እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ኢትዮጵያ እዚ ዓመት
2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ዜጋታት ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ዝጸለዉ ኣጋጣምታት ዝተኸሰቱሉ ዓመት ኮይኑ'ሎ።
ካብቶም ዘጋጠሙ ክስተታት ኣየኖት'ዮም ዝጎልሑን ወሰንትን ንዝብል ንምፍላይ እቲ እንጥቀመሉ መምዘኒ ዝተፈላለየ ከምዝኸውን ፍሉጥ'ዩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ፍጻመታት ኣብታ ኣብ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዘላ ዝዝረበላ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ትርጉም ክህልዎም ንዝኽእሉ ዝተወሰኑ ክስተታት ክንድህስስ።
ምቕሃም ኢህወዴግን ውልደት ብልጽግናን!
ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንኣስታት 30 ዓመታት ንበይኑ ኮይኑ ብምምራሕን መሰረታዊ ለውጢ ብምምጻእን ልዕሊ'ቲ ስምረት ኣርባዕተ ውድባት ዝኾነ ኢህወዴግ ዝጥቀስ ኣካል የለን።
እንተኾነ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝተወልዑ ተቓውሞታት እቲ ግንባር ብዝነበሮ ኩነታት ክቕጽል ዘኽእልዎ ኣይነበሩን።
በዚ ምኽንያት ከኣ ለውጢ ንምምጻእ "የኽእሉኒ" ዝበሎም ስጉምቲታት ወሲዱ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ብምሻም ምስሊ ናይቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሎም 27 ዓመታት ንምቕያር ብወግዒ ስርሑ ዝጀመረ ኣብዚ ዓመት'ዩ ነይሩ።
ንዓመታት ኣብ ሓሳብ ጥራይ ዝጸንሐ ሓደ ውሁድ ፓርቲ ናይ ምዃን ትልሙ ብቕልጡፍ ግብራዊ ንምግባር ብምውሳን ብዘይካ ህወሓት ኦዲፒ፣ ኣዴፓን ደኢህዴንን ኣብ ስምምዕ ስለዝበጽሑ "ብልጽግና" ዝሰመይዎ ሓድሽ ውሁድ ፓርቲ መስሪቶም።
መስራቲ ኢህወዴግ ዝነበረን ኣብቲ ግንባር ዝለዓለ እጃም ዝነበሮን ህወሓት ኣብቲ ሓድሽ ውሁድ ፓርቲ ከምዘይጥርነፍ ብድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ውሽጢ ማእኸላይ መንግስቲ ዝነበሮ ተሳትፎ ብኸይዲ እናተዳኸመ ብምምጽኡ ምስ ብልጽግና ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናብ ወጥሪ ኣትዩ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ህወሓት ኣብ ዘመሓድሮ ክልል ትግራይ ኮይኑ ምንቅስቓሱ ብምጥንኻር ናይ ብልጽግና ቀንዲ ተወዳዳሪ ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ፖለቲካዊ ውዳበታት ብምትሕብባር ድማ "ፌደራሊስት ሓይሊታት" ዝተሰመየ ምንቅስቓስ ፈጢሩ።
ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ኣፈላላያት እናሰፍሐ ብምምጽኡ ብቕሉዕ ክካሰሱ ይረኣዩ ኣለዉ።
ከበባ ጃዋር መሓመድ
ጃዋር መሓመድ ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ፈጠርቲ ጽልዋ ውልቀ ሰባት ሓደ እዩ።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኡ ንድሕንነቱ ስግኣት ዝኾኖ ከበባ ከምዘሎ ምስገለጸ ብዝተፈጠረ ጎንጽን ዘይምርግጋእን ብዙሓት ሰባት ሞይቶም።
እቲ ኣጋጣሚ ኣብ 11 ጥቅምቲ 2012 ኣ.ኢ ዝተፈጠረ እዩ ነይሩ። ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኸበበ ብምግላጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መልእኽቲ ይዝርግሕ።
ሽዑ ደገፍቱ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኡ ካብ ምትእኽኻቦም ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኦሮሚያ'ውን ተቓውሞ ተወሊዑ።
ኣብቲ ዘይምርግጋእን ጎንጽን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ልዕሊ 80 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፤ ኣብ ልዕሊ ንብረት'ውን ከቢድ ዕንወት በጺሑ። እቲ ወጥሪ ንመዓልታት ዝቐጸለ እዩ ነይሩ።
ክልል ንምዃን ካብ ሲዳማ ዝቐረበ ሕቶ
ዞባ ሲዳማ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ማእኸል ብሄርብሄረሰብን ህዝብታትን ዝኾነ ክልል ደቡብ ብምውጻእ'ዩ ርእሱ ዝኸኣለ ክልል ንምዃን ሕቶ ዘቕረበ።
እቲ ሕቶ ይቐርብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተወልዑ ጎንጽታት ምፍሳስ ደም ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ኣብ 10 ሕዳር 2012 ኣ.ኢ ብዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ክልል ክኸውን መዕለቢ ረኺቡ'ዩ።
ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ እናመርሖ ኣብ ሲዳማ ዝተኻየደ ህዝባዊ ውሳነ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ተሳቲፎምሉ ነይሮም። ካብቶም ዘድመጹ ድማ 98.51 ሚኢታዊት "ክልል ምዃን" ኣብ ዝብል ዝመረጹ እዮም።
ብመሰረት እቲ ውሳነ'ውን 10ይ ክልል ክኸውን በቒዑ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 50 ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን እቶም ኣስታት 10 ዞባታት ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪቦም'ዮም።
ካብቶም ሕቶ ዘቕርቡ ዘለዉ ገሊኦም መፍለዪ ክልልና ዝበልዎም ባንዴራታት ሒዞም ዝረኣዩሉ ኩነታት ኣሎ።
ብፍላይ ተወከልቲ ዞባ ወላይታ ካብ ባይቶ ክልል ደቡብ ብምውጽኦምን እቲ ዞባ ክልል ንክኸውን ዝቐረበ ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ዝግበር ድፍኢት እናሓየለ ብምምጽኡን ወጥሪ ነጊሱ ነይሩ።
ጭውያ ተምሃሮ
ኣብ 2012 ኣ.ኢ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ብዝተወልዑ ጎንጽታት ተምሃሮ ክሞቱ ከለዉ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም'ውን ኣለዉ። በዞም ምኽንያታት ከኣ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ብተደጋጋሚ ተኣጓጒሉ።
ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ እቲ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝነበረን ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ዘይረኸበን ጉዳይ ጭውያ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ዶሎ እዩ።
ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕግርግር ትምህርቲ ብምቁራጹ ናብ ወለዶም ኣብ ዝምለሱ ዝነበሩ 18 ተምሃሮ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ተጨውዮም ክሳብ ሕጂ እውን ደሃዮም ኣይተረኽበን።
24 ሕዳር 2012 ኣ.ኢ ገለ ካብ ተምሃሮ ናብ ወለደን ብምድዋል ጸገም ከምዘጋጠመን እንተሓበራ'ኳ እቲ ጉዳይ ቆላሕታ ንኽረክብ ሰሙናት ወሲዱሉ።
ቢቢሲ ንጭውያ እተን ተምሃሮ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እንተሰርሐ'ኳ ካብ ክልላዊ መንግስቲን ፌደራል መንግስትን መረዳእታ ክረክብ ኣይከኣለን።
ኣብ መወዳእታ ግን መንግስቲ ጉዳይ እተን ተምሃሮ ብቐረባ ይከታተሉ ከምዘሎን ኣብ ሓጺር እዋን መዕለቢ ከምዝረክብ ገሊጹ ነይሩ። ምስቲ ጭውያ ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ 17 ሰባት'ውን ብ10 ሓምለ 2012 ኣ.ኢ ክሲ ግብረ ሽበራ ከምዝተመስረቶም ሃገራዊ ቴሌቪዥን ጸብጺቡ'ዩ።
ኣብቲ ክሲ እቲ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ዓማጺ ጉጅለ ኦነግ-ሸኔ ካብቶም ተጠርጠርቲ ምዃኑ ይግለጽ። ንሱ ግን ከምዘይወዓሎ እዩ ዝዛረብ።
ምንዋሕ መረጻ
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸአ ብተደጋጋሚ ክዛረበሉ ዝጸንሐ ሓደ ዛዕባ ጉዳይ መረጻ እዩ ነይሩ። ንሱ ቦርድ መረጻ ነጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ከምዝጣየሽ'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
ኣብ 2012 ክካየድ'ዩ ዝተበሃለሉ መረጻ ቅድሚኡ ካብ ዝተኻየዱ ዝተፈለየ ክኸውን ከምዝደሊ'ውን ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።
በዚ መሰረት ፖለቲከኛ ነበር ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ነቲ ቦርድ ንኽትመርሕ ሓላፍነት ስለዝተወሃባ ኣብ ዝመሓደረሉ ሕጊ ከምኡ'ውን ኣቃውማ መመሓየሺታት ተገይሮም። ሃገራውን ክልላውን መረጻ ዝካየደሉ ሰሌዳ ግዜ'ውን ወግዓዊ ኮይኑ። ኣብ መጀመርታ 10 ነሓሰ ደሓር ብዝተገበረ ምምሕያሽ ድማ 23 ነሓሰ 2012 ኣ.ኢ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ ክኸውን ተወሲኑ ነይሩ።
እቲ ቦርድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስኣጋጠመ መረጻ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ከካይዶ ከምዘይክእል ብምግላጽ ብምኽንያት እቲ መረጻ ዝሳለጡ ስራሕቲ ንኽቋረጹ ከምዝወሰነ ብ22 መጋቢት 2012 ኣፍሊጡ።
ስግኣት ኮሮናቫይረስ ተወጊዱ እቲ ክህልው ዝኽእል ህልው ኩነታት መሊሱ ብምግምጋም ሓድሽ ትልሚ ምድላው ስራሕቲ መረጻን ግዜ ሰሌዳን ብምውጻእ ስርሑ ከምዝጅምር'ውን ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ቦርድ መረጻ ከካይድ ከምዘይክእል ውሳንኡ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስኣቕረበ ድማ እቲ ባይቶ ነቲ ውሳነ ቅቡል ብምግባር ኣብቲ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ንኸወሃብ ምሕታቱ ይዝከር።
በዚ መሰረት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ ለበዳ ስግኣት ክሳብ ዝኾነ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ንክቕጽሉ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ዓለም ለኸ ትካላት ጥዕና ነቲ ለበዳ ኣመልኪቶም ንዘውጽእዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ሚንስትሪ ጥዕናን ትካል ጥዕና ማሕበረሰብን እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሕብረተሰብ ስግኣት ከምዘይኮነ እንተተረጋጊጹ እቲ ምርጫ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ከምዝካየድ ሓቢሩ።
መረጻ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክናዋሕ የብሉን ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ግና እዚ ዓመት ከይተወደአ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ክዳሎ ድሕሪ ምጽናሕ ንጽባሕ ረቡዕ 4 ጻጉሜን ነቲ መረጻ ከካይድ ትጽቢት ይግብር።
ቅትለት ሃጫሉን ማእሰርትን
ዓመተ 2012 ኢትዮጵያ ክዛዘም ክልተ ኣዋርሕ ምስተረፍዎ ዝተፈጸመ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት እታ ሃገር ዓብዪ ለውጢ ካብ ዘምጽኡ ቀንዲ ምኽንያታት ይጥቀስ።
ሰኑይ መዓልቲ 22 ሰነ 2012 ምሸት እቲ ስነ ጥበባዊ ከምዝተቐተለ ምስተሰምዐ ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኦሮሚያን ናዕብን ዕግርግርን ተወሊዑ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።
ፖለቲከኛታት ኣይተ ጃዋር መሓመድ፣ ኣይተ በቀለ ገርና፣ እስክንድር ነጋን ካልኦት ተቓወምትን ተኣሲሮም'ዮም። እቲ ዝተፈጠረ ናዕቢ ንክጓሃሃር ምኽንያት ነይረን ዝተበሃላ መደበር ቴሌቪዥን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተዓጸዋ ክግለጽ ከሎ ጋዜጠኛታት'ውን ተኣሲሮም'ዮም።
ንኽዛዘም ቁሩብ መዓልታት ጥራይ ተሪፈንኦ ኣብ ዘለዋ ዓመተ 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብዙሓት ፍጻመታት ከምዝተረኣዮ ዝፍለጥ'ዩ። እንተኾነ ቢቢሲ ካብቶም ብዙሓት ንገሊኦም ዝዳህሰሰሉ ትሕዝቶና ነቶም ልዕል ክብል ዝተዘርዘሩ ክስተታት ኣልዒሉ'ሎ።