ኢትዮጵያ፡ ሓጓፍ መረጻ ብሕጊ'ዶ ይውዳእ ይኸውን?

ኣብዚ ኣብ ወርሒ ጉንቦት ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ እዩ ትልሚ ተታሒዙዎ ነይሩ። ሕዚ'ውን፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19፡ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር እቲ ሃገራዊ መረጻ ንዘይተፈለጠ እዋን ክናዋሕ ወሲኑ።

እንተኾነ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ መወደእታ መስከረም ማለት'ውን፡ መስከረም 25 እዩ እብረ ስልጣኑ ዘብቅዕ።

እዚ ኣባል ባይቶ እብርኡ ቅድሚ ምብቅዑ፡ እንተነኣሰ ሓደ ወርሒ ቀዲሙ፡ ሓድሽ ሃገራዊ መረጻ ተገይሩ ክፍጸም ከምዝግባእ፡ ኣብ ዓንቀጽ 58 ንኡስ ዓንቀጽ 3 ሰፊሩ ይርከብ።

እቲ ሕገ-መንግስቲ ዋላ እቲ ባይቶ ዕድመ ስርሑ ከየብቀዐ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክብተን ዝኽእለሉ መስርሕ እንተቕመጠ'ኳ፡ መረጻ፡ ክካየድ ዘይኽእለሉ 'ሓደጋ' እንተተፈጢሩ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ግን፡ ዝኾነ ፍታሕ ኣየቕመጠን።

እዚ ድማ፡ እታ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘስገኣ ሃገር፡ ናይ ስልጣን ሓጓፍ ከየስዕበላ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ሕገ-መንግስታዊ ኣማራጺታት

መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ውድባት ፖለቲካ ጸዊዑ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣርባዕተ ኣማራጺታት ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ባይቶ ምብታን፣ ህጹጽ ኣዋጅ ምእዋጅ፣ ሕገ-መንግስቲ ምምሕያሽ ምግባር ወይ ከኣ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ፡ ዝብሉ እዮም።

ገለ ሓሳብ ወሃብቲ፡ ኣርባዕቲኦም ኣማራጺ ክኾኑ ከምዘይኽእሉ፡ ዘቕበጹ ነይሮም።

መብዛሕትኦም ድማ፡ ብፍላይ እቲ ብቐሊል ወጻእን ኣብ ሓጺር እዋንን ክግበር ይኽእል እዩ ዝበልዎ፡ 'ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ እንተዝሕተት' ዝብል ሓሳብ እዮም ደጊፎም።

ብርክት ዝበሉ ድማ፡ እቲ ዘተ ክሰፍሕን ሙሉእ እቲ ሰነድ ክወሃቦም ዝሓተቱ ነይሮም።

እንተኾነ፡ ካልእ መድረኽ ከይተዳለወ፡ 27 ሚያዝያ፡ እቲ ሃገራዊ ባይቶ፡ እቲ ራብዓይ ኣማራጺ ዝነበረ፡ ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ ይተሓተተሉ ዝብል ውሳነ ኣጽዲቑ።

ርግጽ፡ ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ፡ እቲ ኣኼባ ብዕጹው ስለዝተገብረ፡ ካብቲ ዜና ወጻኢ፡ ዝርዝር እቲ ዘተ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።

መረጻ፡ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ፡ ብኸመይ መልክዕ ክካየድ ከምዘለዎን፡ ውድባት ፖለቲካ ተዛትዮም ክውስኑን ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ከምዝግባእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ በዓል-ሞያ ሕጊ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍሰሃ ንቢቢሲ የረድእ።

ገለ ፖለቲካዊ ውድባት'ከ እንታይ ኢሎም?

ልዕሊ 100 ውድባት ፖለቲካ ኣብዚ ቀጻሊ መረጻ ኢትዮጵያ ክሳተፉ ኣብ መረጻ ቦርድ ተመዝጊቦም ይርከቡ። ገለ ድማ፡ ቅድሚ እቲ መረጻ፡ ስምረት ክፈጥሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ይረአ ኣለዉ።

እንተኾነ፡ 'ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ' ዝብል፡ ቅድሚ ኣብ ባይቶ ምቕራቡ ጀሚሮም፡ "ኣየናይ ዓንቀጽ እዩ ኣካቲዑ፡ ናብ ትርጓመ ዝእተ?" ዝብል ሕቶ ዝፈነዉ ኣለዉ እዮም።

ንኣብነት 7 ውድባት ተቓውሞ፡ ዓረና ትግራይ፣ ኦነግ፣ ኦብነግ፣ ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ]፣ ብሄራዊ ሸንጎ ኣገው፣ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ሞቻ፣ ሓምለዋይ ውድብ ከፋ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም እዮም።

እዞም ውድባት፡ ድሕሪ መስከረም 30 "ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ሃገር ከመሓድር ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት የብሉን" እዮም ዝብሉ።

መንግስቲ፡ ስልጣኑ ዘናውሐሉ፡ ኣማራጺ ከቕርብ'ውን ኣይኽእልን ዝብል ተሪር ቅዋም ኣለዎም።

ንሳቶም ከም ኣማራጺ ዝወስድዎ፡ ኣብ መንጎ ውድባት ፖለቲካ፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ዘተ ምግባርን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕን እዩ።

"ካብዚ ወጻኢ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ፡ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ ዀነ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣይህልዎን። ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘእቲ እዩ ክኸውን ዝብል ስግኣት ኣለና" ይብሉ።

እዚ ኣማራጺ፡ ካብቲ ምስ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ሱር ዝሰደደ ጸገም ዘለዎ፡ ህወሓት'ውን ዝተንጸባረቐ ቅዋም ዝመሳሰል እዩ።

ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ፡ ኣብ ወይን መጽሄት ዘውጸኦ ትንታነ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል መረጻ ንከካይድ ድሌት ከምዘይብሉ፡ ኣአንፊቱ ነይሩ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል፡ ብኢደ-ወነኑ፡ እቲ መረጻ ከናውሕ እንተወሲኑ ግን፡ ብብርኪ ክልል መረጻ ንኸካይድ ምድላዋት ከምዝጅምር እዩ ወሲኑ።

ትርጓመ ዝሓትት ዓንቀጽ ኣሎ ድዩ?

ሕገ-መንግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ስልጣን ዝተሓዘሉ መንገዲ፣ ብግልጺ ኣብሪሁ እዩ።

ዓንቀጽ 9 ንኡስ ዓንቀጽ 4 ፡ "ኣብዚ ሕገ-መንግስቲ ተሓጊጉ ካብ ዘሎ ወጻኢ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ መንግስታዊ ስልጣን ምሓዝ ክልኩል እዩ" ይብል።

ኣብቲ ኣማራጺታት ዝቐረብሉ ዘተ፡ ካብ ገለ ውድባት ተቓውሞ ዝቐረበ ሕቶ ምስረታ 'መሰጋገሪ መንግስቲ'፡ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተሪር መልሲ ሂቡ እዩ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ሕዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ክፍተት ክመልእ ዝኽእል ዘካትዕ ዓንቐጽ ከምዘየለ ድማ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ጀዋር መሓመድ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኣርቀቕቲ እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ብዛዕባ መረጻ ምንዋሕ ብዝምልከት ዝበሎ ነገር የለን።

ቅዋም ውድባት ተቓውሞ ከይተፈተሸ፡ ብተብተብ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳድ ዝተደለየሉ ምኽንያት'ውን ግልጺ ከምዘይኮነ ይሓትት፤ ጀዋር።

ንሱ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ብምርድዳእ ኣብ ሓደ ዕልባት ክበጽሑን፡ ከም ኣድላይነቱ ድማ፡ እዚ መሰረት ገይሮም ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክግበር ዝብል ከም ፍታሕ የቕርብ።

ህወሓት፡ ኣብዚ መርገጺ ምስዞም ሸውዓተ ውድባት ዝሰምር ቅዋም ኣለዋ። እንተኾነ፡ ቀጺልካ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣብ ዝብል ኣይስማመዐሉን።

እቲ ለበዳ፡ እናተቓለስካ ጎናጎኒ፡ ንዕኡ ብዘይ ጎድእ መልክዕ በቲ ሕገ-መንግስቲ ዝእዝዞ መሰርት፡ መረጻ ክካየድ ኣላዎ፡ ዝብል እምነት እዩ ካብ ህወሓት ዝንጸባረቕ።

ተንተንቲ ፖለቲካ'ኸ እንታይ ይብሉ?

ሰብሞያ ሕጊ'ውን እንተኾኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለየ መነጽር እዮም ዝሪእዎ።

ዳሬክተር ኦስሎ ኣናሊቲካ፡ ፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል፡ ተወላዲ ኖርወይ እዩ። ብቐንዱ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጎንጽን ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ኢትዮጵያ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደ ምሁር እዩ።

ንሱ'ውን፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ናይ ስልጣን ሓጓፍ [Power Vaccume] ዝብሎ ነገር ከምዘየለ ንቢቢሲ ይገልጽ። ሕገ-መንግስታዊ ፍታሕ ምርካብ ከምዘጸግም ድማ ይግምት።

"እታ ሃገር ዘጓንፋ ዘሎ ሓጓፍ፡ ሕገ-መንግስታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ" ይብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ጉዳይ ብክልተ መገዲ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ከምዝኽእል ይኣምን።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ፡ ክመልእ ክሰርሕ ይኽእል እዩ።

ካሊእ ኣማራጺ፡ ኣሳታፊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዘተ ምክያድ እዩ። እዚ ዘለቔታዊ ረብሓ ዘምጽእ እዩ-ይብሎ።

ዶ/ር ኣደም ካሴ: ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድስ ኣማኻሪ ዲሞክራሲን ምሕደራን እዩ። ቅድም ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ብዛዕባ መረጻ ምዝርራብ ኣድላይ ኣይኮነን እዩ ዝብል።

እንተኾነ'ውን፡ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ቦርድ መረጻን መንግስቲ ፌዴራልን ከምዝኾኑ እዩ ዝገልጽ።

'ህድኣት ይሓትት'

ኣብ መንጎ ውድባት ፖለቲካ፡ ብልጽግና ፓርቲን ህወሓትን ዝፍጠር ዘሎ ዘይምቅድዳው ናበይ ከምርሕ ከምዝኽእል ዘሰክፎም ብዙሓት እዮም።

ህወሓት፡ ብልጽግና ፓርቲ ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት የፍርሶ ኣሎ ክብል ይኸሶ።

ኣቦወንበር ብልጽግና፡ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ነበርቲ ኣክሱም ኣብ ዝዘተየሉ እዋን፡ "ብዘይ መረጻ ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ስርዓታት'ውን ኣለዉ እዮም" ኢሉ ምዝራቡ፡ ብነቐፌታ ብኣሉታ እዩ ተራእዩ።

ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ህወሓት ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ክልል'ውን እንተኾነ፡ ዲሞክራሲ ከስፍን ዘይከኣለ ውድብ ክብል እዩ ዝነቕፎ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣርባዕተ ኣማራጺታት ዝቐረብሉ እዋን፡ ዶክተር ኣብዪ፡ "ምስ ህወሓት ንምልዛብ ድልው እየ። ዘጥፋእናዮ እንተሎ'ውን ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ብወገንና ዝኽፈል ከፊልና፡ ንምልዛብ ድልዋት ኢና" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ በዓል ሞያ ሕጊ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮነን ፍስሃ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ መረጻ ተፈጢሩ ዘሎ አፈላላይ ክጸብብ ዝኽእል እዩ ዝብል እምነት የብሉን።

"እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ቀዲሙ'ውን ብመንግስቲ ፌዴራል ነዃላት እናተኣለሸ እናተሸርሸረ እዩ መጺኡ። ኰነ ተባሂሉ እቲ ስርዓት ንሓደጋ ክሳጣሕ ተገይሩ" ይብል።

ንምንዋሕ እቲ መረጻ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ መመኽነይታ ዝገበረን መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐን ገይሩ እዩ ዝሪኦ።

ፕሮፌሰር ትሮንቮል ብወገኑ፡ ኣብ መወዳእታ "ሓደ ነገር ግልጺ ክኸውን ይግባእ። እዚ ንሰብ ሞያሕግን ንሕግን ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን። እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ፡ ከቢድ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ዘለው ኩሎም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ህድኣትን ተሳትፎን ዝሓትት እዩ" ክብል ይድምድም።