እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ 19፡ ኤርትራ ነቲ ዝጸንሐ ኣዋጃት ዕጽዋ ዘትርር ሕጋጋት ኣውጺኣ
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታታት እንተላይ ገለ ገጠራትን ብምስፍሕፋሕ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ሰባት ክለክፍ ጀሚሩ ምህላዉ ገሊጹ።
እቲ ሓይሊ ዕማም “ምስፍሕፋሕ ቀለቤት ናይ’ቲ ለበዳ ብቕጽበት ንምብታኽን፡ ድሕነት ዜጋታትን ሃገርን ንምውሓስን፡ ዕቱብን ተሪርን ስጒምቲ ምውሳድ፡ ኣማራጺ የብሉን” ብምባል፡ ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 22 ታሕሳስ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓደሽቲ ሕጋጋት ኣውጺኡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
በቲ ዝወጽእ ሓደሽቲ ሕጋጋት መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ እንትርፎ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱ "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ዓዲ/ከተማ፡ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ ምንቅስቓስ ሰባት ክልኩል እዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ዕጽዋ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሰብ 'እቲ እዋን ዕጽዋ ስለዝነውሖ' በብቁሩብ ነቲ ኣዋጃት ክስዕሮ ጸኒሑ'ዩ።
መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ዘፍኩስ ዝኾነ ምምሕያያሻት ናይ ሕጊ ስለዘይገበረ፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝርከብ፡ ገለ ካብ ነበርቲ ኣስመታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።ኣብ ኤርትራ ንዝሓለፈ ትሽዓት ኣዋርሕ ኣግለግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ መካይን ካብ ኣገልግሎት ደው ስለዝበላ፡ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቕስ ኣዝዩ ከምዝሽገር እዩ ዝግለጽ።
ንዝሓመሙ ናብ ሆስፒታል ንምውሳድ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ብዓረብያ (ካሮሳ) ምውሳድ ምዃኑ'ውን ነበርቲ ኣስመራን ከባቢኣን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ 11 ነጥብታት ዝሓዘለ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ብዘይካ እቲ ምስ መዓልታዊ መነባባሮ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ፡ ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዩ ክጸንሕን፡ እቶም ክሰርሑ ዝፍቀዶም ትካላት ድማ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ክዓጽዉን ይእዝዝ።
ምንቅስቓስ ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይንን ካልኦት ናይ ሰብ መጎዓዓዚ ተሽከርከርትን ብዝምልከት ድማ፡ ብዘይካ ብፍሉይ ፍቓድ፡ ደው ክብላ ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣዋጅ ዳግማይ ኣትሪሩ ኣውጽኢዎ ኣሎ።
ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምርባሕ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ ኸኣ "ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ" ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል’ዩ።
ግድነታዊ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (ከም ቀብሪ፡ ሓዘን. . .) ብኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ ካብ 10 ብዘይበዝሑ ሰባት ጥራይ ይፍጸም። ክውንዘፉ ዝኽእሉ ካልኦት ኩሎም ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ንኻልእ እዋን ክመሓላለፉ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ኣዋጅ ዕጽዋ ዘብቀዓሉ እዋን ብንጹር ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ እቲ ኩነታት "እናተገምገመ" ክመሓየሽ ከምዝኽእል ተገሊጹ'ሎ።
ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝተውሃበ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክሳብ ሎሚ 754 በጺሑ’ሎ።
580 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 174 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ከምዝርከቡ 19 ታሕሳስ 2020 ዝወጽአ ሓበሬታ ሚኒሰትሪ ጥዕና ኤርትራ የመልክት።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብኮቪድ 19 ዝሞተ ሰብ ከምዘየሎ እዩ እቲ ሚኒሰትሪ ዝገልጽ።