እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንጾታዊ መሰልናን መሰል ህዝብናን ክንቃለስ ኢና
ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ተሰሊፈን ዘርኣየኦ ጅግንነት፡ ቆራጽነት፡ ተወፋይነትን ብጻይነትን ብቓላት ተሪኽካ ዝግለጽ ኣይኮነን።
ብዙሓት ወጻእተኛታትን ደቂ ሃገር ጸሓፍትን መስኪሮሙለን እዮም። ቢቢሲ ትግርኛ እምበኣር ብኣጋጣሚ እዚ ዕለት ንሰለስተ ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ብጉዳይ መሰል ደቀንስትዮ ኣዘራሪቡ ኣሎ - ርእይቶአን እነሆ።
ንዓመታት፡ ውሽጣዊት ስርዕቲ ኮይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1975፡ ንሓደ ምስ ጸላኢ ብስለላ ተቖጺሩ ዝጸንሐ (ዳብል ኤጀንት) ሰብ ክትውድብ ፈቲና ምስተፈልጠት፡ ሃዲማ፡ ብሓገዝ መቓልስታ ስሩዓት፡ ብምድረ ትግራይ ኣቋሪጻ ንጾሮና ኤርትራ ኣትያ፡ ኣብ ተሓኤ ዝተሰለፈት ተጋዳሊት ኣስገደት ተስፋየውሃንስ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ውዳበን ምንቕቓሕን ህዝቢ ተሳቲፋ ዘገልለት ሃገራዊት እያ።
ኣስገደት፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ብምርግጋጽ ህይወትን ናብራን ህዝቢ ምልዋጥ ዝብል፡ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝቃለሰሉ ዝነበረ መጻኢ ራኢን ዕላማን ንምትግባር፡ ምስ ብጾታ ናብ ፈቐዶ ገጠራት እናኸደት፡ ኣገልግሎት መባእታ ሕክምና፡ ክንክን ኣልያን ቖልዑ፡ ኣገዳስነት ምጥፋእ መሃይምነትን ትምህርትን፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሰሪጹ ዝጸንሐ ጎዳኢ ልምድታትን ከም ጠቢብን ባርያን ዝብል ነጻሊ ኣረኣእያን ንምእላይ ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ 15 ዓመት ዕድመኣ፡ ኣሰር ሰለስተ ኣሕዋታ ተኸቲላ፡ ኣብ 1981 ናብ ቃልሲ ሓርነት፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፋ፡ ኣብ ሻዱሻይ ወራር -1982 ኣብ ኩናት ተሃሪማ፡ ዑረት ጸጋመይቲ ዓይናን መቑረጽትን ልዕሊ ብርክን ዘጋጠማ ተጋዳሊት ትርሓስ ተኽላይ ንትማልን ሎምን ብኸቢድ ኣስተንትኖ እያ ትገልጾ።
ምስ ስራሕ ወላዲኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ እያ ዓብያ።
ትርሓስ፡ ነቲ ኣካላ ዝሰንከለትሉ ዕላማን፡ እዚ ሕጂ ኤርትራን ህዝባን ዘለውዎ ኩነታትን ብምንጽጻር፡ "ብህዝበይን ብሃለዋት እቶም ኣብ መዓስከር ቃኘው እኹል መሳለጥያታት ኣብ ዘይብሉ በራካታት ዝነብሩ ዘለው ስንኩላን ብጾተይ ክሓስብ ኣይድቅስን እየ" ትብል።
ዕላላን ዛንታኣን ቃንዛ እዩ - ካብቶም ቀዲሞምዋ ዝተሰለፉ አሕዋታ ክልተ ስውኣት እዮም።
ንሳ ከኣ ከቢድ ስንክልና ሒዛ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጽአት ኣብ ሃገራ ብኽብሪ ክትነብር ዝግበኣ ክነሳ ግን ስለዘይከኣለት ሕጂ ኣብ ስደት እትነብር ዘላ ትርሓስ፡ "ንህዝቢ እየ ተጋደዲለ እንድሕር ትብል ኾንካ ንህዝቢ ክትሃስዮን ክትውጽዖን ኣይግባእን እዩ።
ግን ሓደ ሓደ ተጋደልቲ ንስድራ-ቤታት ካብ ኣባይቶም ጓሕጒሖም ኣውጺኦም ባዕላቶም ክሰፍሩዎ ምስ ረአኹን ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ምስ ኮነን ክጻወሮ ስለዘይከኣልኩ ተሰዲደ" ትብል።
ምኽንያት ስደታ እቲ ኣብ ኤርትራ ሰሪጹ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ብምብራህ፡ ኣብዚ እዋን እዚ መሰል መላእ ህዝቢ ታጋሂሱ ስለዘሎ፡ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ "ንመሰል ደቀንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነ ንመሰል መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ እየ ዝቃለስ" ትብል።
ንትርሓስ ግን ስንክልና ኣይደረታን፡ ምስ ኩሉ እቲ ዘጋጠማ ናይ ባሩድን ሓጺንን መውጋእቲ፡ ትመሃር ትሰርሕ ወሊዳ ደቃ ተዕብን ህይወታ ትመርሕን ኣላ።
ስለምንታይ እየን ግን እዘን ደቀንስትዮ ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ዝማረራ? ንነብሲ ወከፈን ሕቶ ቀሪቡለን ነይሩ።
"ተጋዲለ ዝሰንከልክሉ ሃገር መሰለይ ከውሕሰለይ ኣይከኣለን። ኣብ 1997 ብባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኣይተተግበረን።
ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም ዝተኣስሩ ገዳይም ሃገራውያን ተቓለስቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን። ኣብ ሃገረይ ልዕልና ሕጊ የለን - ፍትሒ የሎን።
ዶባትና ተወሪሩ ተባሂሎም ልዑላውነቶም ከኽብሩ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዘገልገሉ መንእሰያት ኤርትራ ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ብኣሽሓት ይስደዱ ኣለዉ።
ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሸፋቱን ነገዶ ደቂ ሰባትን እናተኸላበቱ ዝጣበቐሎም፡ ዘእውየሎም፡ ዝምጉሎም ስርዓት ኣይረኸቡን።
እንታይ እሞ እዩ ኣብ ኤርትራ ዘይተገብረለን ዘይኮነን ነገር" ትብል ተጋዳሊት ትርሓስ ተኽሊት።
መንእሰይ ነብያት መዓሾ ብወገና፡ " እዚ ኹሉ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ክነብር፡ ክመሃር፡ ክሰርሕ፡ ክምርዖ ክድርዖ፡ ሓዳሩን ስድርኡን ክኣሊ መሰል እንተዝረክብ ናብ ስደት ኣይመቋመተን።
ስለዚ ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ዝሪኡ ማንም ሰብ ስለምንታይ እዮም ኣማኢት መንእሰያት መዓልታዊ ዝስደዱ ኢሉ ክሓስብ ግድን እዩ" ትብል ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንዝወጽኡ ኣሻሓት ዜጋታት ከም ኣብነት ብምጥቃስ።
ገና ትሕተ ዕድመ ተመሃሪት ማእከላይ ደረጃ እንከላ ዝተመርዓወት ነብያት መዓሾ፡ ንሳ ዕድለኛ ኮይና፡ ዝረዳዳእ መጻምድቲ ረኺባ ትምህርታ ክትቅጽል እኳ እንተኸኣለት ብዙሓት ደቀንስትዮ ብመርዓን ሓዳርን ካብ ዝሓልምኦ ጉዕዞ ክዕንቀፋ ስለእትርኢ ከምእትሓዝን ትገልጽ።
ሕብረተሰብና ንጓል ኣንስተይቲ ዝህባ ተራን ቦታን ድሩት ብምዃኑ ከምቲ እትደልዮ ኣይትስጉምን እያ። ኣብ ርእሲኡ እቶም ፖለቲካውያን ስርዓታት ዘሕድሩዎ ጸቕጢ እውን የድንና እዩ" ድማ ትብል።
ተጋዳሊት ኣስገደት ንኣዴታት ኤርትራ እናኽትዝክር ጻማ ጻዕረንን ቃልሰንን ብዘይምርካበን ብልቢ እያ ትሓዝን። ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ኣዴታት ተጋደልቲ ደቀን ክዕንግላ መግብን ማይን ጸይረን ፈቐዶ ኣጻድፍ ክድይባ።
ደምን ረሃጽን ውግኣት ሓጺበን መግቦም ቀሪበን ኩናትን ወረ ኩናትን ከብቅዕ እናተመነያ ብኹለንትነአን ተወፍየን ከብቅዓ፡ ገና ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ሰሃራን ሲናይን ካብ ባሕርን ጣሕርን ሞት ደቀን ተረዲአን ሬሳኦም ከይቀበራ ወላድ መኻን ኮይነን ሓመድ ክጽሕትራ ይውዕላ ምህላወን የጨንቓ።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ገና ሰብኣዊ ግህሰት ከምዘይተመሓየሸ እየን ዝገልጻ።
ብሓጺሩ ድሕሪ ናጽነት ነብሲ ወከፍ ሰብ ተማሂሩ ምጽሓፍ ምንባብን ኪኢሉ እቶም ናእሽቱ ብትምህርትን ምርምርን ዓብዮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሖም ብፍልጠትን ንባብን ነቒሖም በሊሖም ህዝብን ሃገርን ከገልግሉ እዩ ነይሩ እቲ ትጽቢት።
ግን ብሰንኪ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምሕደራን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ፈቐዶ ስደት ተዘርዮም ይርከቡ።
ሰለስቲአን ኣሓት ብዛዕባ ዋሕዚ ስደትን ዝርወት መንእሰያትን ኣምሪረን እየን ዝዛረባ። ግን ከኣ ብምሉእ ነብሰ ምትእምማን ንመንእሰያት ዝኸውን ግዜ ክመጽእ ስለዝኾነ ኣኣብ ዘለውዎ ክመሃሩን ንመጻኢኦም ክሓስቡን ተማሕጺነን።