ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ዝነበረ መራሒ ሃይማኖት፡ ቲቢ ጆሽዋ መን እዩ?

ቲቢ ጆሽዋ ኣብ ጸሎት

ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ቴምቲዮፔ ባሎጎን ጆሽዋ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።

እቲ ኪንዮ ናይጀርያ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ፍሉጥ ናይ ወንጌላውያን ሃይማኖት ሰባኺ፡ ቀዳም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣካዪዱ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ምዕራፉ ተገሊጹ።

ሞት እቲ ሰባኺ ኣብ ናቱ ገጽ ፌስቡክ "ኣምላኽ ንኣገልጋሊኡ ቲቢ ጆሽዋ ናብ ቤቱ ወሲድዎ" ብዝብል ሓጺር መልእኽቲ እዩ ንዓለም ተነጊሩ።

line

ቴምቲዮፔ ባሎጎን ጆሽዋ ወይ ቲቢ ጆሽዋ ብዝብል ዝጽዋዕ እቲ ሰባኺ ብዙሕ ተኣምራት ከም ዝገበረ ይዛረብ።

ካብ ንዓይነስውራን ክርእዩ ምግባር ክሳብ ካብ ኤችኣይቪ ምፍዋስ ዝኣክል ተኣምራት ከም ዝገብር ይንገረሉ።

ቲቢ ጆሽዋ ኣዝዩ ሃብታምን ብዙሕ ጽልዋ ዝነበሮን ኮይኑ ኣብ 57 ዓመቱ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

መጽሔት ፎርብስ ኣብ 2011 ኣብ ዘውጽኦ ሕታሙ፡ መጠን ሃብቲ ጆሽዋ ካብ 10 ክሳዕ 15 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ግምቱ ኣስፊሩ።

ንምዃኑ ቲቢ ጆሽዋ መን እዩ?

'ነብይ' ጆሽዋ ኣብ 1963 እዩ ተወሊዱ። ትሑት መነባብሮ ካብ ዝነበሮም ስድራ ዝተወለደ ጆሽዋ፡ ቅድሚ ምውላዱ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ን15 ኣዋርሕ ምጽንሑ ይዛረብ።

ጆሽዋ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ ነቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከም ዝጀመሮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ስብከታቱ ክገልጽ እንከሎ፡ 'ሲኖጎግ ቸርች ኦፍ ኦል ኔሽንስ' ዝተሰመየ ዓቢይ ቤተ ክርስትያን መስሪቱ።

ኣብታ ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየት ከተማ ዝኾነት ሌጎስ ዝርከብ ቤተ ክርስትያኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ሰሙናዊ መደባት እታ ቤተክርስትያን ይሳተፉ። 'ተኣምራት' ንምርኣይን ንኻልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎታትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብኡ ዝውሕዙ'ውን ብዙሓት እዮም።

ኣብ ባይታ ዝደቀሰ ሰብኣይ
መግለጺ ስእሊ, ጆሸዋ አገልግሎት ኣብ ዝህበሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ሃለዋቶም ብምጥፋእ ናብ መሬት ክወድቁ ይረኣዩ

ተኣምራታዊ ማይ ጆሽዋ

ጆሽዋ ሰባት ካብቲ ሓደገኛ ሕማም ኢቦላ ክፍውስ ዝኽእል ማይ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምልኣኹ ተነጊሩ ነይሩ። ጆሽዋ ነቲ ፍሉይ ማይ፡ ተጠቀምቲ "ምሕረት ክረኽቡ፡ ክባረኹ፡ ዕውታት ክኾኑን ክብልጽጉን ከም ዘኽእል" ይዛረብ ነይሩ።

ነቲ 'ፍሉይ ማይ' ንምርካብ ብዝግበር ምጽቕቓጥ ህይወቶም ዝሰኣኑ'ውን ነይሮም። ኣብ 2013 ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ፡ ነቲ ማይ ንምርካብ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ እዩ።

ትንቢት

ቲቢ ጆሽዋ ብዝህቦ ትንቢት ኣብ ሰዓብቱ ልዑል ተፈላጥነት ኣትሪፉ እዩ። ብደረጃ ዓለም ኣዘራረብቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ርእይቶኡ ብምሃብ ድማ ፍሉጥ እዩ።

ሞት ፍሉጥ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ማይክል ጃክሰን ከምኡ'ውን ኩነታት ናይታ ኣበይ ከም ዝኣተወት ከይተፈለጠ ንነዊሕ ግዘ ዝጸንሐት ነፋሪት ማሌዥያ ኣመልኪቱ ጆሽዋ ኣቐዲሙ ተነቢዩ ምንባሩ ይንገረሉ።

ንማይክል ጃክሰን ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ተፈላጥነት ዝረኸበ እዩ። ኣብ ኩሉ ስፍራ ፍሉጥ እዩ። ኣዝዩ ፍሉጥ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኮኾብ ዝኾነ ሰብ ገለ ነገር ከጋጥም ከም ዝጅምር ይረኣየኒ። እዚ ድማ ንድሕሪት መምለሲ ናብ ዘይብሉ መገዲ ከምርሕ ይረኣየኒ። እዚ መኣስ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን" ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሞት ማይክል ጃክሰን ምስ ተሰምዐ፡ ቲቢ ጆሽዋ እቲ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ማይክል ጃክሰን ምንባሩ ሓቢሩ።

ነቐፍቲ ቲቢ ጆሽዋ ግና እቶም ትንቢታት ንጹራት ከም ዘይኮኑን፡ ንዝደለኻዮ ዕላማ ብቐሊሉ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ተጌሮም ዝንገሩ እዮም ይብሉ።

ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ጸሎት እናገበራ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ሰሙናዊ ኣገልግሎታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሳተፉ

ፈነወ ቴለቪዥን

ቲቢ ጆሽዋ ዝመስረቶ ቤተ ክርስትያን፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዘለዎ 'ኢማኑኤል ቲቪ' ዝተሰመየ መደበር ቴለቪዥን ኣለዎ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ዩትዩብ ቻነልን ናይ ፌስቡክ ገጽን'ውን ኣለዎ።

ነዚኦም ሜላታት መራኸቢ ብምጥቃም፡ ቲቢ ጆሽዋ ስብከታቱ፡ ዝገብሮም ተኣምራታትን ምስክርነታትን የመሓላልፍ። በዚ ድማ መራሕቲ ሃገራት ነበርን ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰዓብቲ ከጥርይ ክኢሉ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፖለቲከኛ ጁልየስ ማሌማ፡ ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ጀይስ ባንዳን ፕረዚደንት ጋና ዝነበረ ጆን ኣታ ሚልስን ኣብ ናይ ቲቢ ጆሽዋ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝተረኽቡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት እዮም።

ንጥፈታት ግብረ ሰናይ

ሰዓብቱ ብነቢይ ዝጽውዕዎ ቲቢ ጆሽዋ፡ ብንጥፈታት ግብረ ሰናይ'ውን ተፈላጥነት ኣጥርዩ እዩ። በቲ ዝገብሮ ናይ ረድኤት ስራሓት ካብ ዝቐደመ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ዝለዓለ ሽልማት እታ ሃገር ምዃኑ ዝተገለጸ 'ሽልማት ፌደራል ሪፓብሊክ' ተዋሂቡ እዩ።

ካብ መንጎ ፕሮጀክትታት ግብረ ሰናይ ቲቢ ጆሽዋ 'ማይ ፒፕል ኤፍሲ' ዝተሰምየ ኣካዳሚ ኩዕሶ እግሪ ሓደ እዩ። እቲ ኣካዳሚ ኣብ መድረኻት ኣውሮጳ ዝሳተፉ ናይጀርያውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ከፍርይ ክኢሉ እዩ።

ምእጋድ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ትካል ዩትዩብ፡ ቲቢ ጆሽዋ ምስ ዘረባ ጽልኣት ብዝተኣሳሰር ቅረታ ቀሪብሉ ብምባል ነቲ ናይ ዩትዩብ ቻነሉ ክእግዶ እንከሎ፤ ፌስቡክ ብወገን ንሓደ ቪድዮ ካብ ገጽ እቲ ሰባኺ ደምሲሱ።

ነቲ ቅረታ ዘቕረበ ሓደ ማሕበር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፡ ጆሽዋ ኣብ ሸውዓተ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ናይ ፈውሲ ጸሎት ምግባሩ ይገልጽ።

ፌስቡክ ብወገኑ ንቪድዮ እቲ ሰባኺ ዝኣለየሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ቲቢ ጆሽዋ ኣብቲ ቪድዮ "ርኹስ መንፈስ" ንምውጻእ ብዝብል ንሓንቲ ሰበይቲ ክጸፍዓ ከም ዘርእይ ሓቢሩ።

ጆሽዋ ብወገኑ ንውሳነ ዩትዩብ ብምቅዋም ቅረትኡ ኣስሚዑ። ንሱ ብመገዲ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ምስ ዩትዩብ ንነዊሕ ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይሩና። ሕጂ'ውን ሓሊፉ ዘሎ ውሳነ ብታሕዋኽ እዩ" ይብል።

ካብቶም ቅረታ ዝቐረበሎም ቪድዮታት እቲ ሓደ ኣብ 2018 ዝተጽዓነ ኮይኑ፡ ቲቢ ጆሽዋ ንሓንቲ ስማ ዘይተጠቐሰት ሰበይቲ 16 ግዜ ክጸፍዓን "ዝርብሸኪ መንፈስ ኣብ ውሽጥኺ ኣትዩ ኣሎ። ናይ ሰበይቲ መንፈስ እዩ" ክብላ ይስማዕ።

ኣብቲ እቲ ገጽ ቅድሚ ምዕጻው 1.5 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ቪድዮ፡ እታ ሰበይቲ ጸኒሓ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ "ናይ ሰበይቲ መንፈስ" ህይወታ ከም ዘበላሸዎን እቲ ሰባኺ ምስ ጸለየላ ከም ዝተፈወሰትን ክትዛረብ የርእይ።

ንሳ ወሲኻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ "ፍትወት" ከም ዝጠፍአን "ሕጂ ናይ ሰብኡት ፍትወት ከም ዝሓደራን" ትዛረብ።

እቲ ናይ ዩትዩብ ቻነል 1.8 ሚልዮን ተኸታተልቲ ነይርዎ።