ኣመሪካ ብኮቪድ-19 ንዝተሃሰዩ ዝውዕል 900 ቢልዮን ዶላር ክትስልዕ'ያ

ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ ክትዕ፡ ኣመሪካውያን ኣመምቲ ሕጊ፡ ንሕውየት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰዩ ትካላትን ስራሕ ኣልቦ ሰባትን ዝውዕል ሓገዝ ኣስታት 900 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቖም።

ንዝቕጽሉ 9 ኣዋርሕ፡ ንመሳለጢ መንግስታዊ ዕዮታት ተባሂሉ ዝተሰልዐ ካልእ 1.4 ትሪልዮን ዶላር'ውን ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ሓገዝ ዝመጽእ ዘሎ፡ ቅድም ክብል ክወሃቡ ዝጸንሑ ምስ ኮቪድ-19 ዝዛመዱ ሓገዛት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ዘብቅዕሉ እዋን እዩ።

ስራሕ ንዘይብሎም ኣመሪካውያን ብመንግስቲ ክውሃብ ዝጸንሐ ሓገዛት ደው ክብል ምዃኑ ምስተሰምዐ፡ ነቶም ነዚ ሓገዝ ዝረኽቡ 12 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

እዚ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ እማመ፡ ናብ ተግባር ቅድሚ ምስግጋሩ፡ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝምጽእ ሰሙን ድምጺ ክህበሉ እዩ፡ ብድሕሪ እዚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክፍርመሉ ኣለዎ።

እዚ 900 ቢልዮን ዶላር ብኸመይ እዩ ክፋፈል?

እዚ ሓዲሽ ወጺኡ ዘሎ እማመ ንዝበዝሑ ኣመሪካውያን ‘መነቓቕሒ’ ተባሂሉ 600 ዶላር ንኽውሃቡ ዕድል ዝፈጥር ኮይኑ፡ ነቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ኸኣ ሰሙናዊ 300 ዶላር ንኽረኽቡ ክሕግዝ እዩ።

ልዕሊ 300 ቢልዮን ካብዚ ሰልዲ ከኣ፡ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተሃሰያ ትካላት ኣብ ምድጓምን ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ኩሉ ንኽባጽሕን ክሕግዝ እዩ።

ነቲ ብሰንበት ዝወጽአ እማመ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣባል ሰኔት ሚች ማክኮነል “ነቲ ሃገርና ንነዊሕ እዋን ሃንቀው ክትብሎ ዝጸንሐት ብስራት ሒዝና መጺእና ኣለና፡ ተወሳኺ ሓገዛት ክወሃብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ብምስዓብ “ነቶም ነዚ ሓገዝ እዚ ንነዊሕ ዝተጸበይዎን፡ ኣብ ጸገም ዘለዉን ኣመሪካውያን ዝሕግዝ” ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዓለማዊ ኩነታት ኮቪድ-19 እናተኸታተለ ሓበሬታ ዝህብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዝበሎ፡ ኣመሪካ ብብዝሒ መልከፍትን መጠነ ሞትን ኣብ ቅድሚት እያ ተሰሪዓ ዘላ።

ኣስታት 18 ሚልዮን ኣመሪካውያን ብኮቪድ 19 ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣብ'ታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ሞት 317,668 ተመዝጊቡ ኣሎ።