እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀርመን 300 ስደተኛታት ካብ ኒጀር ክትወስድ ንዝኣተወቶ ቃል ከምእተኽብር ሰብመዚ ገሊጾም
ጀርመን ኣስታት 300 ካብቶም ኣብ ኒጀር ኣብ ዝርከብ መሰጋገሪ ማእከል ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ክትወስድ ዝኣተወቶ ቃል ከምእተኽብር ሰብመዚ’ታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ብደገፍ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ዝተወስዱ’ዮም። ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሳብ ዝሰጋገሩ ድማ ኣብቲ በቲ ትካል ዝካየድ ግዝያዊ ማእከል ይጸንሑ።
ይኹን እምበር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ እቲ ትጽቢት ነዊሕዎም ተቓውሞ ኣካይዶም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝገልጹ ኣስታት 150 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ከተማ ንያመይ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛኣታት ሕቡራት ሃገራት ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ የካይዱ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ሰብመዚ ጀርመን ከምዝሓበርዎ፡ ምስርሕ ምስግጋር ናይቶም ስደተኛታት “ብሰንኪ እቲ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ከምዝተዳናጎየ፥ ተዛሪቦም።
“ጀርመን ንዝኣተወቶ መብጽዓ ንምኽባር ድልውቲ ኣላ” ክብሉ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ሓቢሮም ኣለዉ።
እዞም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ሊብያ ዘሎ ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር፡ ርዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ከም ዝግዕዙ ክግበር ጸኒሑ እዩ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከም ዝተወስዱ ዝገልጹ እዚም ስደተኛታት፡ ናብ ጀርመን ክግዕዙ ኩሉ መስርሓት ቅድሚ ዓመት ከም ዝዛሙ እዮም ዝገልጹ።
ሓላፊት ወኪል ዩኤንችሲኣር ኣብ ኒጀር ኣሌክሳንድራ ሞረሊ ግና ጉዳዮም ምስ ጀርመን ከም ዘሎን ዩኤንኤችሲኣር ክገብሮ ዝኽአል ከም ዘየሎ ብምግላጽ ተቓውምኦም ደው ከብሉ ከምዝተማሕጸነቶም ንቢቢሲ ሓቢራ ነይራ።
እቶም ስደተኛታት ቆልዑ፡ ደቂኣንስትዮን ስነኩላንን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ብዘይ መግብን ማይን ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሰለማዊ ሰልፈ ከካይዱ ከምዝተገደዱ’ዮም ዝዛረቡ።
ብዘይካ እዞም ንጀርመን ዝጽበዩ ስደተኛታት ካልኦት ናብ ብሪጣንያ ንምኻድ ተዳልዮም ዝነበሩ'ውን ከባቢ 29 ስደተኛታት'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ገጢምዎም ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሮም።