ኣብ ካናዳ 'ኣቐዲሙ ብዝተወጠነ' መጥቃዕቲ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ተቐቲሎም

ለንደን፡ ኦንታርዮ ካናዳ ሰነ 7 2021 ሰባት ሓዘኖም እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በቲ ተግባር ብዙሓት ነበርቲ ሰንቢዶም

ኣብ ካናዳ “ኣቐዲሙ ብዝተወጠነ” መጥቃዕቲ ዓባይ መኪና: ኣርባዕተ ኣመንቲ ምስልምና ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብሰንበት ከምዝተቐተሉ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ኦንታሪዮ ዝተፈጸመ ኮይኑ ካብቶም ኣባላት ስድራ ብህይወት ዝተረፈ ወዲ 9 ዓመት ቆልዓ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ።

ካናዳዊ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብቕትለት ኣርባዕተ ሰባትን ፈተነ ቅትለት ሓደ ሰብን ከምዝተኸሰሰ ድማ ተፈሊጡ።

እዚ መጥቃዕቲ ካብቲ ኣብ 2017 ኣብ መስጊድ ኲቤክ ዝተፈጸመን ምኽንያት ሞት 6 ሰባት ዝኾነን መጥቃዕቲ ቀጺሉ ዝኸፍአ ተባሂሉ’ሎ።

ብሰኑይ መግለጺ ዝሃበ መርማሪ ፖሊስ ፖል ዋይት “እቶም ግዳያት: ሙስሊም ብምዃኖም ጥራይ ዒላማ ከምዝኾኑ’ዩ ዝእመን” ክብል ተዛሪቡ።

ፖሊስ ክስታት ግብረ-ሽበራ ንምምስራት ሓበሬታታት ይእከብ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ጽልኢ ዘንቀሎ ገበን ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ኣባላት ስድራ፤ ደቂ 76ን ከምኡ'ውን 44ን ዓመት ደቂኣንስትዮ፣ ሓደ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይን ወዲ 15 ዓመት ቆልዓን ከምዝኾኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝግለጽ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ናታኒያል ቬልትማን ካብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ኣስታት 6 ኪሎሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ዕዳጋ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ንሱ ምስዝኾነ ይኹን ጽልኢ ዝጉስጉስ ጉጅለ ርክብ ኣለዎ’ዶ የብሉን ዝብል ገና ከምዘይተፈጠ ፖሊስ ዝሓበረ ኮይኑ ምስቶም ግዳያት መጥቃዕቲ ግን ዝፍለጥ ርክብ ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ’ሎ።

ቅድሚ ሎሚ'ውን ዝኾነ ዝኾነ ሕሉፍ ገበን የብሉን።

መሰኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?

እታ ጸላም መኪና ናብቲ ጥቕዓት ዝተፈጸመሉ ቦታ እናተሓምበበት ኣብ እትኸደሉ ዝነበረት እዋን ጽቡቕ ኩነታት ኣየርን ንምርኣይ ዘየጸግም ኩነታትን ከምዝነበረ ፖሊስ ይገልጽ።

ሓንቲ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ከኣ ሲቲቪ ኒውስ ንዝተበሃለ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጓላ ሬሳ ግዳያት ንከይትርእይ ብዝብል ኣዒንታ ብኢዳ ከምዝሸፈነትላ ተዛሪባ።

ፐይግ ማርቲን ዝተበሃለ ምስከር ዓይኒ ብወገኑ “ሰባት ብኹሉ ኣንፈት ይጎዩ ነይሮም፤ ገለ ሰባት ከኣ እተን ናይ እዋን ሓደጋ ተሽከርከርቲ ናበይ ገጽ ክኸዳ ከምዘለወን የመላኽቱ ነይሮም፡ ብዙሕ ዓውዓውን ኣእዳው ምውንጫፍን እውን ነይሩ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ግብረመልሲ ሰበስልጣን

መራሒ ምምሕዳር ኦንታሪዮ ዳግ ፎርድ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ሓዘኖም ካብ ሞንጎ ዝገለጹ ኮይኑ፡ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ጽልኣትን ዘይምኽንያታዊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምናን [ኢስላሞፎቢያ] ኣብ ኦንታሪዮ ቦታ የብሎምን” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩደ በቲ ዜና “ከምዝሰንበደ” ብምግላጽ “በቲ ዝተፈጸመ ጽልኣት ዘንቀሎ ተግባር ንዝተሸበሩ ሰባት ስድራ ኣብ ጎንኹም ኣለና” ኢሉ።

ከንቲባ ናይታ ኣብ ኦንታሪዮ ትርከብ ከተማ ለንደን ኤድ ሆልደር ብወገኑ “እዚ ተግባር ጃምላዊ ቅትለት ንምፍጻም ዝሃቀነ’ዩ ነይሩ፤ ኣንጻል ሙስሊም ዝተፈጸመን ክግለጽ ካብ ዘይክእል ጽልኣት ዝነቐለን” ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ህንጻ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝርከብ ባንዴራ ንሰለስተ መዓልታት ትሕት ኢሉ ክስቀል እውን መምርሒ ሂቡ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሙስሊም ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፤ እቲ ተግባር ብሽበራ ክሲ ክቐርበሉ ሓቲቱ’ሎ።

ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ሙስጦፋ ፋሩቅ “[ነቲ ጥቕዓት ዝፈጸመ ውልቀሰብ] ነቶም ሰባት ኣይፈልጦምን’ዩ። እዚ ኣብ መሬት ካናዳ ዝተፈጸመ ግብረ-ሽበራ ስለዝኾነ በዚ መገዲ ክዳነይ ኣለዎ” ክብል ሓቲቱ።

ኣብታ ከተማ በዓል ሞያ ሕግን ተወካሊ ሙስሊም ማሕበረሰብን ዝኾነ ናዋዝ ጣሂር ድማ “እዞም ሰባት ሙስሊም ብምዃኖም ጥራይ ዝተቐተሉ ንጹሃን ሰባት’ዮም። ኣንጻር ዘይምኽንያታዊ ፍርሒ ኣመንቲ ምስልምና [እስላሞፎቢያ] ብጽኑዕ ክንቃለስ ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ሓደ ካናዳዊ ኣብ እስላማዊ ማእኸል ባህሊ ኲቤክ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፤ ን6 ኣመንቲ ተኲሱ ክቐትል ከሎ ካልኦት 5 ብኸቢድ ከምዘቑሰለ ይዝከር። ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ድማ ተፈሪድዎ ።

ኣብ 2018 ከኣ ሓደ ውልቀሰብ መኪና እናዘወረ ናብ ማእኸል መገዲ ብምእታው ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ቀቲሉ ነይሩ።