እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ዝመደቦ 121 ሚልዮን ዩሮ ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክወሃብ እማመ ኣቕሪቡ
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኤርትራ ክህቦ ዝመደቦ፡ 121 ሚልዮን ዩሮ፡ ክስረዝን ንሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክወሃብን እማመ ከምዘቕረበ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ።
እቲ ገንዘብ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ለውጥታት ክመጽእ፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ሰባዊ መሰላት ክመሓየሽን ንምትብባዕ ዝተመደበ ምንባሩ፡ ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ናይቲ ሕብረት ሓቢሩ።
እቲ ገንዘብ፡ ንዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ተባሂሉ ዝጸደቐ'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከይፈረመሉ ግዜ ብምውሳዱ፡ ናብ ካልእ መዓላ ክሰጋገር ተወሲኑ'ሎ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ 8 ካብቶም 9 ክፋላት ናይቲ ኣባላት ሃገራት ዘጽደቐኦ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ማዕከን ሕድሪ ኣፍሪቃ (EUTF) ንኤርትራ ክወሃብ ዝተመደበ ደገፍ ኣይተተግበረን። "ምኽንያቱ ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከየጽደቖ ንኣዋርሕ ተታሒዙ ስለዝጸንሐ'ዩ" ክብል እቲ ብጽሑፍ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ኮሚሽን ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ብሰኑይ፡ ነቲ ኤርትራ ምፍራም ዝኣበየቶ "ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ 121 ሚልዮን" ክስረዝ ናብቲ ውሳነታት ዝህብ ኮሚቴ ናይቲ ማዕከን እማመ ከምዘቕረበ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ "ኣባላት ሃገራት ነቲ እማመ ክሰማምዓሉ ኣለወን። ኣብ ቀረባ እዋን ውሳነ ንጽበ" ክብል ኣብቲ ንቢቢሲ ዝተላእኸ መልሲ ኣነጺሩ።
"ምትእትታው ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት'ውን ነቲ ኩነታት መሊሱ ሓላሊኽዎ'ዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን። ይኹን እምበር፡ እማመ ምቁራጽ ናይቲ ገንዘብ፡ ቅድሚ'ቲ ናይ ትግራይ ግጭት ምውልዑ'ዩ ተጀሚሩ ኢሉ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ'ቲ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ሕብረት "ብዛዕባ'ቲ ዝፈረሰ ህወሓት ዝፈጸሞ ዓበይቲ ገበናት ማንታ ሓሳብ ዘለዎ'ዩ ዝመስል" ኢሉ ነይሩ። እንታይ ገበናት ምዃኖም ግን ኣይጠቐሰን።
ቅትለት ዝርከብዎም ዓመጻት ፈጺሞም እናተባህሉ ዝኽሰሱ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
"ሕብረት ኣውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክቕጽል" ተኽእሎ ከምዘሎ'ውን እቲ ኮሚሽን ኣሚቱ'ሎ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን ዝጸንሐ ርክብ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እናሓርፈፈ ክመጽእ ምጽንሑን፡ ናይ ቃላት ዳርባ ክመላለሱ ምጽንሖምን ይዝከር።
እቲ ሕብረት ነቲ ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብምድጋፍ፡ ንዝህሉ ቁጠባዊ ውህደት ንምትብባዕ ገንዘባዊ ደገፍ ከምዝገበረ ይግለጽ።
እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ምምሕያሽ ሰባዊ መሰላትን ዘይምምጽኡ ነቲ ዝምድናታት ከምዝሓላለኾ ተንተንቲ ይዛረቡ።
እቲ ገንዘብ ናበይ'ዩ ክሰጋገር?
ካብቲ ንዝተፈላለየ መዓላታት ክሰጋገር ዝተወሰነ ገንዘብ፡ "62 ሚልዮን ዩሮ "ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምስግጋር፡ 18 ሚልዮን ድማ ነቶም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ዝርከቡ ስደተኛታት" ክውዕል እቲ ኮሚሽን እማመ ኣቕሪቡ'ሎ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ውሕስነት መግቢ ንምቅላል'ውን፡ 20 ሚልዮን ካብኡ ክሰጋገር'ዩ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ፡ ዓጸቦ ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ 20 ሚልዮን ካብቲ ንኤርትራ ዝተሓስበ ባጀት ነቲ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምፍንቓልን ስደተኛታትን" ክውዕል ተወጢኑ ኣሎ።