እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ
ኤርትራ: 18 ሚያዝያ 2020፡ ዕድሚኦም ካብ 22 ክሳብ 50 ዝኾኑ 3 ደቂ ኣንስትዮን 1 ወዲ ተባዕታይን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ድሕሪ ምግላጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ትሽዓተ መዓልታት ዝኾነ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ቁጽሪ ኣየመዝገበትን።
እታ ሃገር፡ ብ 21 መጋቢት 2020 ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ክትረክብ ከላ ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 39 ክብ ኢሉ።
ካብዞም 39 እውን ድሮ 30 ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተመለሱ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ በብመዓልቲ ክሕበር ዝጸንሐ ሓበሬታ የመልክት።
በዚ መሰረት ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ 9 ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ጥራይ ኣለው።
እዚ ኸኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ መዳውብታ ሃገራት ዝተሓተተ ቁጽሪ ኮይኑ ንረኽቦ።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ 22 ሚያዝያ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ምሉእ ዕጽዋ ንዘይተገለጸ እዋን ከምዘናወሖ ይፍለጥ።
እቲ ዕጽዋ ድማ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ'ቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብረኦም ዜጋታት ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ገሊጹ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን "ሕማም ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ - ሃንደበታዊ ኲናት እዩ። ብዛዕባ መበቈሉን ኣመጻጽእኡን ኰነ ናበይ ኪምዕብል ከምዝኽእል ንፈልጦን ክንግምቶ ንኽእልን ስለዘየለ፡ ብዘይካ ምርጋጥ ምሕያል፡ ሕርያ የለን" ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነዞም ትሑት ቁጠባዊ መነባብሮ ዘለዎም ንምሕጋዝ፡ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ይገብር ምህለው ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ነዚ እዋን ዕጽዋ ንምስጋር ሰባት ነቲ ዘለዎም ምስ ጎረባብቶም ይማቐልዎ ከምዘለው ገሊጾም። ብመንግስቲ ደረጃ ዝግበር ሐጋዛት ግን ኣዝዩ ድሩት ከምዝኾነ እቶም ምጭታትና ሓቢሮም።