ኣብያተ ክርስትያን ጸለምቲ ዘቃጸለ ድምፃዊ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, @LAFIREMARSHAL
ጻዕዳ ድምፃዊ ሆልደን ማቲውስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሉዘኒያ ብጸለምቲ ዝውነና ሰለስተ ታሪኻውያን ኣብያተ ክርስትያን ብምቅጻል፡ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ 25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
'ሄቪ ሜታል' ብዝብል ዝፍለጥ ቅዲ ሙዚቃ ዝጻወት ወዲ 23 ዓመት ማቲውስ፡ 2.7 ሚልዮን ዳላር ክኸፍል'ውን ተበይንዎ'ሎ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ዝወፈረሉ ዓውዲ ሙዚቃ ዝንኡ ንምብራኽ ብዝብል፡ ነተን ኣብያተ ክርስትያን ከምዘቃጸለ ተዛሪቡ።
ተግባር ማቲውስ ዓሌታዊ ጽልኣት ዘንቀሎ ከምዘይኮነ ዝሓበረ ዳኛ፡ እንተኾነ ነቲ "ኣብ ታሪኽ ዝሓለፈ ጸሊም እዋን" ንዝነበረ ሕማቕ ተዘክሮታት ከምዘዘኻኽር ገሊጹ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ንልዕልና ጸለምቲ ዝኣምኑ ኣሜሪካውያን፡ ብጸለምቲ ንዝውነና ኣብያተ ክርስትያን የቃጽሉ ነይሮም።
ማቲው ካብ 26 መጋቢት ክሳብ 4 መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን'ዩ፡ ነተን ኣብያተ ክርስትያን ዘቃጸለን።
ወዲ ምኽትል ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝኾነ ማቲው፡ ነተን ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዘቃጸለሉ እዋን ስእልን ቪድዮን ኣብ ፌስቡክ ከምዝዘርግሐ ኣሚኑ'ዩ።
ነቲ ተግባር ምቅጻል ኣብያተ ክርስትያን ብምሸት ስለዝፈጸሞ ግን፡ በቲ ባርዕ ዋላ ሓደ ዝተጎድአ ሰብ ኣይነበረን።
ንሱ ነቲ ተግባር ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣባል ጉጅለ ሙዚቃ (ባንድ) ቮድካ ቮቸር ነይሩ።
ነዚ ገበን ዘልዓዓሎ ኩነታት ከኣ እቲ ብ1990ታት ኣብ ኖርወይ ብኣፍቀርቲ 'ብላክ ሜታል' ቅዲ ሙዚቃ ዝተፈጸመ ምቅጻል ኣብያተ ክርስትያን ከምዝኾነ፡ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ብውሑድ 50 ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተቓጸላ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







