ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ተወዳደርቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይተዓወታሉ ባይቶኣዊ መረጻ

ኣብታ ሃገር ምዃና ባዕላ ዝኣወጀት ሪፓብሊካዊት ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ክልተ ተቓወምቲ ውድባት ዝለዓለ መንበራት ባይቶ ተዓዊቶም።

እቲ ፓርላመንታዊ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተኻይዱ።

ሃገራዊ ሰልፊ ሶማሊላንድ (ዋዳኒ) 31 መንበራት ክረክብ ከሎ ‘ጀስቲስ ኤን ዌልፌር’ (ፍትሒን ድሕነትን) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሰልፊ ድማ 21 መንበራት ከምዝተዓወተ ኮሚሽን መረጻ ኣፍሊጡ።

ንሶማሊላንድ ዝመርሕ ሰልፊ ኩለሚየ ድማ ካብቶም 82 መናብር ነቶም 30 ኣውሒሱ’ሎ።

እቶም ተቓወምቲ ክዕወቱ ምኽኣሎም “ንሰልፊ ኩልሚየ ዓብዪ ስዕረት’ዩ፤ ምኽንያቱ ንመንበር ኣፈጉባኤን ካልኦት ፓርላመንታዊ መሪሕነትን ክስእን ስለዝገብሮ” ይብል ብኦንላይን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መርበብ ዜና ጋሮዌ።

ኣብቲ መረጻ ዝተሳተፋ ደቂኣንስትዮ ክዕወታ ብዘይምኽኣለን ግን ኣብቲ ባይቶ ዋላ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኣይክትህልውን።

ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ናጽነታ ካብ እትውጅ ክሳብ ሎሚ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይተወሃባን።

እንተኾነ ግን ካብ ብሪጣንያን ስዊድንን ዝርከብአን ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝተፈላለየ ሓገዛት ከምትረክብ ይግለጽ።

ኣብ 2020 ምስታ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እትርከብ ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራታ ድማ ዓለም ዘዛረበን ንቻይና ባህ ዘየበለን ፍጻመ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኬንያ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምጅማራ'ውን ነቲ ኣብ ርእሰከተማ መቓዱሾ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘቖጠዐ ኮይኑ'ሎ።

ሶማልያን ኬንያን፡ ብሰንኪ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘለወን ናይ ማያዊ ዶብ ምስሕሓብ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምብታኽ ዝበጽሐ ምትፍናን ጸኒሑወን እዩ።

ሶማሊላንድ: ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዕውታት ዝበሃሉ መረጻታት እናካየደት ምምጽኣ ይፍለጥ።