ኮሮናቫይረስ፡ ውሳነ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቪዛ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ንብዙሓት ኣቖጢዑ

ዝተፈላለያ ትካላት ትምህርቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኢለን መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ብኣካል ብመርበብ [ኦንላይን] ክህባ ጀሚረን ኣለዋ።

ነዚ ስዒቡ እምበኣር ኣብ ኣመሪካ ዝምሃሩ ዜጋታት ወጻኢ ነናብ ዓዶም ክኸዱ ተወሲኑ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ንጉዳይ ዜጋታት ወጻኢ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ኣይስ [ኢሚግሬሽን ኤንድ ከስተምስ ኢንፎርስመንት]፡ እቶም ተምሃሮ ብኦንላይን ጥራሕ ዝመሃሩ እንተድኣኾይኖም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዘላቶም እንኮ ኣማራጺ ዝመሃርሉ ትካል ትምህርቲ ብምቕያር ብኣካል ክመሃርሉ ዝኽእልሉ ባይታ ምእላሽ ከምዝኾነ'ውን ገሊጹ።

ብዙሓት ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሻቕሎት ኮይኑ ስለዝቐጸለ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እውን እንተኾነ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር 'ብኦንላይን' ንምጅማር ተሊመን ኣለዋ።

በዚ ምኽንያት ክንደይ ተምሃሮ ኣብ ጸገም ከምዝወድቁ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ንግዚኡ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ናብ ኦንላይን ኣብ ዝቐየራ ትካላት ትምህርቲ ትምህርቶም ዝከታተሉ ተምሃሮን ንሓጺር እዋን ኣብ ኣመሪካ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ተምሃሮን ክሳብ ዝወድኡ ኣብታ ሃገር ከምዝጸንሑ ተገሊጹ'ዩ።

እዚ ኩነታት ግን ኣብ መጻኢ ናይ ትምህርቲ ዘበን ተግባራዊ ከምዘይኸውን ተሓቢሩ። እዚ ውሳነ ኤፍ1 ን ኤም1ን ዝዓይነቶም ቪዛ ንዘለዎም ተምሃሮ ከምዝሓውስ መግለጺ ኣይስ የረድእ።

ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ናይ ቀጻሊ ዓመት ምምሃር ምስትምሃር ብኦንላይን ከምዝገብሮ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ዝሓድሩ ተምሃሩ እውን ትምህርቶም ብኦንላይን ክከታተሉ እዮም።

ትሽዓተ ምኢታዊት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ካብ ቀጻሊ ዓመት ሓጋይ ጀሚረን ስሩዕ ትምህርተን ብኦንላይን ንምሃብ ከምዝወሰና ሓበሬታ ክሮኒክል ኦፍ ሃየር ኢዱኬሽን የረድእ። እቲ ውሳነ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክቕየር ከምዝኽእል ድማ የመልክት።

ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ ላሪ ባኮው፡ ኣይስ ንዘውጽኦ መምርሒ ተቓዊምዎ።

ሴናተር ዴሞክራት ኤልዛቤት ብግድኣ ንውሳነ ኣይስ "ዩኒቨርሲታት ዝህብኦ ትምህርቲ ብኦንላይን ክኸውን ብምውሳን ተምሃሮ ካብ ኣመሪካ ንኽወጽኡ ምግባር ጭካነ'ዩ" ድሕሪ ምባል ጸረ ዜጋታት ደቂ ወጻኢ ክትብል ነቒፋቶ።

ንኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ሓዊስካ ብዙሓት ሰባት ነቲ ውሳነ ዝኾነንዎ ኮይኖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዝቕመጡ ዜጋታት ኮነ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘሎ ናይ ሰዓት ኣፈላላይ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘይእተወ እዩ ክብሉ ነቒፎምዎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝ ፍሎሪዳ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ፓኪስታናዊ ሙሓመድ ኤሃብ ራሱል እቲ ውሳነ ንተምሃሮ ደቂ ወጻኢ ዘሰምበደ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

"ከም መጠን ተምሃሮ ዓለም ለኻውያንን ኣብ ኣመሪካ ውሑዳን ከም ምዃንና መጠንን ኣብዛ ሃገር ንኽትጸንሑ ዘኽእል ምኽንያትኩም ኣቕርቡ ምባልሎም ኣሻቓሉና'ሎ" ኢሉ።

"ኣብተን ዩኒቨርሲታት ትምህርትና ክንቅጽልን ዘይክንቅጽልን'ኳስ ንፈልጦ ነገር የብልናን። ብጣዕሚ ዘጨንቕ ጉዳይ ኮይንና'ሎ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።