ሞደርና ዝተባህለ ክታበት ንሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸል ተገሊጹ

ሞደርና ዝተባህለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ነቶም ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተረኸቡ ሓደሽትን ዝያዳ ተላባዕትን ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸል ተመራመርቲ እቲ ትካል መድሃኒት ሓቢሮም፡፡

በቲ ክታበት ምኽንያት ሰብነት ዘመንጭዎ ጸረ ጓና ኣካል (ኣንቲቦዲ) ነቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከለልዮን ክቃለሶን ከምዝኽእል ቀዳሞት ውጽኢታት ቤተ ፈተነ ይሕብሩ፡፡

ክታበት ኣብ ዝወሰዱ ሰባት እቲ ውጽኢት ይሰርሕ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ግን ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ተመራመርቲ ናይቲ ክታበት ገሊጾመ ኣለዉ።

እቶም ሓደሽቲ ዓሌታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብቕልጡፍ ይላብዑ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡

እቶም ለውጢ ሰረት ቅርጺ ዘምጽኡ ዓሌታት፡ ካብቲ ናይ መጀመርታ ኮሮረናቫይረስ ብዝበለጸ ንዋህዮታት ከጥቅዑ ዝኽእሉ እዮም፡፡

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ካብቲ ዝጸንሐ ብ 70 ምኢታዊት ዝሓየለ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ይገልጹ፡፡

እቶም ዛጊድ ማዕቢሎም ዘለዉ ክታበታት ነቲ ናይ መጀመርታ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝከላኸሉ እንትኾን፡ ተመራመርቲ ግን ዋላ ብውሑድ እንተኾነ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ክከላኸሉ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ፡፡

ኣብዚ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ፡ ክልተ ብልቃጥ ክታበት ናይ ዝወሰዱ 8 ሰባት ናይ ደም ቅምሶ መርሚሮም፡፡

እቲ ገና ብካልእ ኣካል ምርግጋጽ ዘድልዮ ውጽኢት፡ በቲ ክታበት ዝደንፈዐ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ነቲ ሓድሽ ዓሌት እውን ክከላኸሎ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ፡፡

እቶም በቲ ክታበት ዝማዕበሉ ጸረ ጓና ኣካል (ኣንቲቦዲስ) ምስቲ ቫይረስ ብምጥባቕ ናብ ዋህዮታት ከይኣቱ ገይሮምዎ፡፡

እቶም ነቲ ሓድሽ ቫይረስ ክቃልዑ ዝተገብሩ ቅምሶታት ደም፡ ነቲ ቫይረስ ክከላኸል ዝኽእል እኹል ዓቕሚ ከምዘለዎም እውን ኣመላኺቶም፡፡

ክታበት ሞደርና ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ብተቖጻጸርቲ ኣካላት ብሪጣንያ ፍቓድ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ፋይዘር ምስዝበሃል ካሊእ ክታበት ተመሳሳሊ ኣገባብ ዝኽተል እዩ፡፡

ኣብ ብሪጣንያ ዛጊድ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ሰባት ቀዳማይ ዙር ክታበት ኣስትራዘነካ ወይ ፋይዘር ወሲዶም ኣለዉ፡፡