መረጻ ሶማሊላንድ፡ እታ ሃገር እተካይዶ መረጻ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ክትረክብ ይሕግዛ ዶ ይኸውን?

ህዝቢ ሶማሊላንድ እቲ ሎሚ ሰኑይ [31 ግንቦት 2021] ዝካየድ ዘሎ መረጻ ብደረጃ ዓለም ከም ሃገር ተቐባልነት ንኽረኽቡ ዕድል ከም ዘምጽኣሎም ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

እታ ሃገር ካብ ሶማሊያ ናጽነታ ካብ እትእውጅ ክሳብ ሎሚ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበተን፤ ግን ናይ ባዕላ ፓስፖርት፣ ገንዘብ፣ ባንዴራ፣ መንግስትን ሰራዊትን ብምሓዝ ካብ እትቐውም ዓመታት ተቖጺሮም።

“ሶማሊላንድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴሞክራሲያዊ መረጻ ዝተኸየደላ ብሕታዊት ቦታ ክትኸውን ትኽእል’ያ” ይብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሪፍት ቫሊ ማርክ ብራድበሪ።

ንሓሳብ ብራድበሪ ዝድግፍ መርገጺ ዘለዎ ምኽትል ናይቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ኩልሚየ ኣሕመድ ድሂሬ ብወገኑ “እዚ መረጻ ክንድምንታይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ክገልጾ ኣይክእልን። ዕውት መረጻ እንተኣካይድና ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርሃን ጸሓይ ክንኸውን ኢና” ይብል።

ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ገለ ሃገራት ዝሓሸት ዴሞክራሲያዊት ክትኸውን ትኽእል’ያ፤ ግን ከኣ ዘለዋ ስርዓት ምሉእ ዝበሃል ኣይኮነን።

ኣብታ ሃገር ፓርላመንታዊ መረጻ ካብ ዘይካየድ ልዕሊ 10 ዓመታት ተቖጺሮም’ዮም። ኣባል ተቓዋሚ ውድብ ዋዳኒ ዝኾነ ሀርሲ ዓሊ ሓጂ በቲ ምድንጓይ ንኣባላት ፓርላማ ተሓተትቲ ይገብር።

“መብዛሕቲኦም ኣባላት ባይቶ ስሱዓትን ንነብሶም ዝፈትዉን እዮም። ን15 ዓመታት ኣብቲ መንበር ኮፍ ኢሎም ሰቢሖም’ዮም፤ መንበሮም ክህቡ ድልየት የብሎምን። መንግስቲ’ውን ካብዚ ንነዊሕ እዋን ዘይተለወጠ ኩነታት ተረባሓይ ኮይኑ ብምጽንሑ ይነቕፎ’የ” ክብል የረድእ።

ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት

ኣብ ሶማሊላንድ ካልኦት ጸገማት እውን ኣለዉ። ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ውሑዳን እንዳታት/ቀቢላታት ዋላ ሓደ ተወካሊ ብኣባላነት ኣይሓቖፈን። ካብ 82 ኣባላት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም።

ኣብ መረጻ ንምስታፍ ምድላው ዝገብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሕጹያት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተኣሰሩ ኮይኖም፤ መንግስቲ ንመራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ ኣጠማምታ ትርር ዝበለ’ዩ። ብዙሓት ጋዜጠኛታት ጥቕዓት ተፈጺምዎምን ተኣሲሮምን፤ ማዕኸናት ዜና’ውን ተዓጽየን።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንእንዳታት ጥራሕ ትኹረት ብምግባር ከይውደባን ከይንቀሳቐሳን ንምግባር ጻዕርታት ተገይሮም’ዮም፤ ኣብ መረጻ ድማ ሰለስተ ጥራሕ ክሳተፋ ተፈቒዱ።

ኣቦ መንበር ውድብ ፍትሕን ልምዓትን ፈይሰል ወራቤ እቲ ንእንዳታት መሰረት ገይሩ ዝውደብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሓደጋታት የኸትል ከምዘሎ ይዛረብ።

“እቲ ቀቢላዊ ስርዓትና ምስ ዴሞክራሲ ዝኸይድ ኣይኮነን። ክንኣልዮ ኣለና። እንተዘይኮእኑ ግን ዕጫ ሶማሊላንድ ከም ናይ የመን እዩ ክኸውን። ንሓድሕዶም ዝናቖሩ ቀቢላታት ንበዓልቶምን ነታ ሃገርን ይመቓቕሉ ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።

ንሱ እቲ ብላዕለዎት ኣባላት ኩሎም ወሰንቲ ዝበሃሉ ቀቢላታት ዝቖመ ባይቶ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ጉርቲ ክፈርስ ከምዘለዎ’ዩ ዝኣምን።

“ካብ 1993 ጀሚሩ ተመሳሰልቲ ሰባት’ዮም ኣብኡ ዘለዉ። ሓደ ቀቢላዊ ዓብዪ ዓዲ እንተሞይቱ ብወዱ ይትካእ። እዚ ዴሞክራሲያዊ ኣይኮነን” ክብል ይገልጽ።

ሶማሊላንድን ሶማሊያን

· እታ ብብሪቲሽ ትሕሎ ዝነነበረት ግዝኣት 1 ሓምለ 1960 ናብ ሶማሊያ ተጸምቢራ

· ኣብ 1991 ወተሃደራዊ ውልቀመላኺ ሲያድ ባሬ ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ ናጽነት ኣዊጃ

· እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ምስተቐተሉን ከተማታት ምስዓነዋን’ዩ

· ሶማሊላንድ 3.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ ከሎ፤ ሶማሊያ ድማ 15 ሚልዮን ኣለዋ

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሞሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ ኣብ 2020 መረጻ ከምዝካየድ መብጽዓ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ግን ግብራዊ ኣይኮነን።

ፈርማጆ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምረሉ ኣእከኣለን፤ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ደገፍቱን ተቓወምቱን ብምዃን ኣብ ክልተ ተመቒሎም።

ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ንዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ሞቓዲሹ ብምቁጽጻሮም ከቢድ ወጥሪ ነጊሱ ምንባሩ ይዝከር።

ባንዴራታት ሃገራት ኣብ ሶማሊላንድ

ሶማሊያ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ብቀቢላዊ ጉዳያትን ብእስላማዊ ዓመጽትን ክተመቓቐል ከላ፡ ሶማሊላንድ ግን ኣብ ሰላማዊ ኩነታት’ያ ጸኒሓ።

ብተቐራራቢ ውጽኢት ዝፍጸሙ መረጻታት ተካይድ ኮይና ብፍላይ እቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደን ሪያሌ ካሂን ብውሑዳት ኣማኢት መሪሑ ዝተዓወተሉን መረጻ ከምኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

እቲ ንመወዳእታ ጊዜ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ናይ 2017 እዩ። ዝተመረጸ ፕረዚደንት ክልተ ጊዜ ሓሓሙሽተ ዓመታት [ብድምር 10 ዓመታት] ከገልግል ስለዝኽእል ድማ እቲ ቀጻሊ መረጻ ኣብ 2022 ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ሶማሊላንድ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሃገር ከምዝኾነት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንኽወሃባ ዝነበራ ባህጊ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ናይ ደገ ሓያላን ሃገራት ጉዳይ ሶማሊላንድ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክውሰን ከምዘለዎ ይሕብራ።

ይኹን እምበር እታ ከም ሃገር ተቐባልነት ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ምስሓባ ኣይተረፈን። ኣብ ዋና ከተማ ሃርጌሳ ዝረኣዩ ባንዴራታት ሃገራት ቁጽሮም እናወሰኸ ካብ ምምጽኡ ብተወሳኺ ብዙሓት ሃገራት ኣብያተ ጽሕፈት ቖንስላን ወኪላተንን ክኸፍታ ይረኣያ።

ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ቱርኪ፣ ዴንማርክ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ታይዋንን ካብ ሞንጎ እተን ሃገራት እየን። እታ ምስ ሶማሊያ ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወት ኬንያ ከምኡ’ውን ግብጺ ኣብ ቀረባ ናይ ምኽፋት ውጥን ኣለወን።

ሶማሊላንድ ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣጸጋሚ ዝበሃል ኣዝዩ ስትራቴጂካዊ ቦታ ትርከብ። እዚ ድማ ናብ ወሽመጥ ዓደን ከምኡ’ውን ቀይሕ ባሕሪ ዘእትው’ዩ።

ሕብረት ሶቪየት ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ንልዕልና ኣሜሪካ ንምፍትታን ብዝብል 4 ኪሎሜትር ንውሓት ዝነበሮ [ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ] መዋፈሪ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ወደብ በርበራ ምህናጻ ዘገርም ኣይኮነን።

ስምምዕ ሕቡራት ኢማራትዓረብ

ኣብዚ እዋን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብዝተሓሓዝ ሓያላን ሃገራት ኣብ ሶማሊላንድ ድልየት ከምዝሓድረን ዝግመት’ዩ። ቁጠባዊ ረብሓታት'ውን ኣለዋ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ በርበራ ብ500 ሚልዮን ዶላር ክተልምዖን ክትቆጻጸሮን ዘኽእላ ናይ 30 ዓመታት ስምምዕ ኣብ 2016 ምፍራማ ይዝከር።

ንበርበራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መገዲ ኣብ ህንጸት ዘሎ ኮይኑ ነታ ወደብ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ጂቡቲ እትጥቀመሉ ወደብ ዘሎ ምጭንናቕ ዘቃልለላ ኣማራጺ ከምዝኸውን ይእመን።

ሶማሊላንድ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ኣባጊዕን ኣግማልን ዝርከብዎም ሚልዮናት ጥሪት ሰደድ ትገብር። ብዘይካ’ዚ ሃብቲ ተፈጥሮ’ውን ኣለዋ። ዘይተተንከፈ ሃብቲ ነዳዲ፣ ከሰልን ክቡር እምንን ከምእትውንን ይግለጽ

ገለ ሰባት እቲ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዝካየድ መረጻ ንዘምጽኦ ረብሓ ካብ ልክዑ ብዝሓለፈ ተስፋ ይጽበይዎ።

መሪሕነት ውድብ/ሰልፊ ኩልሚየ ኣቶ ድሂሬ፡ እቲ መረጻ ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ሸቶኣ ንኽተዕውት ከምዝሕግዛ ዘለዎ እምነት ይገልጽ።

“ነዚ ብትኽክል ክነፈጽም እንተኺኢልና [ከም ሃገር] ተቐባልነት ከምእንረክብ ኢና ንጽበ” ይብል።