ሆላንድ፡ ንክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኔካ ንግዚኡ ኣወንዚፋቶ

ሆላንድ፡ ነቲ ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኔካ ንግዚኡ ኣወንዚፋቶ ከምዘላ ገሊጻ።

እታ ሃገር፡ እቲ ክታበት ጎድናዊ ሳዕበናት ክህልዎ ይኽእል'ዩ ብዝብል እያ ምኽታብ ኣቋሪጻቶ ዘላ።

ሃገራት ኣየርላንድን ኖርወይን'ውን እቲ ክታበት ኣብ መንእሰያት ምርጋእ ደም የስዕብ እዩ ብዝብል ነቲ ምኽታብ ንግዚኡ ጠጠው ኣቢለንኦ ኣለዋ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፡ እቲ ክታበት ሓደጋ ምርጋእ ደም ከምዘስዕብ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይረኸ ገሊጹ።

ትካል ተቖጻጻሪ መድሃኒታት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ መድሃኒት ዳግመ መርመራ ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ።

ሃገራት ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ቡልጋርያ፡ ኣይስላንድ ከምኡ'ውን ታይላንድ ምጥቃም እቲ ክታበት ኣወንዚፈንኦ ኣለዋ።

መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስታት ዴንማርክን ኖርወይን ዝርከበአን ሃገራት፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ምሃብ ደው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ሳዕበናት ንምግምጋም ኒተ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

ሰበ-ስልጣን ሆላንድ ኣስታት 12 ሚልዮን ብልቃጥ ኣስትራዘኔካ ክገዝኡ ኣዚዞም ከምዝነበሩን፡ ከባቢ 300 ሚእቲ ሽሕ ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከምዝኣቱ ተፈሊጡ'ሎ።

ትካል ኣስትራዘኔካ ብወገኑ፡ እቲ ክታበት ምርጋእ ደም ከምዘስዕብ ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ዛጊት ኣስታት 17 ሚልዮን ኣውሮጳውያን ክታበት ኣስትራዘኔካ ከምዝወሰዱ እዩ ዝግለጽ።