እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሃዳውያንን ፌደራሊስትን ዝካሰስሉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ
ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጉዳይ ስርዓተ መንግስቲ ካብቶም ቀንዲ ዓንዲታት ወጥሪ ፖለቲካ ኮይኑ ኣሎ።
ህወሓት ዝመርሖ ልፍንቲ ኢህወዴግ ኣብታ ሃገር ዘተኣታተዎ ስርዓት ፌደራሊዝም ብሓደ ገጽ ናይ ህዝቢታት መሰል ዓርሰ ምሕደራ ብምኽባር ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ባህሎምን ቋንቋኦምን ከማዕብሉ ዕድል ብምሃቡ ዘመስግኑዎ ሰባት ኣለው።
ብኻልእ ገጽ ድማ እቲ ስርዓተ መንግስቲ ሓድነት ሃገር ብምልሕላሕ እታ ሃገር ናብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ወጥሪ ካብ ዘእተዉዋ ምኽንያታት ሓደ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ኣለው።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን እቲ ምስሕሓብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ስለ ዝበጽሐ እቶም ንፌደራሊዝም ዝድግፉ ሓይልታት ኣሃዳዊ ስርዓተ መንግስቲ ከም ጨፍላቕን ጸረ-ዲሞክራስን ገይሮም ይገልጽዎ።
እቶም ኣሃዳዊ ስርዓት ዝድግፉ ድማ ንፌደራሊዝም ከም ከፋፋልን ጸረ-ሓድነትን ገይሮም ይኹንንዎ።
ንምዃኑ እቶም መግለጺታት ካብ ባህርያት እቶም ስርዓተ መንግስቲታት ድዮም ዝብገሱ ወይስ ካብ ኣረዳድኣ?
ኣሃዳዊ ስርዓት እንታይ እዩ? ፌደራሊዝምከ?
ኣሃዳዊ ስርዓተ መንግስቲ ካብ 195 ሃገራት ዓለም እተን 165 ሃገራት ክጥቀማሉ ዝጸንሓን ዘለዋን ንልዕሊ ሽሕ ዓመታት ክትግበር ዝጸንሐ ስርዓተ መንግስቲ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ሕግን ምምሕዳርን መምህርን ተመራማርን ዝኾነ ዶ/ር ሲሳይ መንግስቴ ይገልጽ።
እዚ ስርዓተ መንግስቲ ገባርን ሓዳግን ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።
"ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ኣወዳድባታት ንምምሕዳር ብዝጥዕም ብዝደለዮ ዝቐርጾም፣ ዘመሓይሾምን ኣብ ድላዩ ዘፍርሶምን እዮም'' ይብል ዶ/ር ሲሳይ፡ እቶም ምምሕዳራት ኣብ ማእኸላይ መንግስቲ ወሳኒ ቦታ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕገ መንግስቲ ዝኾነ መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ ብተመሳሳሊ ''ስልጣን ካብ ማእከል እናተቖረሰ ናብ ታሕቲ፡ ከም ናይ ማእከለይ መንግስቲ ድልየት ክወርድ ዝኽእል፡ እንተዘይደልዩ ድማ ክምለስ ዝኽእል'' መስርሕ ዘለዎ ስርዓተ መንግስቲ እዩ ይብል፡፡
ብኻልእ ገጽ ዘመናዊ ፌደራላዊ ስርዓተ መንግስቲ ካብ 240 ዓመታት ዝሓልፍ ዕድመ ከም ዘይብሉን ኣስታት 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ዝሓዛ ካብ 28 ዘይበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም ዝጥቀማሉ ዶ/ር ሲሳይ መንግስቴ የረድእ።
''ብዝተኽኣለ መጠን ከም ናይ መጀመርታ መመዘኒ ተገይሩ ዝውሰድ ኣብ ዝተጻሕፈ ሕገ መንግስቲ ተመስሪቱ ኣወዳድባን ናይ መንግስቲ ናይ ስልጣን ክፍፍልን እዩ ዝህልዎ'' ይብል፡፡
ብተወሳኺ ኣብዚ ስርዓት ነናይ ባዕሎም ዝኾነ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ብውሑዱ ክልተ መንግስታት ከም ዘለዉ ዝገልጽ መምህር ገብረመስቀል ድማ ''ክልቲኦም መንግስታት ብሕገ መንግስቲ ስልጣን ዝረኽቡሉን እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ጸብለል ዘይብለሉ መስርሕ ዝፈጥር እዩ'' ይብል፡፡
ስርዓታት ኣሃዳውን ፌደራሊዝምን ብመንጽር ዲሞክራሲ
'ብመሰረቱ ኣሃዳዊ ወይ ፌደራላዊ ስርዓት ብባዕሉ ከም ሕማቕ ጌርካ ክውሰድ ኣይከኣልን' ዝብል መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ፡ እቲ ወሳኒ ነጥቢ ኣየናይ ስርዓተ መንግስቲ ነየነይቲ ሃገር ይምጥን ዝብል ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ብኽልቲኡ ስርዓተ መንግስቲ ዲሞክራሲ ምህናጽ ዝኸኣሉ ሃገራት ከም ዘለዋ ዝጠቅስ እቲ ሙሁር፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎም ህዝቢታ ዘለወን ሃገራት ግን ስርዓት ፌደራሊዝም ተመራጺ ዝኾነሉ ኩነታት ከምዘሎ ይገልጽ፡፡
''መንነታት ብስርዓት ደረጃ ሓለዋ ስለ ዝግበረሎም፣ ስልጣን ስለ ዝወሃቦም፣ ዓርሰ ምሕደራ ስለ ዘለዎምን ናይ ባዕሎም መንነት ተኸቢሩ ዝኸድሉ ኩነታት ስለ ዝህሉ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ተመራጺ ይኸውን" ኢሉ።
ብተመሳሳሊ ዶ/ር ሲሳይ፡ ከም እንግሊዝ፣ ጃፓንን ጣልያንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣሃዳዊ ስርዓተ መንግስቲ መስሪተን ጽቡቕ ዝበሃል ስርዓት ዲሞክራሲ ከም ዝሃነጻን ብኣንጻሩ ከም ናይጄርያ ዝኣመሰላ ስርዓት ፌደራሊዝም ዝኽተላ ሃገራት ንነዊሕ እዋን ውልቀ መለኽቲ ዝመርሑወን ከም ዝነበራ ይሕብር፡፡
''ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት እውን ኢትዮጵያ፡ ንሽሙ እዩ እምበር ናይ ፌደራል ስርዓት ዝተኸተለት ብተግባር ምልካዊ ስርዓት ከም ዝነበረ ምዝካር ንኽእል ኢና'' ይብል፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ኣየናይ ስርዓት ይምረጽ?
ኣፍሮ ባሮ ሜትር ዝተብሃለ ትካል ኣብዚ ሰሙን ስርዓት ፌደራሊዝምን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽን ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ከም ዘካየደ ሓቢሩ'ዩ።
ፌደራሊዝም'ዶስ ኣሃዳዊ ስርዓት ይሓይሽ ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ እቶም 61 ምኢታዊት ስርዓት ፌደራሊዝም ክቕጽል እቶም 37 ሚኢታዊት ግን ኣሃዳዊ ስርዓት ክኸውን ከም ዝመረጹ ሓቢሩ፤ 3 ምኢታዊት ግን ዝሃብዎ ምላሽ ኣይነበረን።
ፌደራላዊ ስርዓት ከም ዲሞክራስያዊ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ድማ ከም ኢ-ዲሞክራስያዊ ጌርካ ምውሳድ ግጉይ ከም ዝኾነ ዝገልጽ መምህር ገብረመስቀል ሃይሉ፡ ብናይ ኢትዮጵያ ወድዓውን ነባራውን ኩነታት ግን ፌደራሊዝም ዲሞክራሲ ንምህናጽ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቡ።
ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ መንነታት ኣወሃሂድካ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምስራት ዝተገበሩ ፈተነታት ከም ዘይሰመሩ ዝገልጽ መምህር ገብረመስቀል፡ ፌደራሊዝም መንነታት ከይጨፍለቐን ምብትታን ከየስዓበን ከቐጽል ከም ዘኽእል ይገልጽ፡፡
ብኻልእ ገጽ ፌደራሊዝም ጸገማት ንምፍታሕን ሃገራት ካብ ምብትታንን ከም ዘድሕንን ዝሰማማዕ ዶክተር ሲሳይ መንግስቴ፡ ብኣግባቡ እንተዘይተተግቢሩን ብዲሞክራሲ እንተዘይተጸምቢሉን ግን ጸገም ከምዘጋድድ ይሕብር፡፡
ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ''ብፍላይ ኣብ ከም ናትና ዝበለ ህዝቢታት ብብሄር፣ ቋንቋ፣ ባህልን ካልእን ተኸፋፊሉ ኣብ ዝብሩሉ ሃገር፡ እቲ ስርዓት ፌደራል ብኸመይ ይውደብ ዝብል ነቲ ክውንነት ብዝተኣናግድ መልክዕ ተጸኒዑ፡ ኣብ ተግባር እንተዘይውዒሉ ፍልልይ ንምግፋሕ መሳርሒ ኮይኑ እዩ ዘግልግል'' ይብል፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ዝተሰርሓሉ ስርዓት ፌደራሊዝም ''ንፍልልያት ቀዳምነትን ዓብዪ ቦታ ዝሃበን፡ ንሓድነት ግን ትርጉም ዘይሃበ'ዩ'' ብምባል ይነቕፎ።
''ሓደ ሓደ ግዘ ብዛዕባ ሓድነትን ኢትዮጵያዊነትን ምዝራብ ከም ሓጥያት ዝረኣየሉ ኩነታት ነይሩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ኣሃዳዊ ስርዓት ዘሎ ጽልኣት እውን ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ግቡእ ዘይኮነን እዩ'' ይብል፡፡
ብተወሳኺ ፌደራሊዝም ከም ስርዓት ዘይኮነስ፡ ዲሞክራሲ ዘይምህላውን እቲ ፌደራል ስርዓት ኣብ ቋንቋን መንነትን መሰረት ተገይሩ ዝተዋቐረሉ ኩነታት ግን፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ ናይ ፖለቲካ ጸገም ክትወድቕ ከም ዝገበራ ዶ/ር ሲሳይ መንግስቴ ይዛረብ፡፡
''ኢትዮጵያ ቅድሚ 1983 ዓ.ም ድልድልትን ሓድነታ ዝዓቀበትሉን ግዜ መዓዝ እዩ?'' ብምባል ዝሓትት መምህር ገብረመስቀል ግና ''የለን፡ ጌጋ ሓሳብ እዩ'' ብምባል ይካታዕ።
''ከም ጠንካራ፣ ሃፍታምን ሓድነት ዘለዋን ዓዲ ገይሩ ይነግረካ፡፡ ግን ድማ ከምኡ ኣይኮነን፤ ብዙሓት መንነታት ተጨፍሊቖም ዝነብሩላ፣ ብመንነቶም ዝሓፍሩላ፣ ሽሞም ዝቕይሩላ ሃገር እያ ነይራ፤ እዚ ፍሉጥ እዩ'' ይብል፡፡
ብፍላይ ድሕሪ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ኢትዮጵያ ተኸፋፊላ እያ ዝብል ዳሕራይ ዝመጽአ ሓሳብ፡ ሌጣ ሓሳብን ብተግባር ዘየለን እዩ ዝብል መምህር ገብረመስቀል፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተርኣዩ ጉድለታት ናይቲ ስርዓት ውጽኢት ጌርካ ምውሳድ ጌጋ እዩ ኢሉ።
''ኣብዚ ክልተ ዓመት ንርእዮ ዘለና ናይቲ ስርዓት ውጽኢት ዘይኮነስ ናይ ፖለቲካ ሕማም እዩ፡፡ እቲ ፖለቲካ ሓሚሙ ናብ ናይ ምጽልላእ ፕሮፖጋንዳ ተኣትዩ፡፡ ምጽልላእ እንተሃልዩ ድማ ኩሉ ግዜ ምጥቕቓዕ ይስዕብ'' ይብል፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ኣሃዳዊ መንግስቲ ክምለስ ይኽእል'ዶ?
ኣብ ኣሃዳዊ ስርዓት፡ ኣከባብራ መትከላት ዲሞክራሲ ብናይ ገዛእቲ ድልየት ከም ዝምሰረት ዝገልጽ መምህር ሕገ መንግስቲ ገብረመስቀል ሃይሉ በዚ ምኽንያት ድማ ፌደራሊዝም ከም ስርዓት ብዙሕነት ንዘለዎ ማሕበረሰብ ዝሓሸ ተባሂሉ ከም ዝውሰድ ይገልጽ፡፡
''ብዙሕነት ሃልይዎ ባዕሉ ንባዕሉ ምምሕዳር ዝፈተነ ዓዲ፡ እንደገና መሊስካ ዓርሱ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ክትወስደሉ እትኽእለሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል'ዶ ኢልካ እንተሪኢኻዮ ብናይ ኢትዮጵያ ኩነታት እኳ አዐርዩ ኣጸጋሚ እዩ'' ይብል፡፡
ህዝብታት ዝተዋህቦም መሰል እናሰፈሐ እምበር እናጎደለ ክኸይድ ኣይደልዩን ዝብል ምኽንያት ዘቕርብ መምህር ገብረመስቀል፡ ስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣሃዳዊነት ንምምላስ ምፍታን ግን ''ሓደገኛን እታ ሃገር ናብ ናይ ጎንጺ ክባ'' ከእትዋ ከም ዝኽእል ይሕብር፡፡
ብተመሳሳሊ ኣሃዳዊ ስርዓት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዕድል ከም ዘይረኣዮ ዝገልጽ ዶ/ር ሲሳይ መንግስቴ፡ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተወደበ መልክዑ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ከም ዘየለ ይገልጽ፡፡
''ኮነ ተባሂሉ፡ ንእትጸልኦን ዘይደለኻዮን በዚ መልክዑ ንምውቃዕ፡ ብሄርተኛ ንዝኾነ ናይ ሕብረተሰብ ከፍሊ ኣብ ጎንኻ ንምስላፍ ዝግበር ጻዕሪ እንተዘይኮይኑ፡ ኣሃዳዊ ዝኾነ ስርዓት ክምስርት እየ፤ ንዕኡ ኣጠናኺረ ክቕጽል እየ ዝብል ሓይሊ የለን'' ይብል፡፡
እዙይ ኮይኑ እናሃለወ ግን ዝብል ዶ/ር ሲሳይ፡ ኣሃዳዊ ዝኾነ ስርዓተ መንግስቲ ፍልልያት ኣኽቢሩ፡ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ስምዒትን ድልየታትን ህዝቢ ኣተኣናጊዱ ዝኸደሉ ኩነታት ከምዘሎ ተሞክሮ ጥልያንን እንግሊዝን ከም ኣብነት የልዕል፡፡
ብተወሳኺ '' ኣብ ኢትዮጵያ ፌደራሊስትን ኣሃዳውን ዝብል ኣበሃህላ ኣብዚ ዓዲ ብዘይኣግባብ ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ እዩ'' ይብል፡፡