እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 3000 በጺሑ
ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 3009 ከምዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 7 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ'ውን ይግለጽ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ 21 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ገሊጹ።
እቶም መርመራ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ዝተረኽቡ'ዮም።
ካልኦት 54 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ምህላዎም'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኤርትራ ካብተን ኣዝዩ ተሪር ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝኣወጃ ኮይና፡ ንግዳዊ በረራታትን መጓዓዝያን ኣብታ ሃገር ተቛሪጹ ይርከብ።
ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ንኣስታት ሓደ ዓመት ተዓጽየን ምህላወን ይፍለጥ።
ዋላ'ኳ ኣገደስቲ ዝብሃላ ትካላት ንግዲ ክሰርሓ እንተጸንሓ፡ ኣብያተ መግብን መስተን'ውን ክሳብ ሕጂ ተረጊጠን ኣለዋ።
እቲ ዕጽዋ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸገም ከምዘስዓበን፡ ብፍላይ ኣብ ድኻታት ስድራቤታት ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
እዋናዊ መምርሒታት ኣብ ሓጺር ግዜ ስለዘይዋሃብ፡ ህዝቢ ብዛዕባ መጻኢ ትምህርቲ ደቁ ይኹን ካልእ ሸነኻት ናይቲ ዕጽዋ እንታይ ከምዝኸውን ዝፈልጦ ከምዘየለ ይዝረብ።
ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክታበት ኣይጀመረትን፡ ብዛዕባ ክታበት'ውን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንዓቕሚ ስርዓተ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ለበዳታት "ዜሮ" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጽዎ ነይሩ።