ኣዋጅ ዕጽዋ ኣብ ኤርትራ ንዘይተፈለጠ እዋን ተናዊሑ

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ሎሚ 22 ሚያዝያ 2020 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ምሉእ ዕጽዋ ንዘይተገለጸ እዋን ከናውሖ ከምዘወሰነ ገሊጹ።

እቲ "ነብሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል" ዝድንግግ ኣዋጅ፡ ንተግባራውነቱ ጥቡቕ ምክትታል ክግበር ምጽንሑ ዘዘኻኸረ እዚ መግለጺ፡ ቀለቤት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምብታኽ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ እስትራተጂ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ መግለጺ፡ ናብ ኤርትራ፡ ብኣየር፡ ብባሕርን መሬታዊ ዶባትን ዝተመለሱ ገያሾን ምስኦም ቀረባ ምትእስሳር ዝነበሮም ብጠቕላላ ኣብ ኩሉ ዞባታት 1660 ሰባት ን21 መዓልታት ወሺቡ፡ ካብኦም በቲ ሕማም ንዝተጠርጠሩ ሕክምናዊ መርመራታት ብምክያድ 39 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ይሕብር።

ካብዞም 39 ኮሮናቫይረስ ዝተርኸቦም ሰባት፡ 3 ኣብ 18 ሚያዝያ ከምኡ'ውን ካልኦት 3 ብ21 ሚያዝያ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ኮይኖም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝጸንሐን ዝቕጽልን መመርሒ፡ ኣዝዮም ወሰንቲ ዝኾኑ ልምዓታውን ኣገልግሎታውን ንጥፈታት ቀጻልቶም ዘውሕስ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ'ቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብረኦም ዜጋታት ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ዘይምዃኑ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ይገልጽ።

ብምስዓብ፡ ኣብተን ንጥፈታትን ብምዕጻው ጥራይ ዘይኾነ፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታተን ክኸፍላ ተቐሲበን ዝጸንሓን፡ ንብሕጂ'ውን ብመሰረት'ዚ ኣዋጅ ዝቕጽላን፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ዝህልዎ ጸቕጢ'ውን ግሉጽ'ዩ ይብል።

ብዙሓት ሃገራት መሓውር ቁጠበአን ውሑስ ኮይኑ ንክቕጽል ንትካላት ከምዝዱጉማን፡ እቶም ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ዜጋታተን ንምሕጋዝ ገንዘብ ይድጉማ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እዚ ሎሚ ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝወጻአ መግለጺ ግን ጸገም ከምዘሎ ድኣ ይግለጽ እምበር፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ኣይገለጸን።

ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ "ኤርትራዊ መኸተ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ" ብዝብል መሪሕ ቴማ ብሚልዮናት ዶላራትን ናቕፋን ዝቑጸር ገንዘብን ዓይነታውን ሓገዛት ይገብሩ ከምዘለዉ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባ እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝወዓለን ከምዝውዕልን ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።

ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኣብ መግስቲ ኤርትራ እምነት ዘይብሎም ኤርትራውያን'ውን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ተበግሶታት ይወስዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።