ንወግዓዊ "ይቕረታ" ጳጳስ ፍራንሲስ ዝጠልብ ልኡኽ ደቀባት ካናዳ

ልኡኽ ደቀባት ካናዳ፡ ንወግዓዊ "ይቕረታ" ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓሙሽተ ሽሕ ማይልስ ዝተጓዕዘ ሓደ ጕጅለ ልኡኽ ደቀባት ካናዳ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ዝተፈጸመ 'ሕማቕ ተግባራት'፡ ወግዓዊ ይቕረታ ንኽሓትሉ ምእንቲ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቫቲካን ዑደት ይገብር ኣሎ።

እዚ፡ ካብ ዝተፈላለየ ዕድመን ሓላፍነትን ዝቘመ ልኡኽ፡ ኣብ ቫቲካን ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተሰጋጊሩ ዝጸንሐ ኰይኑ፣ ጳጳስ ፍራንሲስ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ካናዳ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ተግባራት፡ ብቐጥታ ካብ ኣፍ'ቶም ብህወት ዝተረፉን ውሉዳቶምን ክሰምዑ እዮም።

ኣብ ዳሕረዎት ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ጳጳስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ደቀባት ካናዳ፡ ሰፋሮን መንግስትን ንዝግበር ዕርቂ ንምሕጋዝ ናብ ካናዳ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።

ንባህልን ቋንቋን ደቀባት ንምጥፋእ ወይ ምስ ካልእ ንምድብላቝን፡ ፖሊሲ መንግስቲ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዕማም መጋበሪ ንዝነበራት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምምስራትን ምክያድን ከኣ ተራ ኣብያተ ክርስትያን ወሳኒ ምንባሩ ይፍለጥ። ብፍላይ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ሮማ፡ 70 ሚእታዊት ናይተን ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ተካይድ ነይራ።

እዚ ናይዚ ሰሙን ጕዕዞ ናብ ቫቲካን፡ ነቲ ደቀባት ካናዳ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንዝፈጸመቶ ጕድለታት ብስም እታ ቤተክርስትያን ወግዓዊ ጳጳሳዊ ይቕረታ ንኽወሃበሉ ክግበር ንዝጸንሓ ጻዕሪ ዝምልስ እዩ።

እቶም ጳጳስ፡ ንምሉእ ጕጅለ'ቲ ልኡኽ ዓርቢ ከዘራርብዎ እዮም፤ ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልቲ'ውን ክስዕብ እዩ።

ኣብ 2015 ብኮምሽን ሓቅን ዕርቅን ካናዳ ዝወጸ ዝርዝር ጸብጻብ፡ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክንክንን ድሕነትን ህጻናት ንምሕላው ፍሽለት ከም ዘጋጠመን፡ "ባህላዊ ጽንተት" ከም ዝተፈጸመን የመልክት።

እዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ሓደ ዘመን፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ቈልዑ ካብ ስድራቤቶምን ማሕበረሰቦምን ብሓይሊ ክፍለዩ ገይረን እየን። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ቈልዑ፡ ንኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከም ዝተቓልዑን ብኡ ኣቢሎም ናብ ቤቶም ከይተመልሱ ከም ዝጠፍኡን 'ቲ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብቲ 'ተን ኣብያተ ትምህርቲ ተደኲነናሉ ዝነበራ ስፍራታት፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ መቓብራት ከኣ፡ ናይቶም ግዳያት ዝዀኑ [ናይ ሽዑ] ተመሃሮ ምዃኑ ይንገር።

ጌጋ ምእማን

እዚ ጕዕዞ፡ ኣብተን ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ይቕረታ ብዝሓተተ፡ ኣቡን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካናዳ ዝተወደበ እዩ።

ኮምሽን ሓቅን ዕርቅን ከኣ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ነቶም ተረፍን ስድራቤቶምን ብወግዒ ይቕረታ ክሓቱ ንዕርቂ መሰረታዊ ምዃኑ ይእምም።

እዞም ደቀባት ቅድሚ ሕጂ፡ ጳጳስ ዮሃንስ 2ይን ጳጳስ በነዲክትን ይቕረታ ምእንቲ ክብሉ ሓቲቶም'ኳ እንተነበሩ፡ ጻዕሮም ግን ኣተዓወተን። ጳጳስ በነዲክት ግን ብውሕዱ ኣብ 2009፡ ነቲ ዝተፈጸመ ጕድለታት ኣፍልጦ ከይሃቡ [ብሽፍኑ]፡ ጣዕሳ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

ነዚ ልኡኽ ዝመርሐ ጀራልድ ኣንቶኒ፡ እዚ ዑደት ነቲ ንወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ መጕዳእቲ ንምሓዋይ ዝሕግዝ "ሓደ ዕድል" ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ብጳጳስ ዝወሃብ ይቕረታ ድማ ነቲ ጕዳይ ንምዕራፍ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መሰረታዊ ምዃኑ የገንዝብ።

እዚ ርክብ፡ ነቲ ኣሰቃቒ ዛንታታት ካብቶም ተረፍ ግዳያት ንምስማዕ ዘሎ ድሌትን ባህርን 'ቶም ጳጳስ ዝደረኾ ምዃኑ እቲ ካብ ቫቲካን ዝወጸ ሓበሬታ የነጽር።

ሓንቲ ካብቶም ተረፍ ግዳያት ዝዀነት ኣንጂ ክሬራር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቓል፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣመና ሕያዋይ እዮም፡ ሑቕፎም ድማ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸደ ቃንዛ ክፍውሶ ከም ዝኽእል ትገልጽ።

"ሎሚ ኣብ ህይወተይ እታ ዝተፈልየት ዕለት እያ፣ ዘረባኦም ኣይሰምዖን እየ፡ ግን ፍሽኽታኦም፡ ኣካላዊ ምንቅስቓሶምን ፍቕሪ ክስምዓኒ ዝገበር እዩ፡" ትብል።

ልኡኽ ደቀባት ካናዳ፡ ንወግዓዊ "ይቕረታ" ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, VATICAN POOL

'ሓደ ስጕሚ ኣብ መስርሕ ፍወሳ'

ብዙሓት ካብዞም ልኡኻት፡ ይቕረታ ምሕታት ንበይኑ እኹል ከም ዘይኰነ ይኣምኑ። "መስርሕ ዕርቂ፡ ንጳጳስ ፍራንሲስ ብምርካብ ዝተጀመረ ኣይኰነን፣ ኣብዚ ድማ ዝውድእ ኣይኰነን። እዚ ሓደ ስጕሚ ኣብቲ ነዊሕ ጕዕዞ እዩ" ዝበለት ሓንቲ ካብ መራሕቲ እዚ ጕጅለ ዝዀነት ካሲዲ ካሮን፡ 'ክንዮ ይቕረታ ምሕታት ዝኸይድ እታ ቤተ ክርስትያን ጭቡጥ ግብራዊ ስጕምቲ' ክትወስድ ከም ዝግባእ ተተሓሳስብ።

ንሳ፡ ሰነዳት እቶም ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ንወኸሳ ክፉት ክኸውን እያ ትማጐት፣ "ብኡ ድማ ታሪኽና ብዝበለጸ ብግቡእ ክንስንድ ንኽእል" ብምባል፡ እቲ [በታ ቤተክስርትያን] ዝተወስደ ባህላዊ ንብረታት ንኽምለስ ከኣ ትጽውዕ።

ተወሳኺ ዕላማ'ዚ ልኡኽ፡ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ንዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጳጳስ መንፈሳዊ መራሒነቶም ተጠቒሞም፡ ንግዳያት ገንዘባዊ ካሕሳ ከም ዝወሃብ ክገብሩ ጸቕጢ ንምግባር እዩ።

እዚ ልኡኽ፡ ክንዮ ይቕረታ ምሕታት ዝኸይድ፡ በታ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ክስራሕ ዝግባኦ ተግባራት ከም ዘሎ ዘዘኻኽር ዲፕሎማስያዊ መልኽእቲ ንምብጻሕ'ውን ኣካል ዕላማኡ እዩ።