ጀርመን ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤት ትኽተሎ ሕጊ ክተፍኩስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ መሰሎም ክኽበረሎም ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም ዝተሳተፉን ጠለባት ናብ ዝምልከቶ ኣካል፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ከም ዘቕረቡን ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ኣዳለዊ መደብ መስትያት ቤትናን፡ ዘካርያስ ክብረኣብ ንበቢሲ ሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት "ደቕና ናፊቕና፡ ምፍልላይ ይኣክል፡ ክሳብ መዓስ ኢና ምስ ስድራና ተፈላሊና ክንነብር" ክብሉ ድምጾም ኣስሚዖም።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣባላት ስድራቤቶም ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ኬንያን ዝርከቡ ኮይኖም ስድርኦም ንምእካብ ተጸጊሞም ከም ዘለው እዮም ዝገልጹ።

ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም፡ ሕትኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ስደተኛታት ስድርኦም ክጥርንፉ መሰል እኳእንለዎም፡ ነዚ መሰል ክረኽብዎ ክሳብ ሸሞንተ ዓመታት ክጽበዩ ይግደዱ ከም ዘለው ነዚ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ ሰልፊ ከም ዝወጹን ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንመስትያት ቤትና ተዛሪቡ።

እዚ ኣሰርሓ ብፍላይ ድሕሪ 2015 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብታ ሃገር ክኣትው ምስ ጀመሩ ዝመጸ ምዃኑ ዝገልጽ ዘካርያስ፡ "እቲ ኣብ ኤምባሲታት ዝወሃቦም ቆጸራታት ይነውሕ፡ እቲ ከቕርብዎ ዝሕተትዎ ወረቐት'ውን ከቕርብዎ ዘይኽእሉ ስለ ዝኸውን፡ እቲ ዝወስዶ ግዜ ይነውሕ ወይ ይንጸጉ" ብምባል ንቡር ናብርኦም ንምምራሕ ይጽገሙ ከም ዘለው ይዛረብ።

እቲ ሰልፊ ከባቢ ሰዓት 11 ፍሪድሪሽ ስትራዘ ዝበሃል ጎደና ማከእል ከተማ በርሊን ተበጊሱ ናብቲ ቤትጽሕፈታት ቻንስለር ጀርመን፡ ባይቶ ጀርመንን ብርክት ዝበላ ኤምባሲታት ዝርከበሉ ስፍራታት እዩ ተኻይዱ።

"ኣብ ፊት ባይቶ ጀርመን ኮይኖም ድምጾም ድሕሪ ምስማዕ ኦስዋርቲግስ ኣም ኣብ ዝበሃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ድምጾም ኣስሚዖም ጥርዓኖም ብጽሑፍ ኣቕሪቦም" ኢሉ ዘካርያስ።

ጀርመን ክትክተሎ ዝጸንሐት ስድራቤት ናይ ምጥርናፍ ሕጊ ክፎክስ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኤርትራ ከምጽኡዎ ዝሕተትዎ፡ ክረኽብዎ ዘይኽእሉ ወረቓቕቲ ከቕርቡ ዝጠልብ ሕጊ ክቕየረሎም፡ ዝብሉ ጠለባት ኣቕሪቦም ኣለው።

ጀርመን መንግስታዊ ወረቓቕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ኮነ ካብ መስጊድ ንዝወሃብ ሃይማኖታዊ ወረቓቕቲ ከም ዘይትቕበል ዝሓበረ ዘካርያስ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ጥምቀትን ናይ ቃልኪዳንን ወረቓቕቲ ካብ ቤተክርስትያን ጥራይ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር፡ ሽግር ገጢምዎም ከም ዘሎ ይዝረብ።

ዘካርያስ፡ ወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ነቲ ወረቐት ተቐቢሉ ከም ዘሎ ብምግላጽ መልሲ ንምርካብ ቅሩብ ምጽባይ ከድልይ ከም ዝኽእል ኣገንዚቡ።