ካናዳ፡ ኣብ ካናዳ ስለምንታይ'የን ኣብያተ ክርስትያናት ብሓዊ ዝቃጸላ ዘለዋ?

10 ኣብያተ ክርስቲያን ተጠቒዐን

ምንጪ ስእሊ, JKENNEY

ኣብ ካናዳ ዞባ ኣልበርታ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ደቀ'ባት ዘብጽሖ ታሪኻዊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ብዝተላዕለ ቁጥዐ ብዝተኣሳሰር ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ኣብያተ ክርስቲያን ዓንየን።

መርመርቲ ኣብ ከተማ ካልጋሪ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ብኣራንሾንን ቀይሕን ሕብሪ ተጨማሊቖም ከም ዝረኸቡዎም ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ኣልበርታ እቲ መጥቃዕቲ "ዘርዕድ'ዩ" ነይሩ ኢሉ።

ኣብ ጥቓ እቲ ብቤተክርስቲያን ዝመሓደር ኣብ ሓደ እዋን ደቀ'ባት ብኣስገዳድ ዝመሃርሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ዘይተፈልጡ ጃምላዊ መቓብራት ምስ ተረኸቡ'ዩ እቲ ሓያል ቁጥዐ ተላዒሉ።

ኣመሓዳሪ ኣልበርታ ጃዶን ኬኒ ብሓሙስ ሓደ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ኣብያተ ክርስቲያን ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኢቫንጀሊካል ቤተክርስቲያን ኣፍሪቃ'ዩ ኢሉ።

እቶም ምእመናን ብምኽንያት ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምዕናውን ምቅጻልን ዝተሰደዱ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት'ዮም ኢሉ።

"እዚኦም ብሰላማዊ መገዲ ከነምልኽ ንኽእል ኢና ኢሎም ናብ ካናዳ ዝመጽኡ'ዮም። ገሊኦም ድማ ብከምዚኦም ዝበሉ መጥቃዕታት ግዳያት ኮይኖም'ዮም። ኣብ ታሪኽ ንዝተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ጥፍኣት ዝሓድር ጽልኣት ናብ ከምዚ ዓይነት መገዲ እዩ ዝወስድ። ኣብ ክንድኡ ግን ሓድነት፣ ዕርቅን ምክብባርን ይሃልወና" ኢሉ።

ፖሊስ ከተማ ካልጋሪ እቲ ክስተት ብዓርቢ ምሸትን ሓሙስ ንጉሆን ከም ዘጋጠመ ክገልጽ እንከሎ "ናይ ኩሎም እምነታት ክርስትና ኣብያተ ክርስቲያን'ዮም ተጠቒዖም" ኢሉ።

ሓደ ናይ ኣምልኾ ቦታ መሳኹቱ ከም ዝዓነወን ናብ ውሽጢ ቀለማት ክድፍኦ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓቢሩ።

መግለጺ እቲ ፖሊስ ወሲኹ እቲ ቀለም፡ ብመልክዕ ኣሰር ኢድ ከም ዝተደፍአን "215" ዝብል መርመርቲ "ጸሊም ታሪኽ" ኣዳሕሪ ቤት ትምህርቲ ካናዳ ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቑጽርን ዝተሓወሶ ምዃኑ ገሊጹ።

እዞም ብመንግስቲ ዝምወሉ ናይ ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመን ብሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዝመሓደራን ደቀ'ባት መናእሰይ ናይ ምውሃድ ዕላማ ዝነበረንን እየን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጃምላዊ መቓብር 215 ህጻናት ተረኺቡ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ብርክት ዝበላ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ እቶም ደቀ'ባት ዝርከብሉ ከባቢ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተቓጺለን።

ፖሊስ "ዕርቅን ምሕዋይ በሰላን" ክመጽእ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ። ይኹን'ምበር "ከምዚ ዓይነት ናይ ዕንወት ተግባር ዘይሕጋዊ፣ ኸፋፋልን ከተማና ከዕኑ ዝኽእልን'ዩ" ብምባል ኮኒኑ።