣ ደቂ ኣንስትዮ (WOC) ዝቕበሎ ስምዒት እዩ።
ፈጻሚት ዳይረክተር ኬት ማክኤልዊ፡ እቲ ዝፈትዎ ስራሕ 'ሚኒስትሪ ቍጥዐ' ዝብልዎ ምዃኑ ትዛረብ - እዚ ድማ ደገፍቲ ኣብ እዋን ሰበኻ፡ ትኪ ካብ ምፍናው ክሳብ ሞተር ሳይክል ምጥቃም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ኣብ ጽርግያ ምድቃስ ኵሉ ክገብሩ ዝጠልብ እዩ።
በዚ ተግባራተን ድማ ብፖሊስ ቫቲካን ተኣሲረን ኣለዋ።
"ምስዘን ደቂኣንስትዮ ኣብ ጸዋዕታአን ንኸይድ፡ ቫቲካን ድማ ማዕጾኣ ከፊታ ብሓቂ ንሓጢኣታ ጾታዊ ፍልልይ ክትገጥም ይጽበያ ኣለዋ" ትብል ማክኤልዊ።
"እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምጽባይ ዘይከኣል እዩ፤ እቲ ጻውዒት ኣዝዩ ዓው ዝበለን ካብ ኣምላኽ ዝወረደ ኣዝዩ ንጹርን ስለዝዀነ፡ ብዘይካ 'ዘይፍትሓዊ ሕጊ' ምጥሓስ ካልእ ኣማራጺ የብለንን።"
ሓደ 'ዕጹው ማዕጾ'
ቤተክርስቲያን ነዚ ስብከት እዚ ከም ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገበን ገይራ እያ እትርእዮ።
ዛንታ ዳኑብ ሸውዓተ ንህዝቢ ምስ ተዘርግሐ፡ ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር፡ ደሓር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝዀነ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ንስሓ ምልክት ስለዘይሃባ፡ "ብዝፈጸማኦ ዝኸበደ ገበን፡ ናብ ስደት ከምዝተባረራ" ኣዊጁ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ካህን ኰይነን ኣገልጊላ ዘይትፈልጥ ጓል ኣንስተይቲ ከምዘየለዉ ገሊጾም።
ኣብ 2016 እዚ ክቕየር ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ዕድል ምስ ተሓተተ፡ ኣብ 1994 ካብ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተጻሕፈ ሰነድ መወከሲ ብምግባር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሽመት ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት "ማዕጾ ተዓጽዩ" ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪቡ።
ሓፍትና ናታሊ ቤክዋርት፡ ኣብ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኰይና ትሰርሕ፡ ብድሕረኣ ስእሊ ንሳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ሒዛ እያ ትረአ።

ንሳ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካህናት ዘሎ መርገጺ ብቐሊሉ ትገልጾ።
"ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ብወግዓዊ ኣረኣእያ፡ ክፉት ሕቶ ኣይኰነን።"
"ናብ ክህነት ዝተጸዋዕካ ኰይኑ ክስምዓካ ጥራይ ኣይኰነን፡ ኵሉ ግዜ ቤተክርስትያን ካህን ክትከውን ክትጽውዓካ ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ስለዚ ውልቃዊ ስምዒትካ ወይ ውሳነኻ እኹል ኣይኰነን" ትብል እታ ፈረንሳዊት መነኮስ።
ሲስተር ቤክዋርት ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣገደስቲ ላዕለዎት ጽፍሕታት ዝተዋህበን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ እያ።
መርገጺኣ ኣብ ቫቲካን ናይ መጀመርታ መሰል ድምጺ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ይገብራ።
ንሳ፡ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ እያ ትኣምን። እዚ ድማ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ መሪሕነት ተራ ክወስዳ ዘኽእለን ኰይኑ፡ ግና ገና "ካብ ምሻም ዝተሓተ" ተራታት እዩ።
"ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዘለና ኣረኣእያ ከነስፍሕ ዘለና እመስለኒ። ደቂ ኣንስትዮ ንቤተክርስትያን ዘገልግላሉ ብዙሕን ብዙሕን መንገድታት ኣሎ" ትብል ሲስተር ቤክዋርት።
ለውጢ፡ ፈጺሙ ቀሊል ከምዘይኰነን፡ ኵሉ ግዜ ድማ "ፍርሕን ተቓውሞን" ከምዘጋጥም'ውን ትሕብር።
ካልእ መንገዲ
ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ካቴድራል፡ ኣን ትሮፔያኖ ናብ ቅድስቲ መንበር ቀሪባ ኣብ ግንባር እቲ ጳጳሳ ደው ኢላ፡ "እነሆ ኣነ ድሉውቲ እየ" ኢላ ብስምዒት ተመሊኣ ትእውጅ።
ን14 ዓመት ዝተጸበየቶ መዓልቲ እዩ። እቲ ስነ-ስርዓት 'ስብከት' ምስቲ ካቶሊካውያን ካህናት ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ተመሳሳሊ ቅዳሰ ዝኽተል እዩ - እዚ ድማ ምንባር ኢድን ጸሎተ ቅድስናን ይሕውስ።
ኣብቲ ስነስርዓት ጳጳስ ብሪጅት ሜሪ ሚሃን፡ ንትሮፒያኖ ቅልጽማ ሓፍ ኣቢሉ፡ ናብቶም ዘጣቕዑ ዝነበሩ ጉባኤ ኣቕሪብዎ። እታ ሓዳስ ካህን ኰይና 'ዝተሸመት' ኣን፡ ጽቡቕ ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።
ትሮፔያኖ፡ ኣካል ናይዚ ዝተፈለየ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ብምዃና ትሕበን፣ ዝያዳ ተሳትፎን ስርዓተ-መሰረት ዘስዕብ እዩ።
ከምኡ’ውን ብባህሊ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሕቶ ንዝኣትዉ ጕጅለታት ክፉት ክኸውን ዝገብር እዩ ኢላ ትኣምን።
"ድሕሪ ሕጂ ካብ ቁርባን ዝግለል ሰብ የለን። ተፋቲሕካ ኣይተፋቲሕካ- ኣገዳሲ ኣይኰነን። ኵሉ ሰብ ቅቡል እዩ፡ ሕደ-ጾታውያን ዝዀኑ ሰባት'ውን ዕድል ኣለዎም" ትብል።
ኦልጋሉቺያ ኣልቫረዝ እውን፡ ርክብ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምስ ወከልቲ መሰውኢታቶም ዳግማይ ንምግላጽ፡ ንደቂ ኣንስትዮ እዚ ሽመት ክህነት ከም ዕድል ገይራ እያ ትርእዮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት፡ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ዕድል ኣሎ ትብል እታ ኮሎምብያዊት ጓል ኣንስተይቲ 'ጳጳስ'።
ንሳ ከምኡ ዝበለት፡ ኣዝዩ ሃሳዪ ዝበለቶ ኣብ ካህናት ዝነበረ እምነት፡ መንፈሳውን ጾታውን ዓመጽን ዕንደራታትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።
"ኣብ ምድሪ ብሕታዊ ወከልቲ ኣምላኽ ንሕና ኢና ክብሉ ከመይ ጌሮም? ሕፍረት የብሎምን" ትብል ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ተኸታታሊ ክስታት ጾታዊ ግህሰት።
ፖፕ ፍራንሲስ፡ ነቶም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣቕሽሽቲ ይቕሬታ ሓቲቶም፡ ነቲ "ከቢድ ገበናት" ኣብ ምሕባእ "ተሓባባራ" ዝበልዋ ቤተክርስትያን ኰኒኖም።
ኣልቫረዝን፡ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ከም መልሲ እያ እትርእዮ።
ጓል 80 ዓመት ኰይና፡ ነተን ካህናት ክዀና ተስፋ ዝገብራ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሃር ግዜኣ እያ ተሕልፎ።
"ካልእ ገጽ ክህነት ምርኣይ ክቕልጥፍ ኣለዎ። ታሪኽ ባዕሉ ክደጋግም ክንገድፎ ኣይንኽእልን ኢና።"
ምንቅስቓስ ምቕባእ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደገፍ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ከም ዝረኽባ ርእሰ ተኣማንነት ስለዘለወን፡ ብዛዕባ እቲ እገዳ ክፉት ክትዕ ክካየድ ትደሊ።
ኣብታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝበዝሐ ህዝቢ ካቶሊክ ዝነብረላ ሃገር ብራዚል፡ ዳርጋ ሸሞንተ ካብ ዓሰርተ ካቶሊካውያን ንደቂ ኣንስትዮ ካህናት ከም ዝድግፉ ገሊጾም።
ኣብ ኣሜሪካ እቲ ኣሃዝ ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝዛይድ ከምዝነበረ ኣብ 2014 ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
እንተዀነ፡ ኣብታ ቍጽሩ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ካቶሊካዊ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጕር ኣፍሪቃ፡ ምንቅስቓስ ምቕባእ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ገና ኣይተበገሰን።
ትሮፒያኖ፡ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ተኽእሎታት ክዝረብ ከሎ ምዃኑ፡ ንባዕሎም ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ልዝብ ክኸፍቱ ጻውዒት ተቕርብ።
ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ንኽሽየማ ዝግበር ቃልሲ ገና ነዊሕ ክኸውን ከምዝኽእል እትግምት ትሮፔያኖ፡ ንመጻኢ እታ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ከምዝኾነ'ውን ትኣምን።
"ቤተክርስትያን ማዕረ ተሳትፎ እንተዘይሃልዩ ተልእኾኣ ክትፍጽም ኣይትኽእልን እያ። ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ'ዚ ኣገዳሲ ነገር የለን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







