እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ወተሃደራት ህንዲ ‘ቶዂታዂ’ ተኹሲ ከፊቶሙለይ ትብል
ቻይና፡ ወተሃደራት ህንዲ ነቲ ዘሰሓሕብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብምስጋር 'ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወተሃደራተይ ቶዅታዂ ተኹሲ ከፊቶም' ብምባል ከሲሳ።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት ቻይና፡ ወተሃደራት ቻይና ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዝተገደዱ ብምግላጽ እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግን እንታይ ምዃኑ ኣየነጸሮን።
ኣብቲ ንህንድን ቻይናን ዘሰሓሕብ ዶብ፡ ድሕሪ 45 ዓመታት እዩ ንመጀመርታ ግዜ ምልውዋጥ ተኹሲ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዝነበረ ርክብ፡ በብቑሩብ ክሕርፍፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ዝኸፈአ ደረጀ’ዩ ዓሪጉ ዘሎ።
ግሎባል ታይምስ ዝተብሃለ ማዕከን ዜና፡ ንውሃቢ ቃል ሰራዊት ቻይና ኮለኔል ዛንግ ሹሊ ብምጥቃስ “ሰራዊት ህንዲ ነቲ ዘከራኽር ዶብ ብምስጋር ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፈለግ ፖንጎንግ ጸ ዝርከብ ጎቦ ደይቦም” ከምዝበለ ኣስፊርዎ ኣሎ።
እቲ ኮለኔል ብምስዓብ፡ እቲ ህንዲ ዝገበረቶ ዝበሎ “ነቲ ኣብ መንጎ ህንድን ቻይናን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብዚ ዞባ ወጥሪ ክፍጠር እያ ትደሊ ዘላ፡ ኣዝዩ ነውራም ስራሕ ድማ’ዩ” ኢሉ።
ሰብ መዚ ህንዲ፡ ነዚ ቻይና ዝበለቶ ገና መልሲ ኣይሃብሉን ዘለዉ።
ህንድን ቻይናን ኣብ 1996 ኣብቲ ዘከራኽር ዶባት ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት፡ ዝኾነ ፎኵስ ብረትን ተፈንጃሪ ብረትን ሒዞም ከይኣትዉ ዝኽልክል ስምምዕ ተፈራሪመን እየን።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት ቻይና፡ ህንዲ ነቶም ነቲ ስምምዕ ዝጠሓሱ ሰራዊታ ካብቲ ዘከራኽር ዶብ ክትስሕቦምን ነቶም ‘‘ቶዅታዂ’ ስጉምቲ ወሲዶም ዝበሎም ሰራዊት፡ ህንዲ ክትቀጽዖምን ጸዊዑ ኣሎ።
እዚ ወጥሪ እዚ፡ ህንዲ ካብቲ ዘከራኽር ቦታ ሓሙሽተ ስቪላውያን ብሰራዊት ቻይና ከምዝተጨወዩዋ ድሕሪ ምሕባር ድሕሪ መዓልታት እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብ ሞንጎ ቻይናን ህንድን እቲ ወጥሪ ዝያዳ ካብ 20 ሰነ ከምዝጀመረ እዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ መዓልቲ ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ብዝተፈጠረ ምፍሕፋሕ 20 ወተሃደራት ህንዲ ብሰራዊት ቻይና ተሃሪሞም ከምዝሞቱ ኣቃሊሐን ነይረን።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ’ውን ህንዲ፡ ቻይና ኣብ ክልተ ሰሙን ዘይኣክል ክልተ ግዜ ኣብቲ ዘከራክር ዶብ ዘይንቡር ምንቅስቓስ ትገብር ኣላ ኢላ ከሲሳታ፡ ቻይና ግን ንኽልቲኡ ክስታት ‘ኣይወዓልክዎን’ ዝብል መልሲ’ያ ሂባትሉ።
ህንድን ቻይናን ኣብ 1962 ኣብ ዘካየደኦ ደማዊ ኵናት፡ ህንዲ ከምዝተሳዓረት ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕርን ቅድምን 1962 ዝኾነ ኵናት ኣካይደን ኣይፈልጣን እየን።