እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ኣብ ዝበጽሓሉ ቻይና ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ
ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ደሴት ታይዋን ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ቻይና “ልኡላውነተይ ንምሕላው” ብምባል ኣብ ጥቃ ደሴት ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ ኣላ።
እዚ ቻይና ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ ርክብ በይጂንን ዋሽንግተንን ሓርፊፍሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣሜሪካ ብወገና ንታይዋን ዘለዋ ደገፍ ወትሩ ምስ ገለጸት እያ።
ቻይና ነታ ብርእሳ እትምሓደር ታይዋን ከም ሓንቲ ኣውራጃ እያ እትሓስባ።
ከይዝ ክራች ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታተት ዓመታት ናብ ታይዋን ምብጻሕ ዘካየደ ዝለዓለ ሓላፊ ናይ ኣሜሪካ’ዩ።
ብዓርቢ፡ ኣፈኛ ሚኒሰትር ምክልኻል ቻይና ረን ጉዋንጊንግ ብዛዕባ ምብጻሕ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን እኳ እንተዘይጠቀሰ፡ ኣሜሪካን ታይዋንን ብቀጻሊ ህውከት ዝፈጥር ተግባራት ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ንሱ ብምስዓብ “ንታይዋን ሒዝካ ንቻይና ንምቁጽጻር ዝግበር ናይ ወጻኢ ሓይልታት ፈተነታት ትምኒት ጥራይ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ቻይና ተካየደቶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ “ልኡላዉነታ ንምዕቃብን ንምክልኻልን ኢላ ዝገበረቶ ሕጋውን ኣገዳስን’ዩ” ኢሉ።
እዚ ናብ ታይዋን ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣሜሪካ ዝኾነ ከይዝ ክራች ሎሚ ኣማስይኡ ምስ ፕረዚደንት ታይዋን ታይ ኢንግ ወን ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።
ኣሜሪካ ምስ ታይዋን ስሩዕ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ርክብ እኳ እንተዘይሃለዋ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 1979 ምስ ታይዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንታይዋን ወተሃደራዊ ንብረትን ብረትን ክትሽጠላ ዘኽእል ውዕል ኣለዋ።