እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ዘይክኣሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ይዛረቡ
ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ወይ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ብምህዳም ናብ ሓደ ዉሑስ ቦታ ወይ ሃገር ምእታዎም፡ መከራኦም ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን።
ንኹሉ ነቲ ኣብ ጉዕዝኦም ዘጋጥሞም ኣስጋእቲ ዕንቅፋታት ሓሊፎም ብሰላም ናብቲ ዝወጠንዎ ወይ ክኣትውዎ ዝኸኣሉ ናይ መወዳእታ መዓልቦኦም ምስበጽሑ'ውን ዝተፈላለዩ ብድሆታት ይገጥሞም።
ፈለማ፡ ፈትዮም ጸሊኦም ምስ ዘይፈልጥዎ ቋንቋን ባህልን ናይቲ ዘዕቁቦም ሕብረተሰብ ክላለዩን ክመልኩን ይግደዱ። እዚ ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን መነባብሮም ወሳኒ ተራ ዘለዎ'ዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ኩሉ ብድሆታት ድማ፡ ብዛዕባ ስድራቤቶም፡ ደቆም፡ መጻምድቶም፡ ቤተሰቦም ምሕሳብን ምጭናቕን ዘይተርፍ ኩነት'ዩ።
ብፍላይ፡ እቶም ሰብሓዳርን ቆልዑ ዘለዎምን፡ ምስ ቤተሰቦም ዝጥርነፉላ መዓልቲ ብሃንቀውታ ዝጽበዩዋን፡ ድቃስ ለይቲ 'ትኽልኦምን ጉዳይ'ያ።
ጥርናፈ ቤተሰብ ስደተኛታት ዝሳለጠሉ እዋን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ'ዩ፡ ኣብ ገለ ቅልጡፍ ኣብ ካልእ ድማ ኣዝዩ ይድንጒ።
ኣብ ጀርመን ዝርከቡ፡ ልዕሊ 1000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን፡ "ብፍሉይ" ጉዳይ ጥርናፈ ስድራቤታቶም ዓመታት ከምዝወስድን፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊን ቁጠባውን ቅልውላዉ ከምዝኣተዉ ይዛረቡ።
ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንታይ'ዩ ኣጋጢምዎም ዘሎ?
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን እቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ኣብ ጎደናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራዊ ኪኢላ ሕጊ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ መኮነን ምስ ስጳኛዊት ብጸይቱ ሳራ ፓላሲዮስ ኣራፒለስን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣዳልዮም።
እቲ ብምትሕብባር 'ኢኳል-ራይት'ን 'ኢንተርናሽናል ረፊዩጂ ኣሲስታንስ ፕሮጀክት'ን ዝተባህሉ ተጣበቕቲ ጉጅለታት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ጀርመን ዝጠልብዎ ወግዓዊ ናይ መንነት ሰነዳት ሓደ ካብ ማሕንቖታት መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤታት ምዃኑ የነጽር።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ከም ፓስፖርት፡ ካርድ መንነትን ምስክር ወረቐት መርዓ፡ ጥምቀትን ልደትን ዝበሉ ሰነዳት ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
"ኤርትራ ብግቡእ ዝሰርሕ ስርዓተ-ሰነድ የብላን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ሂወት (ከም ልደትን መርዓን) ብዘይ ወግዓዊ ሰነድ ይተርፉ" ክብል 'ኢኳል-ራይትስ" ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር ወረቐት ምስክር ልደት ብስሩዕ ከምዘይወሃብን፡ እቲ ዝወሃብ ንባዕሉ ሓደ ከምዘይኮነን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምዝፈፈላለን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
"ከም ናይ ልደትን ካልኦት ኣገደስቲ ሰነዳት ምዕራፋት ሂወትን ናይ ፊደላት ጌጋታት ምርካብ'ውን ዘይልሙድ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ናይ ምድልዳል [standardisation] ጸገም ልሙድ ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ" ድማ ይብል።
ኪኢላ ዓለምለኻዊ ሕግን ሰባዊ መሰላትን ዝኾነ ዶ/ር ዳኒኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ናይቲ ጸብጻብ፡ ጥርዓናት እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ብምቕራብ ንጥብቅናን ምጉትን ከገልግል ትጽቢት ከምዘሎ ይገልጽ።
ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝወጹ ስደተኛታት ሰነዳዊ መርትዖታት ከቕርቡ ዝኽእልሉ መንገዲ ጸቢብ ምዃኑን፡ እቲ ዝቐርበሎም ዘሎ ቅጥዕታት ከኣ ርትዓዊ ከምዘይኮነን ይዛረብ።
"ንሓደ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝመጸ ስደተኛ: (ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ከምኡ ስለዝኾኑ ማለት'ዩ)፡ ካብቲ ናይቲ ሃዲሙ ዝመጸሉ ሃገር ኤምባሲ ከይዱ፡ ወረቐት ሰነድ ወይ ካልእ ነገራት ከምጽእ ክትሓቶ ቅቡል ኣይኮነን።
"ምኽንያቱ ናብታ ዝሃደምካላ ሃገር ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ፡ ወይ ከኣ ናብ ተደናጋጽነትን ምሕረትን ናይቲ ንዕኡ [መንግስቲ] ዝውክል ኤምባሲ ተመለስ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ።
እዚ ድማ፡ "ምስቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝራጸም'ዩ" ዝብል ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ፡ ናብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኪዱ ምባል ነቶም ስደተኛታት "ሓደጋታት ኣለዎ" ብምባል ይነቅፍ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ንቢቢሲ ትግርኛ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጉዳያት ምጥርናፍ ስድራቤት "በብሓደ ዝረአ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ንመንነትን ውልቀሰባትን ስድራቤቶም ንምርግጋጽ፡ ሰነዳት ምቕራብ ሕጊ ዘገድዶ'ዩ ኢሉ።
"ናይ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢን፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኤምባሲታትን፡ ኤርትራውያን ኣባላት ስድራቤት ናይቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ስደተኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ይግንዘቡ'ዮም።
"ኣገዳስነት ስድራቤታዊ ጥርናፈ ብምርዳእ፡ ሕጊ ብዘፍቅዶ መጠን ክንድግፍ ንፍትን ኢና። መጠን ናይ ክቐርብ ዘለዎ ናይ መርትዖታት ኣማራጺታት ኣብ ኩነታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ዝምርኮስ'ዩ" ይብል ኣፈኛ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሩበን ሽዋርዝ።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ተሪር ፖሊሲ መንግስቲ ጀርመን ስድራቤታት ተበታቲነን ተሪፈን ከምዘለዋ፡ እቲ በቶም ናይ ሕጊ ኪኢላታት ዝተዳለወ ጸብጻብ ይምስክር።
ምድንጓይ ዘስዓቦ ጭንቀትን ጸቕጥን
እቲ ኩነታት ኣብ ሂወት ብዙሓት ካብቶም ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ጠለባት ዘቕረቡ'ሞ፡ ዘይሰለጦም ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ገብረእግዚኣብሄር ጽገ (ገሬ) ሓደ ካብዞም ናይ ጥርናፈ ስድራቤት ጸገም ኣጋጢምዎም ዘሎ ስደተኛታት'ዩ። ኣብ 2016 ዕቑባ ተዋሂብዎ፡ ድሕሪ 3 ወርሒ ድማ፡ መስርሕ ጥርናፈ ስድራቤት ጀሚሩዎ፡ እንተኾነ ግን፡ ከይሰለጦ 5 ዓመታት ኣሕሊፉ'ሎ።
ነቲ መስርሕ ንምስላጥ ዝምልከቶም ሰብመዚ ጀርመን፡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብምኻድ፡ 2 ካብ ሚእቲ ከፊልካ፡ ኣድላዪ ሰነዳት (ፓስፖርትን ናይ ክብሪ መዝገብን) ስድራቤቱ ኣምጽእ ከምዝበልዎ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፡ ናብቲ ዝሃደመሉ መንግስቲ ክኸይድ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ከምዝሓበሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብዓልቲ ቤቱ ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቆም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘላ ዝገልጽ እቲ መንእሰይ ስደተኛ፡ ናፍቖቱ ንምውጻእ ናብ ኢትዮጵያ ክመላለስ ተገዲዱ'ዩ ጸኒሑ። ደቁ "ጸሊእካና እምበር፡ እንታይ ኴንካ ዘይትወስደና፡ ምሽ ካልኦት ይኸዳ ኣለዋ" ክብለኦ ከለዋ ስምዒቱ ከምዝትንከፍ'ውን ብምረት ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘስግኦ ዝዛረብ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኤርትራውያን ይግፈፉ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ከምዝበጽሖን ብዛዕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰበይቱን ደቁን ሻቕሎት ከምዘለዎ ይገልጽ። መንግስቲ ጀርመን ነቲ ኩነታት ተረዲኡ "ቅልጡፍ ፍታሕ" ክገብረሎም ድማ ይምሕጻን።
"ኩሉ'ዩ ኣንጻርና ኮይኑ ዘሎ ሕጂ፡ መንግስቲ ጀርመን ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻርና ኮይኑ'ሎ" ብምባል ምረቱ ይገልጽ። ሰብመዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእትዉ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ክብገስ ከሎ፡ ናብተን ስድራቤቱ ቀልጢፈን ከምጽኣሉ ይኽእላ'የን ዝበለን ሃገራት ኣውሮጳ ክኸይድ'ኳ ውጥን እንተነበሮ፡ ትምኒቱ ክሰምረሉ ስለዘይክኣለ ኣብ ጀርመን ዕቑባ ክሓትት ተገዲዱ።
"ተስፋ እገብር፡ እዛ ነብሰይ ዕረፍቲ ረኺባ ክርእያ፡ እተን ደቀይ ካብቲ ዘሎ ሽግር ወጺአን፡ ኣብዚኣ ምሳይ ተሓቚፈን ክርእየን ተስፋ እገብር" ብምባል ድማ፡ ሕልሙ ጋህዲ ክኸውን ይምነ።
ስለምንታይ ካብ ሃገሩ ከምዝወጸ ክዛረብ እንከሎ፡ "ወተሃደር ኮይነ ዕድመይ ኣብ ባርነት ከሕልፎ ኣይደለኹን . . . ዝገርመካ፡ 24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት'የ ካብ ኤርትራ ወጺአ። ኣብታ ወለደይ ዝወደቑላ ሃገረይ ክነብር ኣይተዓደልኩን" ይብል።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን "ከም ሰብ መሰል የብልካን፡ ግቡእካ ግበር ጥራይ ኢኻ ትብሃል። ሐራይ፡ ሰብ ኣብ ሃገሩ ግቡኡ ክገብር ጽቡቕ'ዩ። መሰል ከኣ ክሓትት ንቡር'ዩ።
"መሰል ትረኽበሉ እንድሕር ኮይኑ፡ ዋላ መስዋእቲ ክትከፍለሉ ትኽእል ኢኻ። ግቡእካ ጥራይ ትገብር ትብሃል እንተዄንካ፡ መሰል እንተ ሓቲትካ ድማ ብዓይኒ ጥርጣረ ትረአ እንተዄንካ ግን ባርነት ተሕልፍ ኣለኻ ማለት'ዩ።"
በራኺ (ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ) ካልእ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2014 ናብ ሱዳን ድሕሪ ምውጽኡ፡ ምድረበዳ ሳሃራ ኣቋሪጹ ናብ ሊብያ ኣትዩ ንኣዋርሕ ተዳጒኑ። ጉዕዝኡ ብምቕጻል ከኣ ካብቶም ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ "ውጻእ መዓት" ዝብሃሉ ስደተኛታት'ዩ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ናብ ጀርመን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተተ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ስለምንታይ ካብ ኤርትራ ከምዝወጸ ምስተሓተተ ድማ፡ "ወትህድርና" ዝብል ሓጺር መልሲ'ዩ ኣቐዲሙ። ናይ በራኺ ካብ ብዙሓት ስደተኛታት ብጾቱ ፍልይ ዘብሎ ግን ኣሎ። ንሱ፡ ኣብቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረ ተጋዳላይ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ዋላ'ኳ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኲናት መውጋእቲ እንተጋጠሞ፡ ክሳብታ ካብ ሃገሩ ዝወጸላ እዋን ኣብ ሰራዊት'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2016 ከኣ ዑቕባ ተዋሂብዎ፡ ናብራ ስደት ሓደ . . . ኢሉ ተተሓሒዙዎ። ብድሕሪኡ ምስ ስድራኡ ክጥርነፍ ዘቕረቦ ሕቶ ግን ክሳብ ሎሚ ኣይሰለጦን።
"ስድራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ። ቅድሚ ምውጽኦም ግን፡ ኣብ 2017 ሰበይተይ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲራ ነይራ" ይብል። መዳጎኒ ሓሽፈራይ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑሉ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሓጋዝ (ሓጋድ) ዝርከብ መዓስከር'ዩ።
ብተሌፎን ምስ ደቁ ከምዝራኸብ ዝዛረብ በራኺ፡ "ናብቲ ዘለኻዮ ሃገር ኢኻ ክትወስደና ስለዘይደለኻ. እምበር . .ናይ ስዊዝ፡ ናይ ስዊድን፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ድኣ ኣትዮም እንድዮም. . . ምሳኻ ክንከውን ስለዘይደለኻ ኢኻ 'ምበር ኢሎም ምዝራብ ይኣብዩኒ" ክብል ንዘለዎ ስቅያት ይገልጽ።
"መንግስቲ ጀርመን፡ ናይቶም ቆልዑ ናይ ክብሪ መዝገብ [ካብ ኤርትራ] ኣምጽኡ ኢሉ ስለዘሸገረና፡ ንሱ ኸኣ ብቐሊሉ መንገዲ ክንረክብ ስለዘይክኣልና፡ ዓጽዩና'ሎ ማለት'ዩ" ዝበለ እቲ ስደተኛ፡ ዘቕረብዎ ናይ ክታበት ካርድታትን ናይ ቃል-ኪዳን ሰነድን ክቕብልዎም ከምዘይክኣሉ'ዩ ዝዛረብ።
ኣብ ክንድኡ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ከምዝተሓተቱን፡ እንተኾነ ግን "እዚ ኸኣ ዘይከውን'ዩ፡ ናብቲ መንግስቲ ኬድካ ናይ ጣዕሳ ምላእዶ ከምዚዶ ከምዚዶ ስለዝብሉ፡ ንሕና ኸኣ ክንከይድ ስለዘይደለና ናብኡ፡ ናይ ጣዕሳ ንመልኣሉ መንገድታት የብልና፡ ከነምጽእ ኣይንኽእልን ኢና ኢልናዮም" ይብል።
"ምስ ኣንስትናን ደቅናን ክንባተኽ ቅሩብ'ዩ ተሪፉና ዘሎ፡ ብሰንኪ ምድንጓይ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ጭንቀትን ኣብ መከራን'ዩ ወዲቑ ዘሎ። ዘስደምም'ዩ ወሪዱና ዘሎ ንሕና።"
ሓደ ካብቶም ስደተኛታት፡ ምስ ብዓልቲቤቱ ክጥርነፍ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ብሰንኪ ዘይምርካቡ፡ ኣብ ፍጹም ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ከምዝወደቐን፡ ብዓልቲቤቱ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ከምዝተገደደትን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎን እዞም ስደተኛታት ይምስክሩ።
ኣማሲኡ'ኸ እቲ ፍታሕ እንታይ'ዩ ክኸውን?
እቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ስደተኛታት፡ ሰማዒ ንምርካብ ብውልቅን ብእኩብን ዘይፈተንዎ ነገር ከምዘየለ'ዮም ዝዛረቡ።
ጉዳያቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ምውሳድ ሓሊፎም ሰላማዊ ሰልፊ ብምውዳብ፡ ጥርዓናቶም ከቕርቡ ፈቲኖም።
ብዙሓት ብምዃኖም ከኣ፡ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆ ፍታሕ ንምርካብ፡ ሓደ ነቲ ዘካይድዎ ንጥፈታት ንምውህሃድ ዝሰርሕ ማሕበር ከምዘለዎም እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ገሊጾም።
እዚ ማሕበር ጥርናፈ ቤተሰብ ኣብ ጀርመን፡ ብተበግሶ ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ኣስታት 1600 "ብሽግሮም ዝተራኸቡ" ኣባላት ከምዝውክል ኣባል ኮሚቴ ዝኾነ ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣራኣእያ ዘለና ሰባት ኢና። ግን፡ ማሕበራዊ ሽግርና ስለዝበርትዓና፡ ቁሊሕ ዝብለና መንግስቲ ስለዘይረኸብና፡ ንጉዳይ ኤርትራውያን ትሕቲ ባይታ ስለዝጸቐጦ ሓፍ ኢልና ተሲእና" ይብል።
ከምኡ ብምግባሮም ጉዳዮም ብተጣበቕቲ ጉጅለታት ኣቓልቦን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ሓደ ሓደ ክሰልጦም ከምጀመረን'ውን ይሕብር።
እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ናይቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ጉዳያት ኣብ ኤምባሲታት ጀርመን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተታሒዙ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።
ዶ/ር ዳኒኤል፡ እቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ምፍታሕ እቲ ጸገም ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ "ንዓና ግን ዘገድሰና፡ መሰል ናይ ወገናትና፡ ኣሕዋትና፡ ኣሓትና ክጓዳደል ከሎ፡ ትም ኢልና ኣይንርእን፡ ከምኡ ስለዝኸነ ኸኣ ብዓቕምና ዘፍቅዶ ንገብር" ኢሉ።
ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እንታይ'ዩ?
ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝብልዎ፡ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዘገደዶም እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ገደብ-ኣልቦ" ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና'ዩ።
እቲ ኣብ 1994 ዝጀመረ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ'ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን-ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ "መወዳእታ-ኣልቦ" ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ተጣበቕቲ መሰላት ይሕብሩ- ዋላ'ኳ ኣብ መንጎ ሓሓሊፉ ናይ ምጥያስ ስጉምትታት ይውሰድ እንተነበረ።
መንእሰያት ኤርትራ፡ ብገለ ምኽንያት ናብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት እንተ ዘይተመሊሶም ወይ ዘጣይሶም ምኽንያት (ስንክልና፡ ሕዱር ሕማም፡ ማህደረ-ትምህርቲ፡ ወዘተ) እንተ ዘይረኺቦም፡ ንእስነቶም ኣብ ውትህድርና ከምዝሓልፍ ዝተወደአ ነገር'ዩ።
ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ መንጎአን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ተጻብኦታትን ኩነተ-ኲናትን መወዳእታ ዝገበረሉ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ምስ ተፈረመ፡ ጉዳይ "ገደብ-ኣልቦ" ዕስክርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ መፍትሒ ክረክብን ናብ ንቡር (18 ኣዋርሕ) ክምለስን ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ዋላ'ኳ ገለ ሰበስልጣን ምምሕያሽ ክግበር ምዃኑ ኣሚቶም እንተነበሩ፡ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎ ፖሊሲ ንምቕያር ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ኣይተራእየን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ምእታዉ፡ መንሰያት ኤርትራ ካብ ዕስክርና ናጻ ክኾንሉ ዘሎ ተኽእሎ መሊሱ ኣጽቢብዎ'ሎ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ከም ወተሃደራትን ስደተኛታትን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡ።
ኣብ መቓን እቲ ግዱድን "ገደብ-ኣልቦን" ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዝፍጸም ዝተፈላለዩ ምግሃስ መሰላት ከምዘሎ'ውን ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት፡ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበን ሰፊሕን ምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ትካላት ስለያ ምዕራባውያንን ዞባውያንን ሃገራት ዝወደብዎ ምዃኑ'ዩ ክኸስስ ጸኒሑ። ይኹን እምበር ዶ/ር ረዘነ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ከምዘዘራረበ ብምጥቃስ "ተታሊለ ወጺአ ዝብለኒ ዋላ ሓደ ሰብ ኣየረኸብኩን" ብምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምጉት'ዩ ክብል ይነጽጎ።