ጋናዊ ሰባኺ፡ ሞት ኢማም ብምትንባዩ ቤተኽስያኑ ተጠቒዑ

ፓስተር ኦውሱ መምፓ

ምንጪ ስእሊ, Glorious Word Power Ministries/Facebook

ኣብ ጋና ሓደ ሰባኺ፡ ኣብ 2019 እቲ ዋና ኢማም ናይቲ ሃገር ክመውት ኢዩ ኢሉ ብምትንባዩ ዝሓረቑ መንእሰያት ሰዓብኢ ኣስላም ነታ ቤት ክርስትያን ኣጥቂዖም።

እቶም መንእሰያት፡ ሞት ናይቲ ኢማም ዝተነበየ ካህን ኢሳቕ ኦዉሱ-ቤምፋ ቤት ክርስትያን ጠኒኖም ብምእታው ነቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኦርጋን፡ መሳኹትን መናብርን የዕንዮሞ።

ኢማም ኑሁ ሻራቡቱ ግና ነቲ እቶም መንእሰያት ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

እቲ ንባዕሉ ነቢይ ኢሉ ዝጽውዕ ሰባኺ፡ብዙሓት ሰዓብቲ ክህልውዎ ከለው፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣገደስቲ ፍጻሜታትን ሞት ናይ ገለ ፍሉጣት ሰባትን ክትንብይ ጸኒሑ።

ኣብ 2016፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ናይጀርያዊ ሰባኺ፡ ቲ ቢ ጆሽዋ፡ ኣብ 2016 ኣስተምህሮ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ ሂለሪ ክሊንተን ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንመወዳድርታ ዶናልድ ትራምፕ ክትስዕሮ ኢያ ኢሉ ተነቢዩ ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ምስተዓወተ፡ ገለ ነቐፍቲ ኣባጭዮምሉ። ድሕሪ ምዕዋት ትራምፕ ድማ እቲ ኣብ ፌስቡክ ተዘርጊሑ ዝነበረ ትንቢት ተደምሲሱ።

ካህን ኢሳቕ ኦዉሱ-ቤምፓ፡ ብ31 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ 19 ዝተፈላለዩ ትንቢታት ሂቡ፡ እንተላይ ሞት ናይ ኢማም ሻራቡቱ ወይ ድማ ሞት ናይቲ ኣማኒ ምስልምና ዝኾነ ምክትል ፕረዚደንት ጋና ማህሙዱ ባዉሚያ ተነቢዩ።

ገለ ኣስላም መንእሰያት፡ እቲ ሰባኺ ንኢማም ሻራቡቱ ይቕሬታ ክሓትት ሓቲቶሞ፡ ንሱ ግና ኣይገበሮን።

ዝበዝሐ ህዝቢ ጋና ሃይማኖታውያን ኢዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'`ነቲ ካህን ይቕረ በሉ`

ብሮቡዕ፡ እቶም ጎዞሞ ዝዓጠቑ መንእሰያት ናብቲ ናይቲ ሰባኺ፡ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ዘውረድዎ ዕንወት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ፌስቡኮም ጠቂዖሞ።

ድሕር`ዚ ፍጻመ፡ ኢማም ሻራቡቱ እቶም መንእሰያት ክሃድኡ ድሕሪ ምጽዋዕ ድማ ነቲ ሞቶም ዝተነበየ ኣብ ጋና ፍሉጥ ሰባኺ ይቕረ ክብልሉ ተማሕጺኖምዎም።

ጋና ዝበዝሑ ኣመንቲ ክርስትና እንተኾኑ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ግና ሃይማኖታዊ ግጭት ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ድሕሪ`ቲ ናይቶም መንእሰያት መጥቃዕቲ፡ `` ኣመንቲ ክርስትና ሓያላት ንኹን፡ ነዛ ቤተ ክርስትያን ድማ ንጸልየላ`` ኢሎም።

ኣምለኽቲ ንሓዲሽ ዓመት ብጸሎት ክቕበልዎ እንከለው

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስለምንታይ ኢዮም ሰበኽቲ ዝትንበዩ?

ኣብ ጋና፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ፡ ኣብያተ ክርስትያንናት ትካላት ንግዲ ኢየን ተቐይረን። ሓደ ካብቲ እቶም ሰበኽቲ ብዙሓት ኣመንቲ ኣብቲ ኣብያተ ክርስትያናቶም ክመጹ ዝጥቀምሉ ሜላ ድማ ብዛዕባ ምጾታት ዓለም ብምትንባይ ኢዩ።

ዋላ`ኳ እዞም ሰበኽቲ ብገለ ጋናውያን ይንቀፉ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ዘይተማህሩ ሰዓብቲ ግና ኣለውዎም።

ገለ ፖለቲከኛታት፡ ናይ ፊልም ተዋሳእትን ነጋዶን ``ንመንፈሳዊ ሓለዋ`` ወይ`ውን ጸግኦም ክብዝሑሎም ናብዞም ካህናት ይኸዱ ኢዮም።

እንተድኣ እቲ ዝተነበይዎ ሞት ዘይተፈጸመ ድማ በቲ ዘካየድዎ ጸሎት እቲ ሰብ ካብ ሞት ከምዝደሓነ ይዛረቡ።

ዋላ`ኳ ኩሉ ዝገበርዎ ትንበያ ሓሶት እንተኾነ፡ ማዕከናት ዜና ዓቢ ሸፈነ ስለዝህብኦም ተፈላጥነቶም ይዓቢ ኣሎ።