ኣብ ኤርትራ ዕጽዋ ኮቪድ-19 መዓስ እዩ ዝፈኩስ?

ኮሮና ቫይረስ ንዓለም መሰጥቀዓ ዳርጋ ሓያሎ ሃገራት ዓለም፡ እቲ እንኮ ሕርያ ምክልኻል ስለዝኾነ ኣብ ፍጹም ዕጽዋ ኣትየን።

መንግስቲ ኤርትራ እውን ብዘይካ “ምርጋጥ” ካልእ ኣማራጺ የብልናን ብማለት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጁ ብጽኑዕ ተቖጻጺሩዎ። ከም ውጽኢቱ መጠን ዝርገሐ እቲ ለበዳ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ክሳብ ሕጂ እውን ኣብ ኤርትራ ብኮቪድ ዝተመዝገበ ሞት የሎን።

እቲ ለበዳ ኮቪድ ንምክልኻል ዝተኣወጀ ዕጽዋ ግን ንሽቕለትን ንግዳዊ ንጥፈታትን ስለዝደረቶ እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተሃስዩ ምህላው ካብ ስርሖም ዝተሰናኸሉ ይዛረቡ።

ደረጃ ቁጠባ እታ ሃገር ትሑት ብምዃኑን መንግስቲ ንዜጋታቱ ዝገብረሎም ሓገዝ ብዘይምህላው ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘሎ “ ካብ ዘይንሰርሕ ኣዋርሕ ኮይኑ፡ ቖልዑ ሒዝና ንገብሮ ጨኒቑና” ዝበለ ስሙ ክገልጽ ዘይመረጸ ዜጋ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቅድሚ ኮቪድ ምምጽኡ፡ መንግስቲ ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ዱኳን ሕድሪ ከም መሸላ፡ ዘይቲ፡ ሽኮርን ቀጠፍን ካልእ መሰረታዊ ሃለኽትን ይዕድል እኳ እንተነበረ ዳሕራይ ግን ብፍላይ ኣብ ገሊኡ ከተማታት ንኣዋርሕ ስለዘቋረጸ ህዝቢ ተጨኒቑ ምህላው ነበርቲ ይገልጹ።

ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ

ኣብ ኣስመራ ታክሲ ብምምራሕ ህይወቱ ዝመርሕ ስዒድ፡ እቲ ኣዋጃት ዕጽዋ ኣብ ናብርኡ ብኸቢድ ከምዝሃሰዮ’ዩ ዝዛረብ።

“ዘይክሓድ መንግስቲ ብግዚኡ ስጉምትታት ስለዝወሰደ፡ ነቲ ሕማም ኣብ ምጕዳሉ ሓጋዚ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ክሳብ ሕጂ ስለዘይተለዓለ ብወገነይ ንዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ብዘይ ስራሕ ደው ኢለ ኣለኹ” ክብል ካብ ስራሕ ደው ብምባሉ ኣብ ህይወቱ ከቢድ ጸቕጢ ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ።

ኣቶ ተኽሊት’ውን ካብ ኣስመራ ናብ ዞባ ደቡብ (መንደፈራ፡ ዓዲዃላ፡ ደቀምሓረ፡ ዓዲቐይሕን ሰንዓፈን) እትመላለስ ዓባይ ኣውቶቡስ ዝውንን እዩ።

“ኣይትንቀሳቐሱ ተባሂልና ደው ኢልና፡ መኪናይ ኣብዚ ኣፍደገ ገዛይ ደው ኣቢለያ ኣለኹ፡ ንበልዖን ንሰትዮን የብልና፡ ግን እንታይ ኢና’ሞ ክንብል?” ጉዳይ ሕማም ኮይኑ ብምባል ይሓትት።

ስዒድ ብወገኑ “እዛ ዝሰርሓላ ታክሲ ክልተ ስድራ እያ ትኣሊ ነይራ፡ ኣነ ተኻርየ እየ ዝሰርሓላ፡ እቶም ዝተኻረኹሎም ከኣ ስድራ ስውኣትእዮም። ብኣታዊ እዛ ታክሶም ከኣ እዮም ዝናበሩ። ኣነ ኸኣ ካብተን ዝረኽበንክራይ ከፊለ ሓዳረይ ይኣሊ። ሕጂ ግን እዛ ታክሲ ካብ ስራሕ ደው ስለዝበለት ክልተ ስደራ ተደፊንና ኣለና” ክብል ዘለውዎ ሃለዋት የረድእ።

ኣቶ ተኽሊት ብወገኖም “ዝነበረና ወዲእና ኢና። ኩሉ ነገርከኣ ሰማይ እዩ ደይቡ፡ ኣስቤዛ ክትገዝእ ከይድካ እቲ ዋጋ ዝልከፍ ኣይኮነን።ኣብ ርእሲኡ ሰልዲ የለን፡ ኣስቤዛ ከቢሩ፡ ከቢድ ናብራ እዩዘሎ” ይብሉ።

ብዘይካ ብፍሉይ ፍቓድ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ስለዘየለዋ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ እትነብር መምህር ምልእተእውን ዋላዲታ ምስ ሓመማኣናብ ጽርግያ ወጸአ ኣስቤዛ ጽዒና ናብ ከተማ ትኸይድ ዝነበረት ካሮሳ [ዓረብያ] ሊሚና ናብ ሕክምና ከምዝወሰደትን ትዛረብ።

“እንታይ ደኣ ክገብር!” ከኣ ትብል ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዘይምህላዉ፡ ሰብ ንኣገዳሲ ነገር ብእግሩ፡ ብብሽከለታን ብዓረብያን ክጉዓዓዝ ከምዝተገደደ ብምሕባር።

ኣብ ክፍሊ መወለዳን ሆስፒታል ኦሮታ እትሰርሕ ኣደ ሓደ ቖልዓ ነርስ ልዋም የማነ፡ ቅድሚ ኮቮድ ምምጽኡ ንውላዳ ኣብ ከተማ ባጽዕ ምስ ዝነብሩ ወለዳ ሓዲጋቶ ንስርሓ ንኣስመራ ምስ መጽአት ተዓጾ ተዓጾ ኮይኑ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ኢሉ።

ዳሕራይ መዓልቲ ምስ ነውሐ ግን፡ ንነዊሕ ግዜ ምዝዋር ብዝረሰዓታ ብሽክለታ ገይራ ካብታ 2325 ዝብራኸኣ ከተማ ኣስመራ፡ ናብታ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 06 ሜተር ዝብራኸኣ ከተማ ባጽዕ 115 ኪሎሜተር ንኹሉ ጥውይዋይ መገዲ ብድፍረት ተጓዒዛ ንውላዳ ክትርኢ ተገዲዳ።

ልዋም የማነ ምስ ኤርትራይ ሚድያ ኔት ዎርክ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል ምስ ኮሮናን ዕጽዋን ተተሓሒዙ ውላዳ ንምርካብ ዝወሰደቶ ተባዕ ኣደነታዊ ስጉምቲ ብብዙሓት ሰባት ኣድናቐት ረኺባ እያ።

መንእሰይ መንሱር ስዒድ እውን ስሩዕ መድሃኒት ንእትወስድ ወላዲቱ መድሃኒት ከብጽሓላን ሃለዋታ ክከታተልን ካብ ኣስመራ ንዓዲ-ዃላ ብብሽክለታ እናኸደ ደሃያ ይገብር።

ኤርትራ ብስግኣት ለበዳ ኮቪድ ዕጽዋ ካብ ትእውጅ ክሳብ ሕጂ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣየፍቀደትን። ኩለን ኣብታ ከተማ ዝንቀሳቐሳ ዝርካበን መካይን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍሉይ ፍቓድ ክረኽባ ኣለወን።

ዋላ እውን ኣብ ቤቱ ክልተ መካይን ዘለዎ ርኹብ ስድራ፡ ጓሎም ሕርሲ ተታሒዛ ወይ ካብ ኣባሎም ሕክምና ክበጽሕ እንተደልዩ ፍቓድ ዘለወን መካይን እንተዘይረኺቡ ብካሮሳ ክንቀሳቐስ እዩ ዝግደድ።

ብፍሉይ ምኽንያት ብፍቓድ እንተዘይ ኮይኑ ካብ ኣስመራ ናብ ገጠራት ዝኸዳ ኣውቶቡሳት የለዋን።

ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣብ ዘበነ ኮቪድ

ኮቪድ ኣንጻር ማሕበራዊ ምትእኽኻብ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ብብዝሒ ዝላብዓሉ ዘሎ ክፍለ ዓለም መርዓን ቀብርን ከይተረፈ ብፍቕዲ እዩ ኮይኑ።

ንኣብነት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንቐብሪ 30 ሰባት እዩ ዝፍቀድ። ንመርዓ እውን ካብኡ ንላዕሊ የሎን። ኣብ ርእሲኡ ነብሲ ወከፍ ኣብቲ ምትእኽኻብ ዝጽንበር ሰብ እቲ ሕጊ ኮቪድ ዝእዝዞ ማሕበራዊ ምፍንታት ክኽተልን ኣፉን ኣፍንጭኡን ብማስኬራ ክሽፈንን ኣለዎ።

ቅድሚ ኮቪድ ንኣብነት ኣብ ከተማታት ኤርትራ ሰብ እንተሞይቱ ኣሎ ዝበሃል መቕርብ ኣውቶቡስ ተኾናቲሩ እዩ ናብ ገጠራት ክቐብር ዝውሕዝ ነይሩ። ሕጂ ኣብ እዋን ኮቪድ ግን ምስታ ሬሳ ሒዛ ናብ ገጠራት እትጓዓዝ መኪና ሓሙሽተ ሰባት ጥራሕ እዮም ከሰንዩዎ ዝፍቀድ።

ትምህርቲኸ ከመይ ኣሎ?

ላዕለወይ ሓይሊ ዕማም ብ28 ሰነ 2020 ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ተማሃሮ መበል 11 ክፍሊ፡ ንዝተረፎም መደብ ትምህርቲ ክዛዝሙ ብ6 ሓምለ ትምህርቶም ክጅምሩ፡ እቶም ተማሃሮ ኮሌጃት ከኣ ኣብ ኣካዳምያዊ ዓመት 2019-2020 ንዝተረፎም ትምህርቲ ክዛዝሙ ብ13 ሓምለ ትምህርቶም ክጅምሩ ወሲኑ።

ዝተረፉ ኩሎም ተመሃሮ ምስ ክራማትን ዘይምቹእ ኪሊማዊ ኩነታትን፡ ብምሉኦም ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ትምህርቶም ዳግም ብምጅማር ንዝተረፎም ትምህርቲ ወዲኦም ናብ ዝቕጽል ናይ 2020-2021 ኣካዳምያዊ ዓመት ምድቦም ክሰጋገሩን ምረቓ ኮሌጃት ንወርሒ ሕዳርን ጥቕምትን ክሰጋገር ወሲኑ።

ተማሃሮ 11 ክፍሊን፡ ተመሃሮ ኮሌጃትን ስነስርዓት ምረቓ ኮሌጃት ከምቲ ዝተሓስበ እኳ እንተተኻየደ፡ ካልኦት ተማሃሮ ግን ክሳብ ሕጂ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ኣይተመለሱን ዘለዉ።

ብሰንኪ ኮቪድ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን እትረፍ ኣብተን ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ኣብተን ብቴክኖሎጂን ሳይንስን ዝማዕበላ ሃገራት ምዕራብ ከይተረፈ ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙ ከምዘሎ መምህር ጸጋይ ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ የረድእ።

ስነ ጥበብ ኣብ ጎስጓስ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታዉን ድሕሪ ምእታዉን፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ዝቐርብ ‘ዶክተራት ኣብ ስቱድዩ’ ዝብል መደብ ምኽሪ ሞያውያን ዶኳትር፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሓካይም ስነኣእምሮን ካልእን ብመንገዲ ስነጥበብ’ውን ብጻዕቒ’ዩ ጎስጓሳት ዝግበር ነይሩ።

እቲ ቀንዲ መምርሒታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኸኣ ብኹሉ ቋንቋታት ብድራማዊ መልክዕ ተሰንዩ ኣብ ተለቪዥን ይቐርብ ነይሩ።

ስነጥበባውያን’ውን ብመልክዕ ደርፊ፡ ድራማ፡ ግጥምን ኮሜድን ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ኣፍልጦ ንኸበርኽ ይሰርሑ ነይሮም።

ሓደ ካብዞኦም ኮሞድያን ዮናስ ምሕረትኣብ (ማይናስ) ኮይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣነ ብናይ ህዝበይ ሞራል፤ ጣቕዒት፤ ሓይልን ጸጋን እየ ኣብዚ በጺሐ፤ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ከድልዮ ምዃነይ ከኣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ስለዝተረደኣኒ'የ ብዙሕ ሂቡኒ ክንሱ ብውሱን ዓቕመይ ብኮሜዲ ንጽምውኡ ክስዕር ዝሕግዞ ዘለኹ" ኢሉ ነይሩ።

ዮናስ፡ ኩሉ ስነጥበባዊ በብዝኽእሎ ሞያን ቋንቋን፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ እኹል ኣፍልጦ ንኽህልዎ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ ይገልጽ “"ብቋንቋ ኮሜዲ እቲ ዝሓሸ ኣገላልጻ ከምዚ ኣነ ንካልኦት ብጾተይን ዝገብርዎ ዘለዉ እዩ። ነቲ ብኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ኮሜዲ ኣእቲኻ እንድሕ ርዘርጊሕካዮ ሰብ እናሰሓቐ ነቲ ዝድለ መልእኽቲ ክወስዶ ይኽእል እዩ" ኢሉ ነይሩ።

"ነቲ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮቪድ ኣብ ገዝኡ ዝተዓጽወ ሰብ ካብቲ ክመጽኦ ዝኽእል ጭንቀት ኣናጊፍና ከነስሕቖ'ዩ እቲ ዕላማ ነቲ ሕማምን ኣገባብ መከላኸሊኡን እንድሕር ፈሊጡ ብዋዝኡን ብዋዛናን እናተዋዘየ ንኽብድሆ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢሉ።

ካብ ታሕሳስ ክሳብ ታሕሳስ

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይና ዝጀመረ ኮሮናቫይረስ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ 21 መጋቢት 2020 ኣብ ኖርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ድሕሪ ዝተገበረሉ መርመራ ኣብ ደሙ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦ፡ ኤርትራ ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝርዝር ኮሮናቫይረስ ዝተረኸበን ሃገራት ሰፊራ።

ብድሕሪኡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት 23 መጋቢት 2020 ኩሉ ሰብ ግድንን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝነበረሉ ከተማን ዓዲን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገበሮ መገሻከ ቋርጽ። ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ፡ሚኒባስን ታክስን ምጥቃም ከቋርጽ ኣዚዙ።

ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ዝሳተፍዎ ኩሉ ኣኼባታት ፡ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ደው ክብል፡ ኣብያተ ሲኔማን ኣብያተ ትልሂትን ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት መርዓ፡ ሓዘን፡ ቀብሪ፡ ጥምቀት፡ ስመያን ንግደትን ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ከይትኣኻኸቡ፤ ምእመናን፡ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክሰግዱን ክጽልዩን፤ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገር ካብ ምምጻእ ኪቑጠቡ ዝብል ዘርከቦ ሕጋጋት ኣወጺኡ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ 25 መጋቢት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር በረራታት ደው ከምዝበለ ብወግዒ ገሊጹ።

ኣብ 26 መጋቢት 2020 ኣብ ኤርትራ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሽዱሽተ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ኩለን ትካላት ትምህርቲ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት ክዕጸዋ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳትን ታክሲታትን ደው ክብል፤ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ወይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት ኣገልግሎት ምሃብ ከቋርጻ ኣዋጅ ኣሕሊፉ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና 30 መጋቢት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ባራት ኣብያተ መግብን ካፌታትን ን14 መዓልታት ዕጽዋት ኮይነን ክጸንሓ ድሕሪ ምእዋጁ እቲ ኣዋጅ በብግዚኡ እናተመሓየሸ ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ዝተገብረ ዕጽዋ ዝርገሐ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝነኣድ ስራሕ እኳ እንተተገብረ በቲ ሓደ ሸነኽ ግን መነባብሮ ህዝቢ ኣዝዩ ከቢዱ ብምህላው መንግስቲ ንኹነታትና ተረዲኡ ዘድሊ ሓገዝ ክገብር ነተሓሳስብ ክብሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ሓበሬታ ምሕጽንተኦም ኣቕሪቦም።