ፈረንሳ፡ ሃብታማት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ምስ ድኻታት ሃገራት ክካፈላ ጻውዒት ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክሳብ 5% ሚእታዊት መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ንድኻታት ሃገራት ብህጹጽ ክለኣኽ ጸዊዑ።
ንሱ፡ ንጋዜጣ ፋይናንሽያል ታየምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክታበት ብርትዓዊ መገዲ እንተዘይተመቓሪሑ ዓለምለኻዊ ዘይምዕሩይነት ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ማክሮን፡ ነቲ ጉዳይ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ G-7 ማለት ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ከልዕሎ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን'ውን፡ ንዓለምለኻዊ ክታበት ዝውዕል ኣስታት ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ክእውጅ ምዃኑ ቤት-ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ሃገሩ ብዛዕባ ምምቕራሕ እቲ ክታበት ኣመልኪታ መግለጺ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዓለም፡ ዛጊት 110 ሚልዮን ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተለኾፎም ኣለው። ካብዚኦም 2.4 ሚልዮን ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም'ዮም።
ማክሮን ካልእ እንታይ ኢሉ
ፕረዚደንት ማክሮን፡ ''ኣብ ሓደ እዋን ቢልዮናት ክታበት ኣይኮናን ንጠልብ ዘለና፡ ግን ካብ 4-5 ሚእታዊት ክታበት ኮሮናቫይረስ ምስ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት እጃምና ከነበርክት ኣለና'' ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ናቱ ተበግሶ ብናይ ጀርመን ቻንሰለር ኣንግላ ማርከል ከምዝተደገፈን፡ መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ነቲ ተበግሶ ክድግፎ ተስፋ ከምዘለዎን ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ናይ ዘይምዕሩይነት ዝርጋሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኰኒንዎ።
ንሱ፡ 10 ሃገራት ጥራይ ነቲ 75 ካብ ሚእቲ ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘድልሊ ክታበት የመሓድራ ከም ዘለዋን 130 ሃገራት ዛጊት እንኮ ክታበት ከም ዘይበጽሐንን ተዛሪቡ።
ሃብታማት ሃገራት ነቲ ኣብ ዓለም ዝፈሪ ዘሎ ክታበት ብዋጋ ድኻታት ሃገራት ዓቚረንኦ ከምዘለዋ ይኽሰሳ።
ሃገራት ብሪጣንያን ካናዳን፡ ንህዝበን ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ክኸተብ ዝኽእል ክታበት ኣዚዘን ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ክኢላታት ጥዕና ከምዝሕብርዎ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብግቡእ እንተዘይተመቓሪሑ፡ ምቑጽጻር እቲ ለበዳ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







