እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስትራዘኔካ፡ ታይላንድ ብምኽንያት ስግኣት ምርጋእ ደም ክታበት ዝወሃበሉ አዋን ኣናዊሓ
ታይላንድ ብምኽንያት ጸብጻባት ምርጋእ ደም፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኔካ ዝወሃበሉ እዋን ኣናዊሓ፤ እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ሳዕቤን ኣብ'ታ ሃገር ብዛዕባ ምግጣሙ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ነቲ ክታበት ብምውሳድ ከጀምሮ መደብ ዝነበሮ ኮይኑ፡ በቲ ስግኣት ምኽንያት ግን እቲ መደብ ተሰሪዙ።
ዴንማርክን ኖርወይን ዝርከበአን ሃገራት፡ ክታበት ኣስትራዘኔካ ምሃብ ደው ምባለን ስዒቡ እያ፡ ታይላንድ ነቲ ስጉምቲ ወሲዳ።
ዛጊድ ኣስታት 5 ሚልዮን ኣውሮጳውያን ክታበት ኣስትራዘኔካ ከምዝወሰዱ እዩ ዝግለጽ።
ካብዚ ድማ ኣስታት 30 ዝኾኑ ‘‘ትሮምቦኢምቦሊክ ኤቨንትስ’’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ክስተታት ምርጋእ ደም ከምዘጋጠሞም ተገሊጹ።
ኤጀንሲ መድሓኒታት ኣውሮጳ ግና፡ እቲ ክታበት ምርጋእ ደም ብዛዕባ ምስዓቡ ዘመላኽት መረዳእታ ከምዘይረኸበን ‘‘ሕዚ እውን ካብ ጉድኣቱ ጥቕሙ ከምዝረዝን’’ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ኣስትራዘኔካ እውን ድሕነት እቲ መድሃኒት ኣብ ክሊኒካዊ ፈተነ ብሰፊሑ ከምዝተጸንዐ እዩ ዝገልጽ።
ታይላንድ እንታይ ኢላ?
ኣማኻሪ ኮሚቴ ክታበት ኮቪድ ታይላንድ ፒያሳኮል ሳኮልሳታያዶርን ‘‘ዋላ‘ኳ ጽሬት ኣስትራዘኔካ ጽቡቕ እንተኾነ ገለ ሃገራት ግን ክድንጉይ ሓቲተን ኣለዋ’’ ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
‘‘ ንሕና እውን ክነጽነሖ ኢና’’ ክብል ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ታይላንድ ግና፡ እቲ ናብታ ሃገር ዝተልኣኸ ክታበት ኣስትራዘኔካ ካብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝውሰድ ዘሎ ጉጅለ ዝተፈለየ ከምዝኾነን፡ ኣብ ኤስያውያን እውን ሳዕቤን ምርጋእ ደም ብዙሕ ከምዘይተርኣየን ገሊጾም።
እታ ሃገር ብኣቆጻጸራ ኣውሮጳ 28 ለካቲት ክታበት ኮሮናቫክ ምሃብ ካብ እትጅምር፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ተኸቲቦም ኣለዉ።
ታይላንድ እቲ ቻይና ዝሰርሓቶ ኮሮናቫክ ምሃብ ከምእትቕጽል ኣፍሊጣ ኣላ።
ካልኦት ሃገራትከ ብዛዕባ እቲ ክታበት እንታይ ይብላ?
ትካል ተቖጻጻሪ መድሓኒት ዩናይትድ ኪንግደም፡ እቲ ክታበት ዘስዓቦ ጸገም ብዛዕባ ምህላዉ መረጋገጺ ከምዘይረኸበን ሰባት ሕዚ እውን ክኽተቡ ከምዝግባእን እዩ ዝገልጽ።
እቲ ትካል ከምዝገለጾ፡ ኣብ'ታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 11 ሚልዮን ክታበታት ኣስትራዘኔካ ተዛርጊሑ'ሎ።
300 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘኔካ ዝተቐበለት ኣውስትራልያ እውን፡ ነቲ ክታበት ምሃብ ከምእትቕጽል ሓቢራ ኣላ።
ፊሊፒንስ ብተመሳሳሊ ነቲ ክታበት ደው ንምባል ምኽንያት ከምዘይብላ ኣረጋጊጻ።
785 ሽሕ ክታበት ዝወሰደት ደቡብ ኮርያ እውን፡ ዋላ‘ኳ ቁሩብ ስክፍታታት እንተሃለዋ፡ ነቲ ክታበት ምሃብ ከምእትቕጽል ገሊጻ።
ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ነቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት፡ ምስ'ቲ ክታበት ዝራኸብ ከምዘይኮነ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።
ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርወይን ኣይስላንድን ግና ንግዚኡ እቲ ክታበት ምሃብ ደው ኣቢለን ኣለዋ።