ቀዳማይ ሚንስትር ሶማልያ ፍታሕ ዝሰኣነ ጉዳይ መረጻ ንኸብቅዕ ኣኼባ ጸዊዑ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለ መራሕቲ ኣባላት ፌደራል ዝኾና ግዝኣታት ሶማሊያ ኣብ ኣኼባ ክርከቡ ዓዲሙ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ዋላ’ኳ ንዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘናውሕ ውሳነ እንተሰረዘ ዛጊት መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ መረጻ እታ ሃገር መዕለቢ ንክረክብ ብዝብል’ዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ።

እቲ ንምኽክር ዝካየድ ኣኼባ ኣብ 20 ግንቦት ክካየድ ውጥን ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ግዝኣታት ፑንትላንድን ጁባላንድን ነቲ ዝተጸውዐ ኣኼባ ብዝምልከት ርእይቶአን ክህባ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ግዝኣታት ንመረጻ ኣመልኪቶም ዝካየዱ ዝርርባት ብተደጋጋሚ ብዘይፍረ ክዛዘሙ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ቅድሚ እቲ መረጻ ምክያዱ ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ከቕርቡ ብምጽንሖም’ዩ።

መንግስቲ መረጻታት ኣብ ምክያድ ዕውት ኣይኮነን ብዝብል ተቓውሞታት ክካየዱ ምጽንሖም ድማ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ እቲ ቐዳማይ ሚንስተር ነቶም ንሃገራዊ ምርጫ ኣመልኪቶም ዝግበሩ ዝርርባት ክመርሕ ሓላፍነት ሂብዎ’ሎ።

ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ ክናዋሕ ተሓሲቡ ዝነበረ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ምስ ሰረዞ ከኣ ሰራዊት ሶማሊያ ናብ መንበሪኡ ክምለስ ትእዛዝ ምሃቡ ይዝከር።

ዕምሪ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆ ብ8 ለካቲት 2021 ዘብቀዐ ኮይኑ፤ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ከናውሕ ብምፍታኑ ካብ መራሕቲ ክልላዊ ግዝኣታት ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎ።