እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
``ፍቕሪ ካብቲ ንሰባት ብሰንኪ ሕብሮምን መንነቶምን ምጽላእ ይዓቢ`` ፍሪዳ ቢዲ
ፍሪዳ ቢዲ፡ እታ ንጽልኢ ስዒራ ንሓደ ኣማኒ ሲክ ዝኾነ ህንዳዊ ብምምርዓው ነቲ ናይ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ኣንስቶምን ዘለዎም ኣተሓሳስባ ዝበደሀት እንግሊዛዊት ኢያ።
ፍሪዳ ምስ ዓርካ፡ ባባ ፓይሬ ላል ቢዲ፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ እንከለው ኢዮም ተራኺቦም።
እዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይ 1930ታት ኣብ መንጎ ክልተ ካብ ናይ ዓሌትን እምነትን ፍልልይ ዘለዎም መንእሰያት ዝተሰረተ ፍቕሪ ኢዩ።
ታሪኽ ናይታ ሕሉፍ ኣተዓባብያ ዘለዋ ንፍዕቲ ናይ ዩኒቨርስቲ ተማሃሪት ዝኾነት ፍሪዳ ኢዩ። ሳሕቲ ዘጓንፍ ፍጻመ ኢዩ ድማ። ፍሬዳ፡ ኣብ ከተማ ደርቢ፡ ኣብ ናይቲ ኣቦኣ ዝውንኖ ናይ ስልማትን ሰዓትን መጸገኒ ድኳን ኢያ ተወሊዳ።
ፍሪዳ ነቦኣ ብዙሕ ኣይትዝክሮን ኢያ። ምኽንያቱ፡ ኣቦኣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ከም ወተሃደር ድሕሪ ምኽታቡ፡ ኣብቲ ብዙሕ መውጋእትን ሞትን ዝነበሮ ``ብጉጅለ ርእሰ ቕትለት`` ዝፍለጥ ክፍለ ሰራዊት ብሬን ኢዩ ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ፡ ፍሪዳ ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ ኢዩ ኣቦኣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝሞተ።
``ናይ ኣቦይ ሞት፡ ንኹሉ ናይ ቁልዕነት ህይወተይ ኣጸልሚትዎ`` ፤ እንተኾነ ንፖለቲካዊ ተኣማንነተይን ሃይማኖታዊ ጽምኣተይን ኣለዓዒሉን ቅርጺ ኣትሒዙን ትብል ፍሪዳ።
ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ኣብዝነበርኩሉ እዋን ``ባብ ናይ መጻኢ ሂወተይ ከፊቱ`` ትብል ፍሪዳ። ፍሪዳ ኣካል ናይቲ ``ጭንቀት ዝወረሶ ወለዶ`` ኢያ ነይራ። ምኽንያቱ፡ እቶም ተማሃሮ ዓለም ኣብ ቅልውላው፣ ሽቕለት ኣልቦነትን ፋሽሽትነትን ዝነገሰሉ እዋን ይነብሩ ስለዝነበሩ።
ኣብ ኮለጅ ኣብዝነበረትሉ እዋን፡ ፍሪዳ ምስተን ብተፈጥሮ ናይ ተቓውሞ መንፈስ ዝነበረን መንእሰያት ደቀንስትዮ ዕርክነት ብምምስራት ኣብ ናይ ተቓውምቲ ጉጅለታት ኣኼባታት ክትካፈል ጀሚራ።
ምስቶም ኣንጻር ግዝኣት መንግስቲ እንግሊዝ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሰባት ክትደናገጽ ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣብቲ ገለ ህንዳውያን ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ብዛዕባ ናይ ሃገሮም ጉዳይ ዝዝትይሉ ኣኼባታት ክትካፈል ጀሚራ።
እቲ ምልኩዕን ወትሩ ሕጉስን ዓርካ፡ ቢዲ ሓደ ካብቶም ብቐጻሊ ኣብቲ ኣኼባታት ዝካፈል ዝነበረ መንእሰይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ልልይ ናብ ምትሕብባር ኣብ ትምህርታዊ ጉዳያት ማዕቢሉ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ናብ መርዓ በጺሖም።
ስድራ ቤታ ነቲ መርዓ ብትሪ ኢዮም ተቓዊሞም። ዳሕራይ፡ ቢዲ ምስበጽሖም ግና ብኩለንተንኡ ተማሪኾም።
እቲ ምስ በዲ ዝፈጸመቶ ሕጸ፡ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ገለ ንእሽቶ ስምዒታት ኣላዒሉ ነይሩ ትብል ፍሪዳ። ምኽንያቱ፡ ሓንቲ እንግሊዛዊት ጻዕዳ ናይ ዩኒቨርስቲ ምርቕትን ንሓደ ህንዳዊ ንፈለማ እዋን ስለዝተመርዓወት።
እቲ ነቲ ናይ መርዓ ስነስርዓት ዝመርሐ ሰብ ነቲ መርዓ ብምቅዋሙ ነቶም መርዓውቲ ሰላም ምባል ኣብይዎም።
ካብታ ዘተመርዓወትላ ሰዓት ጀሚራ፡ ፍሪዳ ንነብሳ ከም ህንዳዊት ብምቑጻር ናይ ህንዲ ናይ ባህሊ ክዳውንቲ ክትለብስ ጀሚራ።
ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ምስ ሰብኣያን ወዲ ዓርባዕተ ወርሒ ወዳ፡ ራንጋ፡ ብመርከብ ካብ ከተማ ቴሪስቴ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሳምንቲ ጉዕዞ ከተማ ቦምበይ [እታ ሕጂ ሙምባይ] በጺሖም።
``የጥቡ ስለዝነበርኩ ንዓይ ዝኸውን ጸባ ምርካብን፡ እቶም ለይቲ ካብቲ ክሽነ ዝመጹ ዝነበሩ ሚልዮናት ዝኾኑ ዱዱዓትን ዝዓበየ ሽግራተይ ነይሮም`` ትብል ፍሪዳ።
ድሮ መንግስቲ እንግሊዝ ነዞም ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዝርዝር ናይ ተጣበቕቲ መሰልን ተቓወምትን ሰሪዕዎም ስለዝነበረ፡ ኣብ ወደብ ቦምበይ ምስ በጽሑ፡ ኩሉ ሳንጣታቶምን ``ናይቲ ህጻን ጨርቃ መርቂ`` ከይተረፈ ንሸውዓተ ሰዓታት ከምዝተፈተሸ ፍሪዳ ትዝክር። ገለ መልእኽትታት ኣብቲ ጨርቅታት ሓቢኣ ከይትኸውን ስለዝሰግኡ ትብል ፍሪዳ።
ርክብ ምስ ሓማታ፡ ድሕሪ መርዓኣ ዝጓነፋ ፈተነ ኢዩ ነይሩ። ቢዲ፡ ነዲኡ ዘለዎ ኣኽብሮት ንምግላጽ ከምቲ እቲ ባህሊ ዝጠልቦ ድፍእ ኢሉ ናይ ኣዲኡ ኣእጋር ተንኪፉ።
``ቅሩብ ብምሕፋር፡ ነቲ ቢዲ ዝገበሮ ገይረ። እንተኾነ፡ ኣዲኡ ፍሽኽ ኢላ ንኹላትና ድሕሪ ምሕቋፋ ድማ ኩሉ እቲ ናይ ሕፍረት ስምዒታተይ ጠፊኡ።``
ቢዲ፡ ብሰንኪ`ቲ ፖለቲካዊ ኣጠማምትኡ ኩሉ ናይ ወለዱ ሃብቲ ብምንጻግ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መብራህትን ማይን ዘይብላ ኣጉዶ ኣብ ላሆር፡ ዝዓበየት ከተማ ኣብ ፑንጃብ፡ ብምህናጽን ኣብቲ ደንበ ድማ ዳራውህን ብዕራይ በረኻን ብምፍራይ ሓዳሮም ጀሚሮም። ፍሪዳ ከምኡ ዓይነት ሂወት ኣይተጸበየትን ነይራ።
ሓማታ፡ ወይዘሮ ቢዲ፡ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ናብታ ኣግዶኦም ብምምጻእ፡ ፍሪዳ ኣእጋር ሓማታ ተደፊእ ክትትንክፍ ትገብር ነይራ፡ እዚ ካብቲ ንፍሪዳ ኣዝዩ ዘገረማ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ።
ሓማታ፡ ዋላ`ኳ ዘይምዕብልቲ ትኹን፡ ክስታነይቲ ክንሳ ከም ኣካል ናይቲ ቤተ ሰብ ብዘይዝኾነ ምዕዝምዛም ስለዝተቐበለታ ድማ ኢያ ነታ ርህርህቲ ሓማታ ተኽብራ ዝነበረት።
ካልእይ ኲናት ዓለም ምስተወለዐ፡ ህንዲ ንዓዲ እንግሊዝ ብምድጋፋ ኣዝዮም ኢዮም ሓሪቖም። ቢዲ፡ ህንዲ ኣብቲ ኲናት ብምክፋላ ስለዝተቓወመ ድማ፡ ነቲ ኣብ ብፑንጃብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ምዕስካር መስርሕ መታን ከይዕንቅፎ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ምድረ በዳ ዝኮነ ቦታ ተኣሲሩ። ፍሪዳ ድማ ኣንጻር ሃገራ መርገጺ ወሲዳ።
ብወለንታ ድማ ኣካል ናይቲ ብመሪሕነት ማህተማ ጋንዲ ዝምራሕ ናይ ናጽነት ምንቅስቓስ ጉጅለ ኮይና።
ናብቲ ናይ ሰብኣያ መበቆል ዓዲ ብምኻድ ድማ ``እቲ ህዝቢ፡ ስጋብ ህንዲ ናጽነታ ትጎናጸፍ፡ ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ኲናት መደባት ብምቅዋም ኣንጻር ናይቲ መንግስቲ ሕግታት ክኸዱ ክትጉስጉስ ጀሚራ። እዚ ነቶም ሰበስልጣናት ናይቲ ከባቢ ብኸመይ ነቲ ናይታ ጻዕዳ ሰብይቲ [እንግሊዛዊት] ተቓውሞ ከምዝገጥምዎ ኣሸጊርዎም።
ሓደ ተራ ህንዳዊ ፖሊስ ንሓንቲ ጻዕዳ ክኣስር ንቡር ስለዘይነበረ። ብዝኾነ፡ ናብ ፍርዲ ቀሪባ፡ እቲ ዳኛ ምስረኣያ ብሓርቖት ገጹ በርበረ መሲሉ።
``ቅድሚ ነቲ ጉዳይ ምምልካተይ፡ ናይ እንግሊዛዊት ሓለፋታት ዶ ክትውሃቢ ትደልዪ`` ኢሉ ምስሓተታ፡ ``ኣይፋል ከም ህንዳዊት ርኣየኒ`` ኢላ መሊሳትሉ።
ብድሕሪኡ፡ እቲ መንእሰይ ዳኛ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ብርቱዕ ስራሕን ፈሪድዋ። ፍሪዳ ነቲ ፍርዲ ሕነ ምፍዳይ ኢዩ ኢላቶ።
``ናብ ህንዲ ምኻድ ትዕድልተይ ኢዩ`` ትብል ፍሪዳ። ከም እንግሊዛዊት ብወለንታ ንናይ ህንዲ ናጽነት ምድጋፍን ምእሳርን`ውን ትዕድልታ ኢዩ ነይሩ።
ስድራ ቤት ቢዲ፡ ኣብ ፖለቲካ ድሕሪ ናጽነት ህንድን ናብ ካሽሚር ድሕሪ ምኻዶምን፡ ፍሪዳ ድማ ኣባል ናይቲ ናይ ደቀንስትዮ ጸጋማዊ ጉጅለ ሚሊሻ ምስኮነትን ኢዩ ተፈላጥነቶም ኣብ ፖቲካ ዝያዳ ዝዓቢ።
ኣብ 1950ታት፡ ኣብ በርማ ናይ ሕቡራት ሃገራት ስራሕ ምስረኸበት፡ ምስ እምነት ቡድሃ ንፈለማ እዋን ተላሊያ፡ ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ ኣማኒት ቡዱሃ ኮይና።
ኣብ 1959፡ ኣሽሓት ቲቤታውያን፡ ካብ ናይ ቻይና ጭቆና ብሂማሊያ ገይሮም ኣብዝሃድምሉ ዝነበረ እዋን ነቶም ተባዓት ስደተኛታት ንምሕጋዝ ንነብሳ ኣወፍያ። ኩሉ ካብ ኣደ ዝጽበ ሓላፍነታት ድሕሪ ምፍጻማ [ናይ ፊልም ተዋሳኣይ ከቢር ቢዲ ሓደ ካብቶም ብሂወት ዘለው ሰልስተ ደቃ ኢዩ]፡ ናይ ቲቤታውያን ናይ ቡዱሃ ፈላሲት ኮይና።
ኣብ ክሊ ዕድመ ሱሳታት ኣብዝነበረትሉ ድማ ብዘይምስልካይ ናይ ቡዱሃ ኣስተምህሮ ንምዝርጋሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዛ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንኽትነብር ግና ኣይሓሰበትን።
ኣነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሊደ ዝዓበኹ ሰብ ኢየ፡ ሕጂ ግና ህንዳዊት ጓልንስተይትን ህንዳዊት ባዓልቲ ሓዳርን ኢየ።
ኣብ ህንዲ ይነብር፡ ናይ ህንዲ ባህላዊ ክዳውንቲ ይለብስ፡ ህንዳዊ ብዓል ቤት ኣሎኒ፡ ኣብ ህንዲ ዝዓበየ ውላድ`ውን ስለዘሎኒ፡ ጨሪሰ ዝኾነ ፍልልይ ምስታ ከም ዓደይ ዝተቐበልኩዋ ሃገር የብለይን ትብል ፍሪዳ።
ኣብ ሂወታ፡ ፍሪዳ ኣዝያ ቆራጽ ብምንባራ፡ ዝኾነ ዓሌታዊ ሃይማኖታውን ጾታውን ዕንቅፋታት ካብ ዕላምኣ ዓንቂፍዋ ኣይፈልጥን። ባህላዊ ወግዕታትን ሕግታትን ኣብ ምምካት ሕጉስቲ ኢያ ነይራ። እዚ`ዩ ድማ ታሪኻ ኣዝዩ መሳጥን ማራኽን ዝገብሮ።