እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ህንዲ ተፋጢጣ ዘላ ቻይና፡ ንሰራዊታ ማርሻል አርትስ ክተሰልጥን ወጢና
ቻይና፡ ኣብ ጎቦታት ቲቤት ንሰራዊታ ‘ማርሻል ኣርትስ’ ክተሰልጥን ወጢና ምህላዋ ተገሊጹ። ነዚ ድማ፡ ኣስታት 20 ኣሰልጠንቲ ማርሻል ኣርትስ መዲባ ኣላ።
እቲ ስልጠና ንምንታይ ኣብዚ እዋን ከምዘድለየ ብወግዒ እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ምስ ዶብ ብዝተሓሓዝ ምስ ህንዲ ዘጋጠመ ጎንጺ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃብ ኣሎ።
ቻይናን ህንድን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝበሃል 3500 ኪሎሜትር ንውሓት ብዘለዎ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ሂማልያ ይዳወባ።
ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓጓፍ ሽንጥሮ ጋልዋን ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን 20 ወተሃደራት ህንዲ ተቐቲሎም እዮም።
እቲ ኸባቢ፡ ገና ዕልባት ዘይረኸበ፡ ክልቲአን ሃገራት ይግበኣኒ እዩ ዝብለኦ ሰፊሕ መሬት ዘለዎ ኮይኑ፡ ቅድም ኢሉ’ውን ተዋጊአናሉ ነይረን እየን።
እንተኾነ፡ ኣብ 1996 ብዝተገበረ ስምምዕ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብቲ ከባቢ ኣጽዋር ኮነ ዝኾነ ተባራዒ መሳርሕታት ሒዘን ከይኣትዋ ተሰማሚዐን እየን።
ኣብ’ቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ዘጋጠመ ጎንጺ’ውን ብዘይ ኣጽዋር ዘጋጠመ ኮይኑ: ቻይና ብዛዕባ ዘጋጠመ መጠን ጉድኣት ኣይገለጸትን።
ህንዲ ግን ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ፡ 76 ወተሃደራታ ከምዝቖሰሉ ገሊጻ እያ።
ሰራዊት ቻይና ማርሻል ኣርትስ ክስልጥኑ ምዃኖም ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ እዩ ተገሊጹ።
ናይ ቻይና ሲሲቲቪ ከምዝጸብጸቦ ‘ኢኖቦ ፋይት ክለብ’ ካብ ዝበሃል ጉጅለ ዝተመልመሉ 20 ኣሰልጠንቲ እዮም፡ ርእሰ ከተማ ቲቤት ኣብ ዝኸነት ከተማ ላህሳ ንሰራዊት ቻይና ስልጠና ክህቡ።
እተን ኣጽዋር ኒዩክሌር ዝዓጠቓ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብቲ ዝሰሓሓባሉ ሓጓፍ ሽንጥሮ ጋልዋን ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተጓነጻ ሰነ 15 ኮይኑ፡ ነቲ ጎንጺ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሓድሕደን ይካሰሳ።
ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ኣብቲ ዝሰሓሐባሉ ከባቢ፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ጎንጺ ኣይነበረን።
እቲ ዶብ እንታይ ይመስል?
እቲ ዋንነቱ ንክልቲአን ሃገራት ዘካተዕ ግዝኣት ዶብ፤ ጎቦታት፣ ቃለያትን ሩባታትን ዝበዝሖ ሓጓፍ ሽንጥሮ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ተቐያያራይ ኩነታት ኣየር ድማ፤ ደረት እቲ ዶብ ብቐሊሉ ክቀያየር ይኽእል እዩ።
ብ1962 ዓ/ም ክልቲአን ሃገራት፤ ህንዲ ዝተስዓረትሉ ኲናት ገጢመን ነይረን።
ኣብቲ እዋን፤ ተኹሲ ጠጠው ንምባል እንተተስማማዓ'ኳ፡ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ዕልባት ኣይገበራሉን።
እቲ ዘካትዕ ዶብን ግዝኣትን፡ ኣይተኻለለንን ኣይተጠረረንን ጸኒሑ።
ሕዚ፡ ቻይና ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ኣስፊራ ክትብል፡ ህንዲ ትኸስስ ኣላ፤ 38 ሽሕ ሜትሮ ትርብዒት መሬት ብጉልበታ ተቖጻጺራ ድማ ኢላ።
እንተኾነ፤ ህንዲ ናብዚ ኣጸጋሚ ከባቢ ዝወስድ ዓብዪ መንገዲ ምህናጻ እዚ ጎንጺ መሊሱ ክጅመር ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።