እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ገይሩ ተመሊሱ
ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ዓብዱል-ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ንሱ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያትን ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ወታሃደራውን ሲቪላውን ጸጥታ ሱዳን'ውን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ተጓዒዞም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዘለዋ ጽቡቕ ዝምድናታት፡ ነተን ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሰሓሓባ ዘለዋ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያ ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።
ኤርትራ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ምስ ሱዳን ዝነበራ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስ ምህላዉ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ናብ ግብጺ ገይሹ ከምዝነበረ ይዝከር።
ቅድሚ ንግብጺ ምጋሹ ከኣ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ሱዳን ናይ 3 መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ተራኺቡ ዘትዩ ነይሩ።
ኣብ'ቲ እዋን፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን" ከምዝዝትዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስን ወልደዮሃንስን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
እቲ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፡ ሌ/ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴንን፡ ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ጀማል ኣል-ዲን ዓብዱል መጂድ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ርክብ ኣብ ምንታይ ዘተኮረ ምንባሩ ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን ዘሎ።
እዘን መዳውብቲ ሃገራት ኣብ 1994 ዲፕሎማስያዊ ርክበን ድሕሪ ምብታኽ፡ ኣብ 2000 ብመንጎኝነት ቐጠር ዝምድንአን ናቡር ብምምላስ ዶባተን ክኸፍታ ከም ዝተሰማምዓ ይዝከር።
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ 2018 ምስ ኤርትራ ንዘዳዉብ ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምግታእ ብዝብል ምኽንያት ዓጽዩዎ ነይሩ።ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር መሰጋጋሪ መንግስቲ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎአን ንዘሎ ዶብ ንክኽፈት ተሰማሚዖም ነይሮም።
ነዚ ክልትኣዊ ስምምዕ ንምትግባር ዘኽእል ኮሚቴ ከም ዝቐውም'ውን ተገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ዶብ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተኸፍተን ዘሎ።