ሶማሊላንድን ታይዋንን፡ ውሑዳት መሓዙት ዘለውአን ክልተ መሓዙት

ሶማሊላንድን ታይዋንን፡ ውሑዳት መሓዙት ሃገራት ዘለወን ክልተ ኣዕሩኽ ግዝኣታት እየን።

ታይዋንን ሶማሊላንድን፡ ዋላ'ውን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይርከባ ብሓበን ንገዛእ ርእሰን ሉእላውያን ሃገራት ኢለን ዝጽውዓ'የን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ክልቲአን ዝምድንአን የደልድላ ኣለዋ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ፡ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ታይዋን ኣሎ።

ኣብ ጠረጴዛ እዚ ቤት ጽሕፈት ከኣ ቀይሕ፣ ጻዕዳን ሰማያውን ሕብርታት ዘለዎ ባንዴራ ታይዋንን ሃሳስ ሰማያዊ ባንዴራ ሶማሊላንድን ፊት ንፊት ተቐሚጦም ይርኣይ።

ገለ ሃገራት፡ ንርክብ እዘን ሉእላውነተን ዝኣወጃ ግዝኣታት ብጥርጣረ ዝርእየኦ'ኳ እንተኸና፡ ሕርቃን ቻይናን ሶማሊያን ግን ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ርግጽ'ዩ ክልቲአን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸባን፤ ክልቲአን ግን ዓበይቲ ጎረባብቲ ኣለውአን።

ሶማሊያን ቻይናን ዓበይቲ ጎረባብቲ ሃገራት እዘን ንኣሽቱ ግዝኣታት'የን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሶማሊያ፡ ታይዋይን ንሶማሊላንድ ትመሓዛያ ኣላ ብዝብል ቑጥዕኣ ገሊጻ ነይራ።

ሰብ መዚ ቻይና ከኣ ናብ ሶማሊላንድ ብምኻድ፡ ምስ ታይዋን ዘለኪ ዝምድና ብተኺ ኢሎምዋ።

ቻይና፡ ታይዋን ምስ ሶማሊላንድ ትፈጥሮ ዘላ ዝምድና ነቲ ብሓደ ቅናት ሓደ መገዲ [ሮድ ኤንድ ቤልት ኢኒሼቲቭ] ዝፍለጥ ፕሮጀክታ ክዕንቅፎ'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ቻይና፡ በዚ ፕሮጀክት ኣቢላ ኣብ መላእ ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘተኣሳስር መስመራት ንግዲ ባሕርን መሬትን ክትፈጥር ትህቅን።

ንወደብ በርበራ ስትራቴጂካዊት ትሕዝቶ ዝኾነት ሶማሊላንድ፡ ነዚ ቻይና ብሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ኣፍሪቃ ንምዝርጋሕ ትሓስቦ ዘላ ፕሮጀክት ክዕንቅፎ ተኽእሎ ኣለዎ።

ቻይና ንርክብ ሶማሊላንድን ታይዋን ብዓይኒ ጥርጣረ ምርኣያ ቁሩብ ዝተጋነነ'ዩ፤ ምኽንያቱ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈለየ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘቖመት ፈላመይቲ ሃገር'ያ።

ታይዋን፡ ኣብዚ ዞባ ክህልዋ ንእትደልዮ ተራ ሶማሊላንድ ከም መእተዊ እግሪ ገይራ ትርእያ።

"ታይዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንክትመጽእ ሶማሊላንድ ኣፍደገ'ያ" ይብል ወኪል ታይዋን ኣብ ሶማሊላንድ ኣሌን ቼንህዋ ሉ።

ኣብ ጎኑ ስእሊ ፕሬዝደንቱ ጻይ ኢንግ-ዊን ኣሎ።

"ኣብዚ ኮይነ ንኬንያን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት ይውክል" ይብል።

ሶማሊላንድ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ታይዋን ሙሉእ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

እታ ናይ መጀመርታ ንኡሽቶ ሃገር ኢስዋቲኒ ኮይና ብ1986 ዓ.ም እያ ክልትኣዊ ዝምድና ሃኒጻ።

ዝምድና ታይዋንን ሶማሊላንድን "ሓበራዊ ረብሓ" ዘረጋግጽ'ዩ ዝብል ሉ፡ ታይዋን ብሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ጸዓትን ሓገዝ ከም እትገብረላ ሓቢሩ።

ሶማሊላንድ ከኣ፡ ንምህርቲ ዓሳ፣ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ቱሪዝምን ስትራቴጂካዊት ከባቢ እያ።

"ሶማሊላንድ ንታይዋን 'ዓቢ ሓው' እያ ትብላ" ዝበለ ልኡኽ ታይዋን ሉ፡ "ኣነ ግን እቲ ዝምድናና ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ክብሃል እየ ዝመርጽ። ኩል ግዜ ከኣ ኣብ ጎኒ ሶማሊላንድ ምዃንና ከረጋግጽ እፈቱ" ኢሉ።

ወሲኹ "ናጽነትና ዝኣወጅና ስለ ዝኾንና ሕጂ ሉእላውነት ዘይኮነ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኢና ንጠልብ። ክልቲኤና ተመሳሳሊ ሕቶ'ዩ ዘለና" ይብል።

ሶማሊላንድን ታይዋንን

  • ብሓደ ሓምለ 1960 ምምሕዳር ብሪጣኒያ ናብ ሶማሊያ ኣትዩ
  • ሶማሊላንድ ብ1991 ውልቃዊ መላኺ ሲያድ ባሬ ምስተዓልወ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናጽነት ኣዊጃ
  • እዚ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምስ ሞቱ ዝመጽአ እዩ
  • ኣብዚ ሕጂ እዋን ሶማሊላንድ ናይ ባዕላ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ፖሊስን መተዓዳደጊ ገንዘብን ኣለዋ

እንተኾነ፡ ክልቲአን ብዝፈጥርኦ ዘለዋ ዝምድና ሕጉሳት ዘይኮኑ ሶማሊላንዳውያን ከኣ ኣለው።

"ክልተ ዕርቃኖም ዘለው ሰባት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ኣይክእሉን" ይብል ነጋዳይ እስማዒል መሓመድ።

ወሲኹ "ካብታ ንኡሽቶ ታይዋን ንላዕሊ ሓይሊ ዘለዋ ቻይና ኢና ንደሊ" እውን ኢሉ።

ነጋዲት ሙና ዓደን'ውን ተመሳሳሊ ስግኣት ኣለዋ።

"ሶማሊላንዳውያን ዝዓበዱ ይመስሉ። በቲ ክልቲአን ዝፈጥርኦ ዘለዋ ዝምድና፡ ሶማሊላንድ 'እንድሕር ዘይተመርዒኽና ነቲ ካልእ ንምርዓዎ' ብዝብል ምትህልላኽ ትኹረት ቻይና ክትስሕብ ትደሊ ዘላ ይመስል። እዚ ኸኣ ቻይና ዘይትርስዖ ዓብዪ ስሕተት እዩ" ትብል።

ሰብ መዚ ሶማሊላንድ ግን እዚ ብዙሕ ዘሰናብዶም ኣይኮነን።

ግዚያዊ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ሶማሊላንድ ሊባን ዮሱፍ ዑስማን፡ ክልቲአን ክብርታት ዴሞክራስን ናጽነትን ዝካፈላ እየን ብምባል ብርክቦም ዝስምዖ ርእሰ ተኣማንነት ይገልጽ።

"ምስ ሶማሊላንድ ዝምድና ክህልዋ እትደሊ ዝኾነት ሃገር ተቐበልቲ ኢና፤ ቻይና ሓዊሱ። ግን ድማ ብምኽንያት ቻይና ንታይዋን ኣይንገድፋን" ኢሉ።

ታይዋንን ቻይናን

  • ቻይናን ታይዋን ካብ መወዳእታ ኲናት ሓድሕድ ቻይና 1949 ዓ.ም ጀሚሩ ነናይ ባዕለን መንግስቲ'ዩ ዘለወን
  • ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎአን ዝርኣይ ምትፍናን ክዓርግ እንከሎ፡ ቻይና ነዛ ደሴት ብሓይሊ ናብ ግዝኣታ ንምምላስ እትገብሮ ፈተነታት ደው ኣየበለትን
  • ታይዋን ውሑዳት ሃገራት ኣፍልጦ ክህብኣ እንከለዋ፡ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ መንግስቲ ትመርጽ፣ ንግዳውን ወግዓዊ ዘይኮኑ ርክባትን ከኣ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ

ሚስተር ዑስማን ንሶማሊላንድ ዓብዪ ባህጊ ኣለዎ።

"ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕውት ታሪኽ ዘለና ታይዋን ክንከውን ንኽእል ኢና፤ ኣብ ታይዋን ዘሎ ልምዓት ከኣ ኣብዚ ክንደግሞ ኢና" ይብል።

ከም ቱርኪ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሪጣኒያን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ዝበላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ ቤት ጽሕፈት ይኸፍታ ምህላወን ይዛረብ።

ልክዕ ከም ታይዋን ብዙሓት ወግዓዊ ዘይኮና ሃገራት ምስ ሶማሊላንድ ክልትኣዊ ዝምድና ክፈጥራ ድልየት ከም ዘለወን ኣረዲኡ።

ብ2020፡ ንግስና የለው ማውንቴን [ኣብ ሞንጎ ግብጽን ሱዳንን ዘላ ዋንነት ዘይልዓላ መሬት] ናብ ሃርጌሳ ምብጻሕ ገይሩ "ኤምባሲ" ንምኽፋት ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ'ዩ።

ሶማሊላንድ ብወገና ኣብ ወርሒ መስከረም 2020፡ ብመሓመድ ሓጊ ዝምራሕ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ኣብ ታይዋን ከፊታ።

"ኣብዚ ይነብር ብምህላወይ ሕጉስ'የ፤ እቲ ኩነታት ኣየር ግሩም'ዩ፤ እቲ ህዝቢ'ውን ኣዝዩ ስልጡን'ዩ። ካባና ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክመሃሩ ይደልዩ'ዮም። ብዛዕባ ሶማሊላንድ እምበር ብዛዕባ ምስ ኣሸበርትን ሽፍትነት ባሕርን ሽማ ዝለዓል ሶማሊያ ኣየውግዖምን" ኢሉ።

ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ኣብ ታይዋን ሰለስተ ሶማሊላንዳውያን ኣለና ይብል፤ ንሱን ካልኦት ክልተ ምስኡ ዝሰርሑን።

ይኹን'ምበር ኣብ ቀረባ ታይዋን ናጻ ዕድል ትምህርቲ ዝሃበቶም 20 ተመሃሮ ክመጽኡን ንግዳውን ቁጠባውን ምሕዝነተን ክሕይልን ተስፋ ይገብር።

ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከብ ልኡኽ ታይዋን ሉ፡ ብ2020 ንፈለማ ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ምስ መጻእኹ ብዘጋጠመ ናይ ባህሊ ኣፈላላይ ሰንቢደ'የ ይብል።

ኣብ ካልእ ቦታታት ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶ ዝለመዶ ቀረባት'ኳ እንተሓጸሮ፡ እቲ ኣብ ሶማሊላንድ ዘሎ "መንፈሳውነትን ቀሊል ህይወትን" ግን ከም ዝፈተዎ ይዛረብ።

"ኣብ መገዲ ክንቀሳቐስ ከለኹ፡ ኩሉ'ዩ ዝጥምተኒ። ድሓር 'ቻይና' ይብሉኒ፤ ኣነ ኽኣ 'ኣይኮንኩን፤ ካብ ታይዋን እየ' ይብሎም። ሕጂ ብዛዕባ ታይዋን ክፈልጡ ጀሚሮም ኣለው። ግን ከኣ ብዙሕ ክስርሓሉ ዝግብኦ ነገር ኣሎ።

ሓደ እዋን ኣብ ገምገም በርበራ ነይረ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ካልኦት ካብ ሓሙሽተ ዘይበልጹን ሰባት ናባይ መጺኦም። ቋንቋ ሶማሊ ጥራሕ እያ ትዛረብ። ናባይ እናመላኸተት 'ኮቪድ-19!' ኢላ ኣእውያ። ኣነ ክኣ 'ኣነ ካብ ታይዋን እየ ኢለዮም፤ ዝተረድአትኒ ግን ኣይመስለንን" ኢሉ።

እዚ ርክብ፡ ክልቲአን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክረኽባ ይሕግዘን'ዶ ዝብል ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን።

ክንደይ ዝኣክል ሓበራዊ ረብሓ ዘረጋግጽ'ዩ፣ ብቐጻሊ ቻይናኸ እንታይ ክትብል'ያ? ዝብሉ ሕቶታት'ውን ኣለው።

ይኹን'ምበር፡ ንዓሰርታት ዓመታት ንርእሰን ናጻ ሃገር ኢለን ዝጽውዓን ብኡ ዝቕጽል ነቕ ዘይብል መርገጺ ከም ዘለወን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።