እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን፡ ሃገሩ አብ መዓልቲ ናጽነታ ካብ ኮቪድ ናጻ ክትከውን የተስፉ
ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ ዜጋታቱ እንተድኣ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተኸቲቦም፡ ኣሜሪካ ኣብ መዓልቲ ናጽነታ 4 ሓምለ ካብቲ ቫይረስ "ናፅነታ ክትእውጅ" ምዃና የተስፉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረ፡ ክሳብ 01 ጉንበት፡ ግዝኣታት ኣመሪካ ንኹሎም ዓበይቲ ሰባት ንክታበት ከዳልዋ መምርሒ ከውርድ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ክታበት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡን ፀገም ጥዕናን ንዘለዎም ሰባት ጠመተ ዝገበረ እዩ ነይሩ።
ባይደን፡ ኮሮናቫይረስ ከም ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ዝተኣወጀሉ ቀዳማይ ዓመት እዩ፡ ነዚ መደረ ኣስሚዑ ዘሎ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ፍርቂ ሚልዮን ኣሜሪካውያን ሞይቶም እዮም።
ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት፡ ቀንዲ ስፖርታት ኣሜሪካ ዝተሰረዝሉን፡ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ተወሳኢ ቶም ሃንክስ’ውን በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ዘፍለጠሉን እዋን እዩ ነይሩ።
በዚ ኣየብቅዐን፡ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን፡ ካብ ኣውሮጳ ናብ'ታ ሃገር ዝግበሩ በረራታት ብምእጋድ፡ ኣመሪካ ንበዓል ፋሲካ ናብ ንቡር ከምትምለስ ኣተስፍዩ ነይሩ።
ሕዚ ፕረዝደንት ጆ ባይደን’ውን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣናእሽቱ ምትእኻኻባት መሊሶም ዝገሃድሉ መዓልቲ ብምብሃግ፡ ምስ ዜጋታቱ ኣገዳሲ ቆፀራ ተቛጺሩ'ሎ።
ባይደን፡ “እዚ ብሓባር እንተዓሚምናዮ፡ ኣርባዕተ ሓምለ፡ ንስኹም፣ ስድራኹምን መሓዙትኩምን፡ ብሓባር ኣብ ገደናኹም ኮይንኩም መዓልቲ ናፅነት ክተኽብሩ ኢኹም” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እታ ሃገር መዓልቲ ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ “ካብቲ ቫይረስ ሓራ ዝወፀትሉ” መዓልቲ ከምተኽበር'ውን ገሊፁ።
ብመሰረት እቲ ተታሒዙ ዘሎ ትልሚ ድማ፡ ኣብ ኩሎም ቦታታት ክታበት ናብ ኩሉ ሰብ ንክባፃሕ፡ ሓኻይም ስንን ሓኻይም እንስሳን ኣብዚ ወፍሪ ምኽታብ ክዋፈሩ ፍቓድ ተዋሂብዎም እዩ።
ካብ'ዚ ብተወሳኺ፡ ኣናእሽቱ ጉጅለታት ናብ ከባብያዊ ማሕበረሰብ ብምኻድ፡ ኣካል እቲ ወፍሪ ክታበት ንዘይኮኑ ክፋላት ማሕበረሰብ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝኸትቡ፡ እቲ ፕረዝደንት ገሊፁ።
ክሳብ መበል 100 መዓልቲ በዓለ ሽመቱ፡ 100 ሚልዮን ክታበት ክዝርግሕ እዩ ፕረዝደንት ባይደን ዓሊሙ ዘሎ፤ እንተኾነ እዚ ቁፅሪ ኣብ 60 መዓልቲ፡ ሸቶኡ ከምዝወቅዕ ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ፅቡቕ ዜና ከምዘሎ ኮይኑ፤ ፕረዝደንት ባይደን፡ ኣንፃር እቲ ቫይረስ ዝግበር ቃልሲ ከምዘይተዛዘመ ብምሕባር፡ ሰባት መምርሕታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፣ ምሕፃብ ኢድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምልባስን ከቐፅሉ ፀዊዑ።