‘ግድብ ህዳሰ ማይ ይመልእ ኣሎ ኣይበልኩን’- ሚኒስተር ማይ ኢትዮጵያ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ማይ ምምላእ ከምዝጀመረ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዶ/ር ስለሺ ገሊጹ ዝብል ጸብጻብ ግጉይ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ናይ ምምላእ መስርሕ፡ ንህንጸት ናይቲ ግድብ ብዘይትንክፍ መልክዑ ይካየድ ከምዘሎ ነቲ ሚኒስተር ሓቢሩ፡ መንግስታዊ ሜድያ ኢ-ቢ-ሲ ጸብጺቡ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ ኢቢሲ፡ ነቲ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ዝዘርገሖ ጸብጻብ 'እቲ ዝተጀመረ ስሉሳዊ ዘተ ከምዝቕጽል' ብዝብል ዝተከኣ ኾይኑ፤ ጸኒሑ ድማ ንኣንበብቲ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ሚኒሰተር፡ እቲ ግድብ ዓሚ በጺሕዎ ካብ ዝነበረ 525 ሜትሮ ብራኸ ሎሚ ዘበን ናብ 560 ሜትሮ ሓፍ ምባሉን፡ እቲ ማይ ነዚ ብራኸ ዘሊሉ ክሳብ ዝኸይድ ከምዘዕቁርን ኣብሪሁ ኣሎ።

"ኢቢሲ ግን እቲ ዝበልክዎ ብጌጋ እዩ ተርጒሙ ተረዲእዎ" ኢሉ።

ቢቢሲ'ውን ኣቐዲሙ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ።

ስሉሳዊ ዘተ

ምስ ግድብ ህዳሰ ተዛሚዱ ዝካየድ ዘተ፡ ብዛዕባ ዕጫ መጻኢ ወለዶ'ውን ዝምልከት ከምዝኾነ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ከም ዝሓበረ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ስሉሳዊ ዘተ፡ ካብ ኬንያ፣ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ማሊ፣ ማዳጋስካርን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተውጻጽኡ 11 ሰብ ሞያ ከም ዝተሳተፉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ኣብ ምንታይ ዝብል ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።