እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት፡ ነብሰ ቕትለት ዝፍጽሙ ዘለዉ “ዝተረስዑ” ስደተኛታት
ዓሊ ጆያ ነቲ ምስ ዝፈትዎም ስድርኡ ዝተፈላለየ መሓዝኡ ሙጅታባ ቃለንደሪ ከም ቤተሰብ’ዩ ዝሕብሕቦ ነይሩ። ክልቲኦም ኣፍጋኒስታናውያን ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ ኮይኖም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝሰጋገሩሉ ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ ኣብ ምጽባይ ነይሮም።
“ብሩህ ኣእምሮ ዝነበሮ ስብ’ዩ ነይሩ። ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ተሰጋጊሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘላ ወላዲት ኣዲኡ ናይ ምሕጋዝ ሕልሚ ነይርዎ” ይብል ሙጅጣባ ብዛዕባ ዓሊ ክዛረብ ከሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ኩል ጊዜ ‘መጻኢ ህይወተይ ከመቻቹ ኣለኒ፤ ሰበይትን ቖልዓን ክህልዉኒ እደልይ’ እዩ ዝብል” ብምባል ይገልጽ።
እንተኾነ ትጽቢት ነዊሑ፤ ዓሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ። ዕድሚኡ ገና ካብ ዒስራታት ዘይሰገረ ዓሊ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ዝሰጋገረሉ ዕድል ተጸበይዩ’ዩ።
መሓዝኡ ዝሰኣነ ሙጅታብ ኣብ ከቢድ ስንባደ ይርከብ።
ኣተሓባባሪ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሞሓመድ ያሲን ከምዝብሎ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሞንጎ’ቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ዝነብሩ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ዓሊ ዝርከቦም 13 ስደተኛታት ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም።
ኩሎም እቶም ነብሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ስደተኛታት ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ንዝርከብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድል ካብ 6 ክሳብ 10 ዓመታት ክጽበዩ ምጽንሖም ይግለጽ። ኩሎም ድማ ኣብ 20ታት ዕድመ ነይሮም።
“ተረስዒና ኢና”
ትካል ስደተኛታት ዓለም [ዩኤን ኤች ሲ ኣር] ካብ ሞንጎ ዝመዝገቦም ስደተኛታት እቶም 2.7 ሚልዮን ኣፍጋኒስታናውያን እዮም። በዚ ምኽንያት ብብዝሒ ስደተኛታት አብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ብ 2001 ንዘካየደቶ ወራር ስዒቡ ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታ ከምኡ’ውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ዘይምርግጋእ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ፍልሰት ተሳጢሖም’ዮም።
ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣስታት 800 ሽሕ ኣፍጋኒስታናውያን ኣብ ኢንዶነዢያ ብዩኤንኤችሲኣር ተመዝጊቦም። ኣብታ ሃገር ክሰርሑን ክመሃሩን ኮነ ካልኦት ኣገልግሎታት ክረኽቡን ኣይክእሉን።
ሙጅታባ ንቲ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ኲናት ብምስጋእን ዝሓሸ ሂወት ብምምናይን’ዩ በዓልቲ ገዝኡን ወዱን ሒዙ ብ2015 ናብ ኢንዶነዢያ ኣትዩ።
ናብታ ሃገር ምስኣተዉ ድማ ክልተ ቖልዑት ወሲኾም። በዓልቲ ገዝኡ ከምእትብሎ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ትጽቢት ነዓኣን ንበዓል ገዝኣን ናብ ቃዝኖት/ጭንቀት ከምዘእተዎም ትዛረብ።
“ኣብ 2015 ብዩኤንኤችሲኣር ተመዝጊብና፤ ግን ከኣ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዘዘራረበና የለን። ተረሲዕና ኢና” ትብል እታ ጓል 34 ዓመት።
ኣተሓባባሪ ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ዝኾነ ሞሓመድ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸም ነብሰ ቕትለት ይውስኽ ከምዘሎ ምዕዛቡ ይዛረብ።
“ናይዚ ምኽንያት እቲ ብዩኤንኤችሲኣር ዝፍጸም ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምስግጋር ዕድም ምድንጓዩ እዩ። እቲ ዝሓጸረ ጊዜ ሽድሽተ ዓመታት’ዩ ዝወስድ። ፋይናንሳዊ ጸገማት፣ ዝጸልመተ መጻኢ፣ ጭንቀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ሰባት ህይወቶም ንኸጥፍኡ ምኽንያት እዮም” ክብል የረድእ።
“ንበይነይ ገዲፉኒ ከይዱ”
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት እውን ነቲ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብምስግጋር ክነብሩ ዝፍጠረሎም ዕድል ክጽበዩ ነዊሕ ዓመታት ዝወስደሎም ብምዃኑ ንተመሳሰልቲ ጸገማት ከምዝሳጥሑ ይፍለጥ።
መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ከምዝሕብሮ ብደረጃ ዓለም ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ምስግጋርን ቀዋሚ መንበሪ ምርካብን ዘድልዮም ኣስታት 1.4 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለዉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ካብ ዘለዎም ድልየታት፣ ጉዳይ ድሕነትን ሕጽረት ዓለምለኻዊ ቆላሕታን’ዩ።
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮነቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ 2019 29 ሚልዮን ስደተኛታትን ልዕሊ 4 ሚልዮን ሓተትቲ ዕቑባን ነይሮም።
ሙጂጣባ ሑሴን ካልእ ናይ ቀረባ መሓዝኡ’ውን ብሞት ተፈልይዎ’ዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ገዛ ሓቢርዎ ዝነብር ዝነበረ ወዲ 22 ዓመት ዓብዱል ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣከል ኣብ ኢንዶነዢያ ጸኒሑ።
ወዲ 36 ዓመት ዓብዱል ብስደት ኣብ ዘዕቖበላ ሃገር ኮይኑ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ክልተ ደቁን ክራኸብ ተስፋ ይገብር ነይሩ። ግን ከኣ ሙሁጅጣባ ከምዝብሎ “ተስፋ ብምቑራጹ ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ”። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ’ዩ።
ሙጅጣባ ግን ህይወቱ ቀጺላላ። ኣብዚ እዋን ኣብታ ምስ ዓብዱል ዝነብረላ ዝነበረ ንኢሽተይ መስኮት ዘላታ ጸባብ ገዛ ናብረኡ ይመርሕ ኣሎ። ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ክሳብ ዝሰጋገር እናተጸበየ ሲሶ ካብ ዕድሚኤ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ “ከምዝባኸነ” ይዛረብ።
ኣብ ኢንዶነዥያ ወኪል ዩኤንኤችሲኣር ኣን ማይማን ንማዕኸናት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ነብሰ ቕትለት ብሓዘን ዝሰብር’ዩ። ‘ብመንግስቲ፣ ብገብርቲ ናይ እታ ሃገር ኮነ ብዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ዝግበር ሓገዝ ቁሩብ’ዩ” ትብል።
እቶም ስደተኛታት ምስቲ ከባቢ ንኽልማምዱ ዩኤንኤቭሲኣር ከም ማእኸላት ምኽሪ ዝበሉ አግልግሎታት ጥዕና ኣእምሮ ማእከላት ምኽሪ ከጠናኽር ኣለዎ ትብል እታ ወኪል።
“ኣብ ህይወተይ ሕሱም ኣጋጣሚ”
ወዲ 42 ዓመት ሙሳ ሳዛዋር ኣፍጋኒስተናዊ ናይ ቴሌቪዥን ጋዜጠኛ እዩ። ነታ ነብሰጾር ኮይና ኣብ ጋዝኒ ገዲፍዋ ዝወጽአ በዓልቲ ገዝኡ ክዝክር ከሎ ብንብዓት እናተሓጸበ ምንባሩ ይዝክር።
“ወደይ ሸሞንተ ዓመት ኮይንዎ’ሎ፤ ብዓይነይ ግን ርእየዮ ኣይፈልጥን። ሓቚፈ ክስዕሞ ኣይተዓደልኩን” ይብል።
ሙሳ ምስ ስርሑ ብዝተሓሓዝ ካብ ዓመጽቲ ጉጅለታት ንዝበጽሖ ዝነበረ ምፍርራሕ ብምስጋእ ናብ ስደት ክወጽእ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን ቤተሰቡ ንሓሳቡ ኣይተቐበልዎን ነይሮም።
“በዓልቲ ገዛይ ‘ንደቅና ክከናኸኖም’የ’ ኢላትኒ” ይብል ሙሳ። ምስዓበዩ ብዛዕባ ኣቡኦም እንተዝፈልጡን ኣብ ርሑቕ ምህላዉ እንተዝንገሮምን ጽቡቕ’ዩ። ንስኻ ክትመውትን ብዘይኣቦ ክዓብዩን ኣይደልን” ትብሎ።
ንሱ ካብ ሃገሩ ምስወጽአ ሓደ ዓመት ምስኮኖ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበሮ ልኡኽቶ ዛዚሙ ወጺኡ። ኣሜሪካ’ውን ካብ ዝነበራ ሰራዊት ንብዙሓት ስሒባ። ኣብታ ሃገር ከኣ ዓመጽ ተጓሃሂሩ። በዚ ምኽንያት ብኣማኢት ኣሽሓት ኣፍጋኒስታናውያን ናብ ስደት ወጺኦም።
ኣብዚ እዋን ኣስታት 8000 ኪሎሜትሮ ካብ ቤተሰቡ ርሒቑ ዘሎ ሙሳ ነዓኣቶም ንምርካብ ናይ ቪድዮ ደወል ይጥቀም።
“ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ። ኣቦ እየ ክብል እውን ኣይክእልን። እቲ ፍታሕ ግን እንታይ እዩ? እዚ ዝኸውን ዘሎ ብምኽንያት እቶም ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታት’ዩ። ስደትን እቲ ካብ ሃገርና ንኽንወጻእ ዝገብረና ዘሎ ኩነታትን እዮም” ይብል ሙሳ።
ኣስዒቡ ድማ “ኣብ ህይወተይ ሕሱም ዝኾነ ጊዜ እቶም ካብ ዓደይ ርሒቐ ዘሕልፍክዎም ዓመታት’ዮም” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።