ኤርትራ፡ ናይ ፈለማ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ተመዝጊቡ

ኤርትራ ናይ ፈለማ ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ከም ዝመዝገበት ኣፍሊጣ።

እቲ ግዳይ ወዲ 50 ዓመት ምዃኑን ኣብ ሆስፒታል ደቀምሓረ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ምጽንሑን ዝገለጸ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ 25 ሓደስቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸበ'ውን ሓቢሩ።

እቶም ሕሙማት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ፡ ማለት ኣብ እንዳ ገርግስ 12፡ ኣብ ማይ ዓይኒ 1 ኣብ ደቀምሓረ 1 ከምኡውን ኣብ ዞባ ማእከል ኣገልግሎት ኦፒዲ ኣስመራ 11 ከም ዝተረኽቡ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 "ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታታት እንተላይ ገለ ገጠራትን ብምስፍሕፋሕ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ሰባት ክለክፍ ጀሚሩ ምህላዉ" ብምግላጽ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ተሪር ኣዋጃት ዕጽዋ ምውጽኡ ተገሊጹ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 832 ክበጽሕ እንከሎ፡ 599 ሓውዮም ከም ዝተፋነው ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ነቲ ዝጸንሐ ኣዋጃት ዕጽዋ ዘትርር ሕጋጋት

ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ምስፍሕፋሕ ቀለቤት ናይ'ቲ ለበዳ ብቕጽበት ንምብታኽን፡ ድሕነት ዜጋታትን ሃገርን ንምውሓስን፡ ዕቱብን ተሪርን ስጒምቲ ምውሳድ፡ ኣማራጺ የብሉን" ብምባል፡ ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 22 ታሕሳስ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓደሽቲ ሕጋጋት ኣውጺኡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝወጽእ ሓደሽቲ ሕጋጋት መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ እንትርፎ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱ "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ምንቅስቓስ ሰባት ክልኩል እዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ዕጽዋ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሰብ 'እቲ እዋን ዕጽዋ ስለዝነውሖ' በብቁሩብ ነቲ ኣዋጃት ክስዕሮ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ዘፍኩስ ዝኾነ ምምሕያያሻት ናይ ሕጊ ስለዘይገበረ፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝርከብ፡ ገለ ካብ ነበርቲ ኣስመታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።ኣብ ኤርትራ ንዝሓለፈ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣግለግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ መካይን ካብ ኣገልግሎት ደው ስለዝበላ፡ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቕስ ኣዝዩ ከምዝሽገር እዩ ዝግለጽ።

ንዝሓመሙ ናብ ሆስፒታል ንምውሳድ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ብዓረብያ (ካሮሳ) ምውሳድ ምዃኑ'ውን ነበርቲ ኣስመራን ከባቢኣን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ 11 ነጥብታት ዝሓዘለ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ብዘይካ እቲ ምስ መዓልታዊ መነባባሮ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ፡ ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዩ ክጸንሕን፡ እቶም ክሰርሑ ዝፍቀዶም ትካላት ድማ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ክዓጽዉን ይእዝዝ።

ምንቅስቓስ ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይንን ካልኦት ናይ ሰብ መጎዓዓዚ ተሽከርከርትን ብዝምልከት ድማ፡ ብዘይካ ብፍሉይ ፍቓድ፡ ደው ክብላ ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣዋጅ ዳግማይ ኣትሪሩ ኣውጽኢዎ ኣሎ።

ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምርባሕ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ ኸኣ "ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ" ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል'ዩ።

ግድነታዊ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (ከም ቀብሪ፡ ሓዘን. . .) ብኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ካብ 10 ብዘይበዝሑ ሰባት ጥራይ ይፍጸም። ክውንዘፉ ዝኽእሉ ካልኦት ኩሎም ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ንኻልእ እዋን ክመሓላለፉ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ዘብቀዓሉ እዋን ብንጹር ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ እቲ ኩነታት "እናተገምገመ" ክመሓየሽ ከምዝኽእል ተገሊጹ'ሎ።