እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ንስለ ጾታዊ መዓርነትካ ምቅላስ ንምንታይ ኣድለየ?
ናይጀሪያዊት ደራሲት ቺማማንዳ ኒጎዚ ኣቺዴ 'ኩልና ፌሚኒስት (ኣንስታያዊት) ክንኸውን ኣለና' ብዝብል ሓጺር ጽሑፋ እያ እትፍለጥ።
ኣብ ጉዳይ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን፡ ምንቅስቓስ ኣንስታውነትን፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮናስ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ማዕረ ማዕረ ክግደሱ ኣለዎም በሃሊት እያ።
ቅድም ክብል ኣብ ቴሌቪዝን ቀሪባ "ክንዲ ዝደለናዮ ንደቂ ኣንስትዮ ክንቅይረን ንኽእል ኢና፤ ግንከ ደቂ ተባዕትዮ እንተዘይተቐይሮም፡ ዝልወጥ ነገር የለን። ምኽንያቱ፡ ነዛ ዓለም ብሓባር ኢና እንነብረላ" ኢላ ነይራ።
ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ምንቅስቓስ 'ፌሚኒዝም' ዕዙዝ ተራ ክህልዎም እያ ትጉስጉስ።
ምስ ብዙሓት ሰዓብቱ ክትዓት ዘይተፈለዮ ኣተሓሳስባ ''ኣንስታውነት' ወይከኣ [ፌሚኒዝም]፡ ሓደ መገዲ ቃልሲ ምርግጋጽ መዓርነት ጾታ ኮይኑ ይቕጽል'ሎ።
ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ ጾታዊ ጥቕዓት፣ ኣድልዎን ዘይመዓርነታዊ ኣረኣእያን ንምልዋጥ ዝስጉም እዚ ኣተሓሳስባ፤ ኣብ ኢንተርነት'ውን ሓደ ካብቶም ዓብለልቲ ስነሓሳባት ክኸውን ክኢሉ'ሎ።
ሃሽታግ MeToo፣ ንጥፈት 16 መዓልታት፣ 'ሴታዊት' ዝብሉ ጎስጓሳት ኢንተርኔት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ኣብ ኢትዮጵያ፤ ምንቅስቓስ 'ሴታዊትን' 'የለው ሙቭመንትን' ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርያ ክያንግ ሂ፤ ዓለማዊ መጽናዕታት እተምሃረት መዓዛ ግደይ፡ 'ኣነ ኣንስታዊት'የ' ኢለን ንርእሰን ካብ ዝጽወዓን፡ ነቲ ስነሓሳብ ካብ ዝጉስጉሳሉን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ'ያ።
እዚ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ክልቲኡ ጾታ መዓርነት ንክረጋገጽ ዝነጥፍ ናይ ኣመለኻኽታ ሽም ስለ ዝኾነ፡ ኩልና ንባዕልና ኣንስታያዊት ኢልና እንጽውዕ ሰባት ዕላማና ኣብ ክልቲኡ ጾታ ማሕበራውን ቁጠባውን መዓርነት ክረጋገጽ'ዩ ትብል።
ካብዚ ዝተፈለየ ኣረዳድኣ ዘይብላ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ምምጻእ ለውጢ ኣተሓሳስባ ጾታዊ መዓርነት እናነጠፈት ዝመጽአት ሰላማዊት እምሩ'ውን፡ ኣብ መፍረያይ ዕድመ እንትብጻሕ ዝወሃቡ ግምታት ነቲ ማዕርነታዊ ኣፈጣጥራ ስለ ዝጎስዩዎ፡ ነዚኦም ንክቃለስ'የ ኣንስታያዊት ኮይነ ክትብል ትገልጽ።
"ኣብ ናይ መንእሰይነት ዕድመ ምስ በጻሕኻ እትርእዮ ልክዕ ዘይኾነ ነገር ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ብምዃንካ ጥራሕ ዝወሃበካን ዝለግበካን ትርጉም ኣሎ፤ ንምንታይ ከምኡ ይኸውን" ክትብል ድማ ትሓትት።
እዚ ህይወት እታ ጓል ኣንስተይቲ ፈተናታት ዝበዝሖ ክኸውን ከም ዝገብሮ ብምልዓል፡ ኣብ ጎደናታት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ናይ ስራሕ ቦታን ካልኦት ማሕበራዊ ቦታታትን ገና ዘይተቐየሩ ዝምቡዓት ኣተሓሳስባታት ምህላዎም፡ ንስለ ጾታዊ መዓርነትኻ ክትቃለስ ከም ዝገብሩኻ ትሕብር።
ኣንስታያውነት፡ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማዕርነት ንክህሉ ዝቃለስ ጽንሰ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ "ኩሉ ሰብ ኣንስታያዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ኣለዎ" ትብል መዓዛ።
"ብዛዕባ ምኽባር መሰላት ዝጭነቕ ሰብ እዚ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ኣለዎ እየ ዝብል። ክትዓቢ ከለኻ ኣብ ከባቢኻ እትዕዘቦም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሑ ወጽዓታት ኣለው። እዚኦም ንምቅላስ ወይ ነቲ ግጉይ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ንምዕራይ ሓቢርካ ክትንቀሳቐስ ከለኻ እዩ ለውጢ ዝመጽእ። ኣንስታያውነት ድማ ይጠምረና" ትብል።
ሰላማዊት ብወገና፡ "ካልእ ተሪፉ ደገ ክተምሲ ከለኻ፡ እቲ ወዲ 'ክስረቕ ይኽእል እየ' ኢሉ'ዩ ክሻቐል ዝኽእል፤ ንጓል ግን ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ነዚ ክሰብር'የ ኣንስታያዊት ኮይነ" ክትብል ነቶም ጸገማት ተልዕል።
'ፌሚኒስት' እየ ክትብል ከለኻ ብኻልእ መገዲ 'ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ጠጠው ዝበልኩ እየ' ኢኻ ትብል ዘለኻ፡ ድማ ትብል መዓዛ።
ጓል ኮይንካ ምፍጣር ፈተና ድዩ?
ኣሜሪካዊት ሙዚቀኛ ብዮንሴ ካርተር፡ ኣብ ዩ-ትዩብ ልዕሊ 400 ሚሊዮን ሰባት ዝረኣዩዎ ኣብ 2009 ዝሰርሐቶ፡ "ወዲ እንተዝኸውን" ዝብል ደርፊ፡ ወዲ ምኾንኩስ ኩሉ ናይ ምውናን ዕድል ምረኸብኩ እናበለ'ዩ ዘዘንቱ።
ግን ከ ጓል ኣንስተይቲ ኮይንካ ምፍጣር 'ፈተናን ምጉዳልን ድዩ ኮይኑ?'
"እቲ ተፈጥሮ ዘይኮነ እቲ ማሕበረሰባዊ ህንጸት'ዩ ጾታኻ ኣብ ሕቶ ክተእትዎ ዝገብር" እትብል ሰላማዊት፡ እቲ ወጽዓ፣ ጾታዊ ጥቕዓትን ዘይመዓርነታዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ክሕይል እንከሎ ግን "ወዲ ኮይነ እንተዝፍጠር ዝብል ነገር ክተልዕ ይደፍአካ" ኢላ።
'ግዳይ እንከለኻ'ውን ተመሊስካ እትውቀስ ምዃኑ'ውን ካልእ ጸገም'ዩ' ብምባል ትዛረብ። መዓዛ ግደይ ንከምዚ ዝበሉ ዝተጋገዩ ማሕበረሰባዊ ኣረኣእያታት እያ እትነቅፍ፤ 'ጓል ኣንስተይቲ ኮይንካ ምንባር ዓብዪ ፈተና'ዩ' ትብል።
"ፍሉያት ጸጋታት'ኳ እንተሃለውና፡ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣመለኻኽታ ግን፡ ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ከም ሓጢኣት ክንቖጽሮ ክነማርር'ዩ ዝገብር። ብዙሓት ካብ ገዛና ጀሚሩ ክንቃለሶም ዝግብኡና መሰናኽላት አለው። ክንውለድ ከለና ዝዕለለልና ባዕሉ ነንነብይነኑ'ዩ"።
ኣንስታያውነት ክሳብ መዓዝ?
ኣንስታያውነት [ፌሚኒዝም] ኤውሮጳዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ናትና ማሕበረሰብ ኣይቃዶን ብምባል ዝነጽጉዎ ሰባት ኣይሰኣኑን።
እዘን ሙሁራት ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ካብ ውሉድ ወለዶ ዝሰገሩ ንጓል ኣንስተይቲ ብፍሉይ ዝሃስዩ ተግባራት ብምህላዮም ኢና እንቃለስ ይብላ ።
"ክሳብ ሕጂ ዕላዊ ዘይግበሩ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሑ ጾታዊ ጥቕዓታት ኣለው" እትብል ሰላማዊት፡ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክሳብ ዝመጽእ፣ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጸቕጢ ክሳብ ዝፍጠር፣ ጓል ኣንስተይቲ ክሳብ እትኽበር እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ቃልሲ ክደፍእ ኣለዎ ትብል።
"ብጾታዊ ጥቕዓት ይቕለድ፣ ሰነድ ጾታዊ ጥቕዓት ዘብጽሑ ሰባት ዝጠፍኣሉ፣ ብዋሕስ ዝወጽእሉ ኩነታት ክሳዕ ዘሎ፡ ንመዓርነትን ፍትሕን ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል ኣለዎ" ኢላ ሰላማዊት።
መዓዛ ብወገና፡ ጓል ኣንስተይቲ ተማሂራ ብቁጠባዊ ዓቕሚ ዓርሳ ንኽትክእል ክንቃለስ ኣለና ዝብል እምነት ኣለዋ።
"ክሳብ ሕጂ እኮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ይፈትወኪ እየ ብዝብሉወን ደቂ ተባዕትዮ ኣሲድ ክድፍአን፡ መጥቃዕቲ ክበጽሐን ኢና ንርኢ። ናብ ገጠር እንተኸይድና ይኽንሸባ። እንተዘይተኸንሺባ፡ ውዕይቲ ክትኸውን'ያ፣ ኣቕሓ ክትሰብር'ያ፣ ስኽን ኣይትብል፣ በዓል ሓዳራ ኣይተኽብርን ብዝብል ኣካላዊ ጥቕዓት ይበጽሐን ኣሎ"
እቶም ጸገማት ሓደን ክልተን ኢልካ ዝግለጹ ብዘይምዃኖም፡ ጓል ኣንስተይቲ መሰላ ኣጸጽያ ክትፈልጥ ብምግባር፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመጽእ ከም ዘለዎ ትገልጽ።
ኣንስታያውነት፡ ክልቲኡ ጾታ ማዕረ ረብሓን መሰልን ኣለዎ ኢሉ ዝብገስ'ኳ እንተኾነ፡ ፌሚኒዝም 'ናብ ኣፈላላያት ጾታ ዘዘንበለ ኣመለኻኽታ'ዩ' ኢሎም ዝነቕፍዎ ምሁራት ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ንምህርቲ ዓለማዊ መጽናዕታት መዓዛ፡ እዚ ን'ፌሚኒዝም' ዝወሃብ ግጉይ ትርጓመ እዩ በሃሊት እያ።
"ኣነ ፌሚኒስት'የ ክትብሎም ከለኻ፡ ከምቲ ሰብ ቀቲለ ዝበልካዮም፡ ኣንቲ እንታይ ኮይንኪ? ዝብሉኻ፤ ወዲ ተባዕታይ ንምጽናት ተዓጢቓ ዝተልዓለት ጓል ኣንስተይቲ ዝመስሎም ኣለው። እዚ ግን፡ ነቲ ጽንሰ ሓሳብ ካብ ዘይምፍላጥ ዝብገስ'ዩ። ፌሚኒስት ንምዃን ሰብ ምዃን እኹል'ዩ" ትብል።