ንሓድነት ዝዝምር ግጥማ ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘዳጎና ጓል ሶማሊላንድ ገጣሚት

ቤት ፍርዲ ሶማሊላንድ ፡ ስም መንግስቲ ኣፀሊማ ንዝበላ ገጣሚት መንእሰይ ንሰለስተ ዓመት ክትእሰር ፈሪዱ፡፡

ገጣሚት ናሲማ ኮራኒ ፡ ንልዕልና ሶማልን ንውህደት ምስ ሶማሌላንድን ዘተኮረ ግጥሚ'ያ ጽሒፋ።

ነቲ ሶማሌላንድ ሓንቲ ክፋል ናይ ሶማል ምኳና ዝስብኽ ግጥሚ ብምጽሓፋ'ዩ ገበነኛ ተባሂላ።

እታ ገጣሚት ቅድሚ ሰለስት ኣዋርሕ ካብ ሞቃዲሾ እናተመለሰት እንተላ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ፡፡

ማእከል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሶማሌላንድ ንመንግስቲ ሶማሊላንድ ፡ መሰለ ገጣሚት ናሲማ ኮራኒ ኣኽቢሩ ካበ ማእሰርቲ ክፈትሓ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ፡፡

ዳይሬክተር እቲ ማእከል ጉሌድ አህመድ ጃማ ፡ ምእሳር ገጣሚት ናሲማ ኮራኒ ፡ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ንቢቢሲ ገሊጹ።

" ኣብ ሶማሊላንድ መሰለ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ኣብ ሕገ መንግስቲ ድንጉግ ክሳብ ዝኾነ ፡ ንመንግስቲ እዚ ሕጊ'ዚ ንኸኽብር ኢና ንጽውዕ" ይብል ፤ ዳይሬክተር ማእከል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰለ ሶማሌላንድ ጉሌድ አህመድ ጃማ ፡፡

ኣብ ሶማሊላንድ ብተመሳሳሊ ጉዳያ ብዙሓት ስነጥበባውያን ዝተኣሰሩ ከምዘለዉ'ዩ ዝሕበር፡፡

ድሕሪ መሪር ኲናት ሕድሕድ ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማልያ ፡ ኣብ 1991 ካብ ሶማል ብምፍላይ ብበይንኣዊ ውሳን ከም ሃገር ከምዝኣወጀት ዝዝከር ኮይኑ ፡ ብደርጃ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበትን ኣላ፡፡

ብዝሒ ህዝቢ ሶማሊላንድ 3.5 ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ይግለጽ፡፡