ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ተወዳደርቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይተዓወታሉ ባይቶኣዊ መረጻ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብታ ሃገር ምዃና ባዕላ ዝኣወጀት ሪፓብሊካዊት ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ዝለዓለ መንበራት ባይቶ ተዓዊቶም።
እቲ ፓርላመንታዊ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተኻይዱ።
ሃገራዊ ሰልፊ ሶማሊላንድ (ዋዳኒ) 31 መንበራት ክረክብ ከሎ ‘ጀስቲስ ኤን ዌልፌር’ (ፍትሒን ድሕነትን) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሰልፊ ድማ 21 መንበራት ከምዝተዓወተ ኮሚሽን መረጻ ኣፍሊጡ።
ንሶማሊላንድ ዝመርሕ ሰልፊ ኩለሚየ ድማ ካብቶም 82 መናብር ነቶም 30 ኣውሒሱ’ሎ።
እቶም ተቓወምቲ ክዕወቱ ምኽኣሎም “ንሰልፊ ኩልሚየ ዓብዪ ስዕረት’ዩ፤ ምኽንያቱ ንመንበር ኣፈጉባኤን ካልኦት ፓርላመንታዊ መሪሕነትን ክስእን ስለዝገብሮ” ይብል ብኦንላይን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መርበብ ዜና ጋሮዌ።
ኣብቲ መረጻ ዝተሳተፋ ደቂኣንስትዮ ክዕወታ ብዘይምኽኣለን ግን ኣብቲ ባይቶ ዋላ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኣይክትህልውን።
ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ናጽነታ ካብ እትውጅ ክሳብ ሎሚ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይተወሃባን።
እንተኾነ ግን ካብ ብሪጣንያን ስዊድንን ዝርከብአን ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝተፈላለየ ሓገዛት ከምትረክብ ይግለጽ።
ኣብ 2020 ምስታ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እትርከብ ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራታ ድማ ዓለም ዘዛረበን ንቻይና ባህ ዘየበለን ፍጻመ እዩ ነይሩ።
![መሓመድ ሃጊ [የማን] ወኪል ሶማሊላንድ ኣብ ታይዋን ምስ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ው](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/597E/production/_118001922_gettyimages-1228412093.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኬንያ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምጅማራ'ውን ነቲ ኣብ ርእሰከተማ መቓዱሾ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘቖጠዐ ኮይኑ'ሎ።
ሶማልያን ኬንያን፡ ብሰንኪ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘለወን ናይ ማያዊ ዶብ ምስሕሓብ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምብታኽ ዝበጽሐ ምትፍናን ጸኒሑወን እዩ።
ሶማሊላንድ: ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዕውታት ዝበሃሉ መረጻታት እናካየደት ምምጽኣ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







