ፖሊስ ዓዲ-እንግሊዝ 9 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ስደተኛታት ምዃኖም ዝተጠርጠሩ 9 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ፖሊስ ዓዲ-እንግሊዝ ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ ካብ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ፡ ኣብ ሽፍንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተረኽቡ ፖሊስ ቴምስ ቫሊ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ እቶም ኣብ ከባቢ ከተማ ኦክስፎርድ ዝተታሕዙ ሰባት ኤርትራውያን ምዃኖም ባዕሎም ከም ዝሓበሩን፡ ብሰብመዚ ኢሚግረሽን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለዉን ገሊጹ።

“ነቶም ነዚ ዓይነት ገበን ዝፈጸሙ ወገናት ናብ ሕጊ ንምቕራብ” ቆሪጾም ተላዒሎም ከምዘለዉ፡ እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣትዉ ይፍለጥ።