እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ: ንማሕበረሰብ ንግዲ እንታይ ይመጻብዑ?
ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ክትዕ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዎም መትከል ኣቕሪቦም።
እቶም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብ ነብሲ ወከፎም ብኽልተ ኣባላት ኣመራርሓ ተወኪሎም እንትቐርቡ ነቲ ነጋዶን ሰብ ሃብትን ይረብሕ እዩ ዝብልዎ ዕላማኦም ኣቕሪቦም።
ንህወሓት ዝወከላ ወይዘሮ ሊያ ካሳ፡ እቶም ተናሓናሕቲ ውድባት ኣማራፂ ዝብልዎ መትከል የብሎምን ስለ ዝበለት እቲ ክትዕን መልሳ መልስን እናረሰነ ኸደ።
ንብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ዝወከለ መምህር ኣብርሃ ተኽሉ፡ "ዝሓዝኩምዎ ውድባዊ መቃለሲ መደባት ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልካ ምክታዕ ዘሎ እዩ። ሓሳብ የብልኩምን ምባል ግና ጌጋ እዩ" ብምባል ነቲ ዕላማታት ባይቶና ዝሓዘ ዝበሎ መጽሓፍ ኣልዒሎም ነቲ ተዓዳሚ ኣርእዮም።
የግዳስ መምህር ኣብርሃ ነቶም ንህወሓት ወኪሎም ዝመፅኡ ኣመራርሓ: ውድባዊ መትከሎም እንተየንበቡ ከም ዝመፅኡ ነቒፎዎም።
"ወያናይ ዴሞክራስን ልምዓታዊ ዴሞክራስን ሓደ ኣይኮነን" ብምባል ድማ ሞጒቶም።
ህወሓት ኣብ ጉባኤኡ ዘፅደቖ መቃለሲ እምነት ወያናይ ዴሞክራሲ እዩ ኢሎም መምህር ኣብርሃ።
"ስለዚ ንባዕልኻ ንፁርነት ከይሓዝካ ዕንደራ: ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅምን" እንትብል ንተወከልቲ ህወሓት ነቐፌታዊ ምላሽ ሂቡ።
ኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ እውን ካብቶም ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናይ ባዕሉ ስኑድ 'ማኒፌስቶ' ዘለዎ ብሕታዊ ውድብ: ባይቶና ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም::
መትከል ውድብ ናፅነት ትግራይ፡ ብመሓሪ ዮሃንስን ወልደ ኣብርሃን ቐሪቡ።
"ናብ ደርባዊ ቃልሲ እንድሕር ኣቲና ናብ ናፅነት እንገብሮ ቃልሲ ወፂእና ኣብ ጓል መንገዲ ኣቲና ሓይልና ክንብትን ኣይንደልን። ቀዳምነት እንህቦ ሃገር ምውላድ እዩ። እንታይ ዓይነት ስነ ሓሳብ ኣለኩም ንዝብል ብድሕሪኡ ስዒቡ ዝመፅእ እዩ" ይብል መሓሪ ዮሃንስ።
"ንሕና ገምጊምና ኢና ኢትዮጵያ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን። ሃገር እውን ኣይኮነትን" ዝበለ መሓሪ: "ባህሪያዊ ናይ ኣፈጣጥራ ምዝባዕ ኣለዋ" ኢሉ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰላም: ልምዓትን ዴሞክራስን ዘለዎ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክፈትሕ ኣይኽእልን ዝብል እምነት ኣለዎ ውናት።
"38 ወንበር ሒዝካ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራሊዝም ጊላ ኮይንካ ኢኻ ትነብር። ናይቲ ዝጣየሽ ስርዓት መማልእቲ ኢኻ ክትከውን" ዝብል ቅዋም እቲ ውድብ ብመሓሪ ዮሃንስ ተንፀባሪቑ።
ንውድብ ሳልሳይ ወያነ ወኪሎም ኣብቲ ክትዕ ኣሉላን ጠዓመን እዮም ቀሪቦም።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንናይ ንግዲ ማሕበረሰብን ንሰብ ሃብትን ይረብሕ እዩ ዝብል ውድባዊ መትከሎም ኣቕሪቦም።
"ፋይናንስ: ምሕደራ ቱሪዝም: መሰረተ ልምዓት: ስርዓት ግብሪ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ንጠልበለን ኢና። በዚ ኣቢልና ድማ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክነሰስን ኢና ዝብል ፅኑዕ መትከል ኣለና" ይብል ኣሉላ።
ሳወት ተሳትፎ ነጋዶ ኣብ ኩሎም ክፋላት ንኽህሉ ከምዝቃለስ ይገልፅ።
ሳወት ኣብቲ መረፃ እንተስዒሩ ንጀመርቲ ነጋዶ እፎይታ ግብሪ ከምዝህብ እውን ኣረዲኡ።
"ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ውድብ ስለዘይነበረ: ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ ሒዙ ኣብቲ ፌደሬሽን ዝጣበቕ ሓይሊ ኣይነበረን ኢልና ንኣምን" ኢሉ ኣሉላ።
ሳወት ብፍሉይ ታሓላቒ ፌደራሊዝም ከምዘይኮነ ኣብቲ መድረኽ ክትዕ ገሊፁ እዩ።
"ካብ ልሕሉሕ ዝበለ [ሉዝ] ፌደረሽን ክሳብ ሃገረ ትግራይ ምምስራት ኢልና ብስሩዕ ኣቐሚጥና ኢና። እቶም ረብሓታት ነጋዶ ስለዘማልኡ ኣብቲ ሕገመንግስቲ ክመሓየሹ ኣለዎም ዝበልናዮም ዘየማልእ ፈደረሽን እንተኾይኑ ምስ ኢትዮጵያ ንፀንሐሉ ምኽንያት የለን" እውን ይብል።
ሳወት ረብሓ ህዝብና ክነሰስን ሃገር ክንከውን ኢና ዝብል እምነት ኣለዎ።
ንውድብ ህወሓት ካብ ዝወከሉ ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ብወገኑ እቲ ኣማራጺ ሓሳብ የብልኩምን ዝብል ደጊምዎ።
"ካብ ተናሓናሕትና ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ: ነንባዕሉ ዝላተም: ወላ ሓንቲ መሰረተ ሓሳብ ዘይብሉ: ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበ: ኣብ ናይ ውድብ ህወሓት ናይ ኣፈፃፅማ ፀገማት ጥራይ ዝተንጠልጠለ እምበር ኣማራፂ ሓሳብ የብሎምን። ኣማራፂ ሓሳብ ስለዘይበልኩም ድማ ኣብዚ መድረኽ ነንባዕልኹም ክትባልዑ ንርእየኩም ኣለና" ብምባል ነቒፉ።
ንዴሞክራስያዊት ውድብ ዓሲምባ ወኪሎም ካብ ዝቐረቡ ኣይተ ዶሪ ብፍላይ ድማ ንማሕበረሰብ ንግዲ ይረብሕ እዩ ዝበልዎ መርገፂ ውድቦም ኣቕሪቦም።
"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ፍትሒ: ሰናይ ምምሕዳር: ስእነት ስራሕ መናእሰይ: ከምኡ እውን ፀገማት መሰረተ ልምዓት ብምፍታሕ: ዘበናዊ ንግዲ ዝትግበረላ: እቶት ሃብቲ ቱሪዝም ክልልና ብምዕባይ: ተብሃጊት: ሰላም ዝዓሰላ ዝማዕበለት ትግራይ ንምህናፅ: ውድብና ቆሪፁ ተላዒሉ ኣሎ" ብምባል ንተሳተፍቲ ገሊጾም።
ኮምሽን መረፃ ክልል ትግራይ ኣርባዕተ ዓበይቲ መድረኽ ክትዕ ንምክያድ ተሊሙ: ዝሓለፈ ሰሙን ፈላማይ ክትዕ ንኽካየድ ከም ዝመርሐ ይዝከር።