ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ክታበት ኣስትራዜኒካ ኣብ ክልተ ተገሚዐን

ሃገራት ኣውሮጳ፡ ክታበት ኮቪድ-19: ኦክስፎርድ ኣስትራዜኔካ ምጥቃምን ዘይምጥቃምን ኣብ ዝብል፡ ኣብ ኽልተ ተኺፈለን ይርከባ።

ምኽንያት ምክፍፋል እተን ሃገራት ድማ፡ ክታበት ኣስትራዜኒካ፡ ደም ምርጋእ ኣስዒቡ ዝብል ሓበሬታ እዩ።

ዋላ’ኳ ውሑዳት ሃገራት ንህዝበን ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዜኒካ ምኽታብ እንተቐፀላ፡ ገለ ሃገራት ግና፡ እዚ ጉዳይ ክሳብ ዝፃረይ፡ ንዜጋታተን ካብ ምኽታብ ተቖጢበን ኣለዋ።

ሃገራት ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ስፔንን ጣሊያንን፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እንተድኣ ነዚ ክታበት መርሚሩ፡ ፀገም የብሉን ዝብል ሪፖርት ዘይሂቡና፡ ንህዝብና ኣይንኸትብን ኣብ ዝብል ቅዋም ይርከባ።

ብኣንፃሩ፡ ሃገራት ፖላንድን ቤልጂየምን ከኣ፡ ክታበት ኣስትራዜኒካ ንህዝበን ምሃብ ቀፂለን ኣለዋ።

ኤጀንሲ ኣፋውስ ኣውሮጳ ድማ፡ ብሓቂ፡ ክታበት ኣስትራዜኒካ ምርጋእ ደም የስዕብ ድዩ ዝብል ይምርምር ኣሎ፤ ፅባሕ ሓሙስ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከፍልጥ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ መግለፂኡ፡ እዚ ክታበት ሕሱም ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘይብሉን፡ ነቲ ክታበት ካብ ዘይምኽታብ፡ ምኽታብ ዝሐሸ ምዃኑ ከምዝኣምን ገሊፁ ነይሩ።

ሓላፊ ኤጀንሲ ኣፋውስ ሕብረት ኣውሮጳ ኤመር ኩክ፡ “ካብ ጠቕላላ ዝተኸተቡ ኣብ ውሱናት ሰባት እዩ ምርጋእ ደም ኣጋጢሙ፤ እዚ ድማ ምስቲ ክታበት ዝዛመድ ምዃኑ ገና ኣይተፃረየን” ኢሉ።

ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስቴር ጣልያን ማሪዮ ድራጊን፡ ንሪኢቶ እቲ ኤጀንሲ ‘ተስፋ ዝህብ’ ኢሎሞ ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ጉጅለ ሰብሞያ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ሓደ ውሳነ ንምብፃሕ ትማሊ ተኣኪቡ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ዘጋጠመ ምርጋእ ደም፡ ምስ ክታበት ምውሳድ ዝዛመድ ምዃኑ፡ መረዳእታ ኣይረኸብኩን ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ክታበት ኣስትራዜኒካ ምኽታብ ከየቋርፃ ድማ ተማሕጺኑ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዛጊድ 11 ሚልየን ሰባት ብውሑዱ ሓደ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዜኒካ ተኸቲቦም እዮም።

እንተኾነ ካብዞም 11 ሚልየን ሰባት፡ ምርጋእ ደም ኮነ ሞት ምግጣሙ ዘርእይ መረዳእታ የለን።

ክሳብ ሕዚ 13 ሃገራት ኣውሮጳ ክታበት ኣስትራዜኒካ ምሃብ ዘውንዘፋ እንትኾና፡ ዴንማርክ ድማ ነዚ ስጉምቲ ብምውሳድ ቀዳመይቲ ሃገር እያ።

ሃገራት ኖርወይ፣ ኣይስላንድ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ሳይፕረስ፣ ስፔን፣ ላቲቭያን ስዊድንን’ውን፡ ንውሳነ ዴንማርክ ዝሰዓባ እየን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ጀርመን፣ ፈረንሳይን ጣልያንን፡ ንውሳነ ኤጀንሲ ኣፋውስ ኣውሮጳ ይፅበያ ከምዘለዋ፡ ገሊፀን እየን።

ኩለን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ገምጋም ኤጀንሲ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ምስማዕ፡ ክታበት ኣስትራዜኒካ ንዜጋታተን ምኽታብ ክቕፅላ ትፅቢት ይግበር።