እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንምንታይ እዩ ናብ ግብጺ ገይሹ?
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ናብ ግብጺ ከምዝገሸ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣማኻሪኡ የማነ ገብረኣብን እዩ ሎሚ ረፋድ ናብ ግብጺ ተበጊሱ።
ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝገበሮ ምብጻሓት መሰረት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምናልባት ምስ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳያት እዩ ነዚ መገሻታት ዝገብር ዘሎ ዝብሉ ገለ ተዓዘብቲ ግን ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሓት ምስ’ዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝገልጽ ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
መገሻ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን
ኣቶ የማነ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ምብጻሕ ብዝምልከት እንተዘይኣብረሀ'ኳ፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቅድም ክብል ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝገበሮ መገሻታት መቐጸልታ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ብ ሰለስተ ጉንበት ክኸውን ከሎ፡ ንክልተ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ ነይሩ።
ኣብ’ዚ እዋን ክልቲኦም መራሕቲ “ኣብ ዞባዊ ጉዳያት” ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከምዝዝትዩ ካብ ምግላጽ ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሱዳን ዘካየዶ ምብጻሕ ድማ ብ 25 ሰነ እዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሱዳን ናይ 3 መዓልቲ ምብጻሕ ዘካየደ ኾይኑ፡ ምስ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ተራኺቡ ዘትዩ እዩ።
ኣብ’ቲ እዋን እውን፡ ክልቲኦም መራሕቲ “ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን” ኣድሂቦም ከምዝዝትዩ ተገሊጹ ነይሩ።
መገሻ ናብ ግብጺ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሎሚ ናብ ግብጺ ዝገሸሉ ዕላማ ኣይተገለጸን ኣሎ።
ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ቅድም ክብል ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝገበሮ መገሻታት ስዒቡ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ፡ ዕላማ መገሽኡ ንሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ጉዳያት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶታት ይዋሃብ ኣሎ።
ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዘሎ ቀንዲ ኣዘራራቢ ጉዳይ ድማ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እዩ።
ዘተ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረን ተቛሪጹ ዝጸንሐን ዝርርብ ብዓርቢ ከም ብሓድሽ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከምዘለዉን፡ ንሰለስተ ሰሙን ከየቋረጸ ክቕጽል ምዃኑን ተገሊጹ እዩ።
ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ምቁራጽ ዘተ ዘብጸሐ ቴክኒካዊ ጉዳይ ምምላእ ማይ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ናይቲ ግድብ ክሰማምዓ’ኳ እንተኸኣላ፡ ኣብ መቓን ግዜ ምምላእ ማይ ዓቢ ፍልልይ ፈጢሩ ይርከብ።
ግብጽን ሱዳንን፡ ስምምዕ ክሳብ ዝግበር ማይ ምምላእ ክጅመር የብሉን ክብላ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምምላእ ክትጅምር ምዃናን፡ እቲ ዝተረፈ ህንጸት ናይቲ ግድብ ማዕረ-ማዕሪኡ ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጣ’ላ።
እተን ተዛተይቲ ሃገራት ኣብ ሓደ ዕልባት ከይበጽሓ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምላእ ከምዘይትጅምር ምስምማዓ ግብጽን ሱዳንን ኣፍሊጠን።
ኢትዮጵያ ግን፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝርርብ፡ 'ማይ ምምላእ ክንጅምር ኢና' ካብ ዝብል መግለጺ ወጻኢ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ስምምዕ ካብ ምብራህ ተቖጢባ።
እቲ ምስሕሓብ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበን፡ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎን ይግለጽ።
መርገጺ ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኢትዮጵያ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ንጉዳይ ሩባ ኣባይ [ፈለግ ኒል] ብዝምልከት ከም ሓደ ‘ጎዶቧዊ’ ጉዳይ ብምርኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ርእይቶ ሂብሉ እዩ።
ቅድሚ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝነበረ እዋናት ኣብ ዝሃቦም ቃለመሕተታት፡ እቲ ሓጽቢ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ‘ብወያነ’ ዝተጀመረ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ነይሩ።
“ንህዝብታት ኢትዮጵያ እንታይ እዩ ረብሕኡ?” ክብል ድማ ይሓትት ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ እዋን ዘለዎ መርገጺ ብዝምልከት ግን ኣብ ቀረባ እዋን ዘንጸባረቖ ሓሳብ የለን።
እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽቡቕ ምሕዝነት ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ።