ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ 'ንምፍዋስ' ጸሎት ብምግባሩ ኣብ ዩትዩብ ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ንኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ 'ንምፍዋስ' ጸሎት ብምግባሩ ኣብ ዩትዩብ ተኣጊዱ
ትካል ዩትዩብ ምስ ዘረባ ጽልኢ ብዝተኣሳሰር ንገጽ ናይቲ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ሰባኺ ቲቢ ጆሽዋ ከም ዝኣገደ ተገሊጹ።
እቲ ሰባኺ ተመሳሳሊ ጾታ ንዘፍቅሩ ሰባት ክፍወሱ እናጸለየ ዘርእይ ከባቢ ሸውዓተ ዝኸውን ቪድዮታት ኣብቲ ገጽ ድሕሪ ምርካቡ ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ጥርዓን ከም ዘቕረበ ተፈሊጡ።
ፌስቡክ'ውን ብውሕዱ ሓደ ዘቖጥዕ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቪድዮ ከም ዝኣለየ ተፈሊጡ። ኣብቲ ቪድዮ ጀሽዋ ንሓንቲ ሰበይቲ ካብ "ርኹስ መንፈስ" ክትናገፍ እናጸለየላ ክጽፍኣ እንከሎ ዘርእይ እዩ ነይሩ።
እቲ ሰባኺ ኣንጻር ውሳነ ዩትዩብ ጥርዓን ከእትው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ዩትዩብ ቻነል እቲ ፍሉጥ ሰባኺ 1.8 ሚልዮን ሳብስክራይበርስ ነይርዎ።
ቲቢ ጆሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ጸለውቲ ዝበሃሉ ወንጌላውያን ኮይኑ ካብ መንጎ ሰዓብቱ ላዕለዎት ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታት ይርከብዎም።
እቲ ገጽ ንምንታይ'ዩ ተዓጽዩ?
ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ 'ኦፐን ደሞክራሲ' ዝተባህለ ማሕበር ካብ 2016 ክሳዕ 2020 ነቲ ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ቲቢ ጆሽዋ ሚኒስትሪይስ' ዝተጻዕነ፡ እቲ ሰባኺ፡ "ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ" ንዝኾኑ ሰባት ክፍወሱ ጸሎት እናገበረ ዘርእዩ ቪድዮታት ድሕሪ ምፍታሽ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ሓደ ኣፈኛ ዩትዩብ ንኦፐን ደሞክራሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፖሊሲ ዩትዩብ "ንኻልእ ሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ሕሙም ከም ዝኾነ፡ ወይ'ውን ኣባል ገለ ጉጅለ (ኣፍቀርቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዝርከወዎም) ብምዃኑ ደረጅኡ ዝተሓተ ምዃኑ ዝነግር ትሕዝቶ ኣየፍቅድን እዩ" ብምባል እቲ ገጽ ከምዝተኣገደ ነጊሩ።
ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ 'ቲቢ ጆሽዋ ሚኒስትሪይስ' ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ "ምስ ዩትዩብ ንነዊሕ ዝጸንሐን ውጽኢታውን ዝምድና እዩ ጸኒሑና፤ እዚ ውሳነ ብታህዋኽ ዝሓለፈ ምዃኑ እኣምን" ይብል።
እቲ ቪድዮ እንታይ እዩ ዘርእይ?
እቲ ቪድዮ ፈለማ ኣብ 2018 ዝተጽዓነ ኮይኑ፡ ቲቢ ጆሽዋ ኦኮየ ንዝተባህለት ሰበይትን ካልኣይታን 16 ግዜ ክጸፍዓን "ዝርብሸኪ መንፈስ ኣብ ውሽጥኺ ኣትዩ ኣሎ። ናይ ሰበይቲ መንፈስ እዩ" ከም ዝብላ 'ኦፐን ደሞክራሲ' ይነግር።
ኣብቲ እቲ ገጽ ቅድሚ ምዕጻው 1.5 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ቪድዮ፡ እታ ሰበይቲ ጸኒሓ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ "ናይ ሰበይቲ መንፈስ" ህይወታ ከም ዘበላሸዎን እቲ ሰባኺ ምስ ጸለየላ ከም ዝተፈወሰትን ክትዛረብ የርእይ።
ንሳ ወሲኻ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበራ "ፍትወት" ከም ዝጠፍአን "ሕጂ ናይ ሰብኡት ፍትወት ከም ዝሓደራን" ትዛረብ።
ቲቢ ጀሽዋ መን እዩ?
መስራቲ 'ሲናጎግ፡ ቤተክርስትያን ናይ ኩሎም ህዝብታት' ዝኾነ ቲቢ ጀሽዋ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይጀርያ ፍሉጣት ብቴለቪዥን ዝሰብኹ ወንጌላውያን ኮይኑ ዘይከም እቶም ካልኦት ምርኡይ ኣይኮነን።
ኣብቲ ዝዓበየት ከተማ ሌጎስ ናይጀርያ ዝርከብ ሰሙናዊ ኣገልግሎቱ ብኣሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሳተፉ።
ኣብቲ ናቱ ኣገልግሎት ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝርከቦም ኩሉ ዓይነት ሕማማት ከም ዝፍወስ ስለዝንገር ሰባት ካብ ዙርያ ዓለም ናብኡ ይውሕዙ።
ሰዓብቱ "ነቢይ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ጆሽዋ 'ኢማኑዌል ቲቪ' ዝበሃል ናቱ መደበር ቴለቪዥን ክህልዎ እንከሎ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፤ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ደቡባዊ ኣመሪካን ብተደጋጋሚ ይንቀሳቐስ።
ኣብ 2014 ሓደ ካብ ህንጻታት እቲ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝርከብዎም 116 ሰባት ሞይቶም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







