ምትእኽኻብ ሃገራት ጉጅለ-7 ንምንታይ ዕላማ ዝቖመ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 11-13 ሰነ፡ ኣብ ኮርንዌል ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት G-7 ጉጅለ ሸውዓተ ከተአንግድ ትዳሎ ኣላ።
ንምዃኑ፡ ጉጅለ -7 እንታይ እዩ? ስለምንታይ እዩ ቆይሙ? እቲ ዋዕላ'ኸ እንታይ ትርጕም ክህልዎ'ዩ ?
G-7 እንታይ እዩ?
G-7 (ጉጅለ ሸውዓተ) እተን ኣብ ዓለም ምዕቡል ቊጠባ ኣለወን ዝበሃላ ከም ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር እዩ።
እቲ ጕጅለ፡ ሃገራቱ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዘመሓድርን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን "ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት" ገይሩ እዩ ዝርኢ ንነብሱ። ዝተረፋ ሃገራት ዓለም ከኣ እቲ ጉጅለ ዘኽብሮን ዘተግብሮን ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከኽብራን ኣሰሩ ክኽተላን ከም ኣብነት ይቐርብ።
ሩስያ ብ1998 ሻምነይቲ ኣባል እቲ ማሕበር ኮይና ቀሪባ እኳ እንተነበረት ኣብ 2014 ንክረምያ ብሓይሊ ስለዝሓዘታ ካብቲ ማሕበር ተኣልያ።
ቻይና ዓቢ ቊጠባን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ብዝሒ ህዝብን እኳ እንተለዋ፡ ኣባል እቲ ጕጅለ ኰይና ኣይትፈልጥን እያ። ምስዘን ዜጋታት ጉጅለ ሸውዓተ ብምንጽጻር፡ ሓደ ውልቀ ዜጋ ቻይና ዘለዎ ኣታዊ ብተዛማዲ ትሑት ስለ ዝኾነ ምዕቡል ቁጠባ ከም ዘለዋ ሃገር ኣይትረአን እያ።
መብዛሕትኡ ግዜ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብቲ ዝርርብ ይካፈሉ እዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ከኣ፡ ህንዲ፡ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራልያን ከም ተዓዘብቲ ንክሳተፋ ተዓዲመን ኣለዋ ።
ሓደ ሓደ ሓቅታት ብዛዕባ G7 ኣገዳሲ
እዘን ናይ ሕጂ ናይ ሸውዓተ ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ምትእኽኻብ፡ ኣብ 1975 ብሽዱሽተ ኣባላት እዩ ጀሚሩ። እቲ ማሕበር 40% ናይ ጠቕላላ ዓለማዊ ጃምላዊ እቶት ይውንን። ሓደ ዕስሪት ናይ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ከኣ ይሓቁፍ። ኣብ 2014 ሩስያ ንክረምያ ብሓይሊ ብምሓዛ ካብ መበል ሻምነይቲ ብቑጠባ ዝማዕበለት ሃገር ካብቲ ማሕበር ተሰሪዛ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
G7 እንታይ እዮም ዝገብሩ?
ዓመት ምሉእ፡ ምኒስተራትን ሰበ ስልጣናትን ኣባል ሃገራት ኣኼባታት ብምክያድ ውዕላት ይተኽሉን፡ ንዓለምለኻዊ ፍጻመታት ዝምልከት ሓባራዊ መግለጺታት የውጽኡን እዮም ። ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ከኣ እቶም መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ዓመት ብዛዕባ ዝነበረ ዓበይቲ ጕዳያትን ፍጻሜታትን ብቐረባ ይዛረቡሉን ይረዳድኡን።
እቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ እታ ዓመታዊ መሪሕነት እትወስድ ሃገር እያ ትውስኖ። ለብዘበን 2021 ነቲ ማሕበር ዓባይ ብሪጣንያ ትመርሖ ስለዘላ፡ ናይዚ ዓመት ኣኼባ ጉጅለ-ሸውዓተ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ካርቢስ በይ ኮርንዎል ከምዝካየድ ኣፍሊጣ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ማሕበር ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክእንገድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ኣይተኻየደን። እቲ ጕጅለ ካብ 1975 ኣትሒዙ ካብ ዝእከብ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ዓሚ ከይተኣከበ አሕሊፍዎ።
ኣብ ጉባኤ ለብዘበን እንታይ ከጋጥም እዩ?
እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዝርርብ ናይ ለብዘበን ሕውየት ኮቪድን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ኣቐዲምካ ምድላውን ክኸውን እዩ ።
ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ኣጀንዳ ክሊማዊ ለውጥን ንግድን ከተካትት እያ።
መብዛሕትኡ እቲ ዝርርባት ኣብ ዕጹው ማዕጾ እዩ ካካየድ። ይኹን እምበር ስእሊ ናይቶም መራሕቲ ንምስናድ ንእተወሰነ ግዜ ብካሜራ ዝቕረጽ ዝርርብ ክግበር እዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዋዕላ፡ እታ ኣአንጋዲት ሃገር፡ ሓባራዊ ሰነድ ክትዝርግሕ እያ። እቲ ሰነድ ከኣ እቶም መራሕቲ ኣብ ምንታይ ዛዕባን ነጥብታትን ከምዝተሰማምዑን ዝገልጽ እዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከኣ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክፍጽም እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን እውን ሰንበት ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተቓውሞታትን ዝያዳ ፖሊስን ክህሉ ድዩ?
ብምኽንያት ቀይድታት ኮቪድ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ሰላማዊ ሰልፍን ህላዌ ፖሊስን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ።
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 1500 ናይ ደቮንን ኮርንወል ፖሊስ ንልዕሊ 5,000 ዝዀኑ ካብ ዲቮንን ኮርንዎል ዝመጽኡ ነቲ ዋዕላ ንምቍጽጻር ዝሕግዙ ፖሊስን ሓለፍትን መደቀሲ እትኸውን ዓባይ ናይ መዛወሪ ክሩዝ መርከብ ተኻርዮም ኣለው።
ሰልፈኛታት ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈቕደ ናይ ተቓውሞ ቦታታት ክእከቡ ከም ዝኽእሉ ተነጊርዎም ኣሎ። ሓደ ካብኡ ከኣ ልዕሊ 100 ማይል ኣብ ዝርሕቀቱ ዝርከብ ኤክስተር ዝተባህለ ቦታ እዩ ።
ፖሊስ እቶም ሰልፈኛታት ኣብተን ዝተጠቕሳን ዝተፈቕዳን ኣርባዕተ ቦታታት ጥራይ ክሕጸሩ እዮም ዝብል እምነት የብሎምን።
ተቓወምቲ ዓለማዊ ኪሊማዊ ዋዒ ዝኾኑ ዘይጸዓዱ ጉጅለ፡ ኣብቲ ኣብ ኮርንዎል ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ቦታ ኣስታት 1,000 ሰባት ክእከቡ ትጽቢት ይገብሩ። ድሮ ንዝፈጥሩዎ ዕግርግር ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ይቕረታ ሓቲቶም ኣለው።
እቲ ኣብ ኮርንዌል ዝካየድ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?
መራሕቲ ኮርንዌል እቲ ኣብቲ ቦታ ዝካየድ ዋዕላ ነቲ ብኮቪድ ዝተጎድአ ቁጠባ ቱሪዝም ከበራብሮ ተስፋ ይገብሩ ።
እዚ ዞባ እዚ፡ መንግስቲ ከም ማእከላይ ጽላት ሓምላይ ቴክኖሎጂ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝርእዮ ።
እቲ ፖሊስ ተቓውሞ ንምግታእን ንጸጥታን ክብሉ ዝዓጽውዎ መገዲ ንመዓልታዊ ህይወት ደቀባትን ንበጻሕትን ክጸልዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጉጅለ ሸውዓተ ዝኾነ ሓይሊ ኣለዎ'ዶ?
ብበይኖም ህዝብታት ዝቖመ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ዘለዎ ማሕበር ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሕጊ ከመሓላልፍ ኣይክእልን'ዩ ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ዘሕልፎ ውሳነታት ዓለምለኻዊ ጽልዋን ሳዕቤንን ክህልዎ ይኽእል እዩ ።
ንኣብነት፡ ብ2002፡ እዚ ጉጅለ ሸውዓተ ንዓሶን አይድስን ንምቅላስ ዓለምለኻዊ ማዕከን ረድኤት ኣብ ምምስራት ወሳኒ ግደ ነይርዎ ። እቲ ማዕከን ገንዘብ ካብ ዝፍጠር ከኣ ንህይወት 38 ሚልዮን ሰባት ከም ዘድሓነ ይገልጽ ።
እዚ ጉጅለ ሸውዓተ፡ ንኽልተ ካብተን ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ንህንድን ቻይናን ስለ ዘየጠቓልል ብቐጻሊ ይንቀፍ እዩ። ኣብ 2020 ፕረዚደንት ትራምፕ፡ "ኣዝዩ ግዜ ዝሓለፎ ጕጅለ ሃገራት" ክብል ነቒፉዎ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







