እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕዳር ትራምፕ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሓንጸጾ ውጥን ሰሪዙ
ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቶም ብኦንላይን ክከታተሉ ዝተገደዱ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝሓዞ ውጥን ገዲፍዎ።
እቲ ውጥን ዕላዊ (ወግዓዊ) ካብ ዝግበር ኣብ ውሽጢ ሰሙን'ዩ ተሰሪዙ ዘሎ።
ሽዑ፡ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ብኣካል ተረኺቦም ትምህርቶም ክከታተሉ እንተዘይክኢሎም ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑ ከም ዘይፍቀደሎም ተሓቢሩዎም'ዩ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ወርሒ መጋቢት ነናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ተምሃሮ ድማ ብኢንተርኔት (ኦንላይን) ክከታተሉ ብምጅማሮም ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ሕጊ ዘየኽብሩ ተምሃሮ እንተተረኺቦም ናብ ሃገሮም ጠቕሊሎም ከምዝስጎጉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ጉምሩክን ዝከታተል ቤት ዕዮ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይግለጽ።
ተምሃሮ ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተወጠነ ውጥን ዝተቓወሙ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሴትስን ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድን ንመንግስቲ ከሲሶም ነይሮም።
ሕዚ ግን እቶም ትምህርቶም ብኦንላይን ዝከታተሉ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ሕጋውያን ኮይኖም ክጸንሑ ከምዝተፈቐደ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ።
በብዓመቱ ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ትምህርቶም ንምክትታል ብዝብል ዕላማ ናብ ኣሜሪካ ይጓዓዙ።